ድለ

FILES-ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT-100 DAYS FILES-ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT-100 DAYS  (AFP or licensors) ርእሰ ዓንቀጽ

100 መዓልታት ኲናት ኣብ ቓዛ፡ ናብቶም ዝሳቐዩ ቅርበት

“ገለልተይናታት ኣይኮንናን። ኣብ ጎኒ እቶም ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ቓዛ ዝሞቱ ብዙሓት ፍልስጤማውያን ደው ኢልና ኣለና፣ ካብዚኦም እቶም 10 ሽሕ ህጻናት እያቶም። ኣብ ጎድኒ እቶም ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ኪቡትዚም ዝተቐትሉ ንጹሃትን ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያንን ደው ኢልና ኣለና። ኣብ ጎድኒ እቶም ግዳያትን ዝሳቐዩን ደውን ንብል።”

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነዚዝበሉ ናይ ዜና ቫቲክንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽዎ ሓተታ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ መዓት እውን ይቕጽል ብምህላዉን እዚ እውን ካብ መጠን ንላዕሊ ዘሕዝንን ዘስክፍን እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዙ 136 ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ትሕቲ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ስፍራ ብኢድ ሓማስ ጅሆ ከም እተተሓዙን ብዛዕባኦም ኰነ ብዛዕባ ዅነታቶም ዋላ ሓንቲ ዝፍለጥ ነገር እውን ከም ዘየለ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ የዘኻኽሩ።

ሎሚ ራኬል ጎልድበርግ ፖሊን ዘዳለወቶ ልቢ ዝሰብር ዓንቀጽ ነቕርብ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ስቓይ ዝመልኣ እኳ እንተ ዀነት መግለጺ ፍቕሪ እውን እያ። ንሳ ብዛዕባ ወዲ 23 ዓመት ሀርሽ ዝተባህለ ጅሆ ዝተተሓዘ ወዳ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ግጭት ኢዱ ኸም ዝሰኣነ ጥራሕ እንተዘይኮይኑ ኻልእ ብዛዕባኡ ሓበሬታ ከምዘየለ ትሕብር። ንራኬል ድማ ቅርበትና ንገልጽ። በቲ ካልእ ሸነኽ ብመልኽታ ኣቢላ ነተን ከምኣ ኣብ ዝሳቓይ ዝርከባ ኣዴታት ትብዓት እተመሓላልፍ። ብዙሓት ደቃተን ዝሰኣነ ኣብ ሓዘን ንዝርከባ ኣዴታትን ኣባይቲ ስድራን ዘጸናንዕ መልኽቲ እዩ።

እቲ ተባዕ ድምጻ፡ ኣብቲ ሕርቃንን ሕነ ምፍዳይን ዝሰፍነሉ ኩነታት፡ ቃንዛ ካልኦትን፡ ከምኡ’ውን ናይ ገዛእ ርእስኻ ቃንዛ ካብ  ምፍላጥ ጥራይ ዕርቅን ይቕረታን ክውለድ ዝኽእል ምዃኑ ተመላኽት። ቃላት ራኬል ናትና እዩ። እዚ ቃል እቲ ንዝሳቐይ ኩሉ ብዘይ ኣፋላላይ ብማዕረ ቀረባ ክንከውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዘቕርቡልና ዕድመ እውን እዩ። ምስቶም ዝሳቐዩ፡ ምስቶም ዝሞቱ፡ ምስቶም ዋላ ሓንቲ ዘይብሎም ቀረባ ክንከውን ንዘቕርቡልና ዕድመ ዘቃልሕ እዩ።

እዚ ብኽልቲኡ ወገን ንዘሎ ስቓይ ዝግለጽ ቅርበት መብዛሕትኡ ግዜ ከም ማዕረ ርሕቀት ተገይሩ ይትርጎም። ምኽንያቱ ኣብዚ ውግእ እዚ ገለልተይና ስለ ዘይኮንና።

ብሓደ ሸነኽ ማለት ኣብ ጐድኒ እቶም ግዳያትን እቶም ዚሳቐዩን ምሉእ ሕብረት ኣሎና ።

ኣብ ጐድኒ እቶም 10,000 ቈልዑ እተቐትሉ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ቓዛ ዝሞቱ 22,000 ሰባት ደው ኢልና ኣሎና። ኣብ ጐድኒ እቶም ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ኪቡቲዚም ብጭካነ እተቐትሉ ንጹሃት ደው ኢልና ኣለና።

ምኽንያቱ መስዋእቲ ነፍሲ ወከፍ ህይወት ዘይሓዊ በሰላ ኢዩ። ራኬል ነዚ ተረዲኣቶ እያ። ንሕና እውን ከምኡ።

15 January 2024, 15:33