ድለ

2024.01.18 ንዝኽሪ መበል 200 ዓመት ዕረፍቲ ዲያቆን ካርዲናል ኮንሳልቪ 2024.01.18 ንዝኽሪ መበል 200 ዓመት ዕረፍቲ ዲያቆን ካርዲናል ኮንሳልቪ  

ንዝኽሪ መበል 200 ዓመት ዕረፍቲ ዲያቆን ካርዲናል ኮንሳልቪ

ካብ ዕለት 22 - 24 ጥሪ ዝቕጽል፡ ኣብ ሮማ፡ ተክለ ሰብነት ናይቶም ኣብ መንጎ መበል 18ን 19ን ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ዲያቆን ካርዲናል ኮንሳልቪ ዝተወፈየ ጽዑቕ መደባት ኣማእኪሉ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተወሃበን ካርዲናል ኮንሳልቪ ናይቶም ዘገልገልዎም እርስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ምርዳእ ትብዓትን ክለትን ከም ዝነበሮም ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 24 ጥሪ 1824 ዓ.ም. ዲያቆን ካርዲናል ኤርኮለ ኮንሳልቪ ኣብ ሮማ ከም ዝዓረፉን። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያንን ግዝኣት ቫቲካንን ኣገዳሲ ግደ ዝነበሮም ብሞት ካብ ዝፍለዩ ክልተ ዘመን ዘሕልፉ ዘለዉ ንዝኽሮም ካብ ዕለት 22 ጥሪ ኣትሕኢዙ ብዛዕባ ዝተዳለወ መደብ ዕለት 18 ጥሪ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር፥ ኣቦ መንበር ታሪኻዊ ስነ-ፍልጠት ጳጳሳዊ ሽማግለ ኣባ ማረክ ኣንድረዝች፣ ውርሻታትን ስነ ምርምርን ጉዳይ ናይ ዝከታተል እንግሊዛዊ ተቕዋም  ኣመሓዳሪ ፕሮፈሰር ማውሪሰ ዊተሀድ፡ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፍ በዓል መዚ የኔታ ማርኮ ኣጎስቲኒ ከም ኣተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰለስተ መዓልቲ ፍጻመታት ዝመልአ

ብዕድመ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ፡ ኣብ ሮማ ተቕዋም እንግሊዝን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ልኡከ መግንስቲ ብሓባር ዘዳለውዎ መደብ ኮይኑ እቲ ክሳብ ዕለት 24 ጥሪ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቤተ መዘክር ቫቲካን ናይ ካርዲናል ኮንሳልቪ ስነ መጽናዕትታት ምሁራት ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ መምህር ኣባ ሮበርቶ ረጎሊ ብወከልቲ ተቕዋም እንግሊዝ ኣብ ሮማን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገራት ፈረንሳ ኦስትሪያን ኢጣሊያን ልኡካነ መግንስታት ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፍን ጉዳያት ወጻእን ዝመጹ ኣካላት መደረ ከስምዑ እዮም።፡

ዲያቆን ካርዲናል ኮንሳልቪ

ጋላገር ደጊሞም ኣብቲ ብካርዲናል ኮንሳልቪ ኣብ ድሕሪ ናፖልዮን ዝነበረ ዘመን ማለት ካብ 1814 - 1815 ዓ.ም. ኣብ ዝነበረ ጉባኤ ቪየና ዝነበሮም ልዑል ተራ ኣተኲይሮም፡ ኣብ ታሪኽን ቤተ ክርስቲያንን ዓቢ ግደ ዝነበሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረት ኣብ ምምላስን ግዝኣታት ር.ሊ.ጳጳሳት ምሕዋይን ብናፖልዮን ዝተዘምተ ብዙሕ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስነ ጥበባዊ ንብረትን ንኽምለስ ዝነበሮም ዓብይ ተራ ብሰፊሕ ምስ ገለጹ፡ ቀጺሎም ዲያቆናዊ ካርዲናልነቶም መሰረት ገይሮም ኮንሳልቪ ካህን ይኹን ጳጳስ ኣይነበሩን፡ ንፈለማ ብውልቃዊ ድሌት ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ሻብዓይ ዲያቆን ካርዲናል ተሰምዮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ እንክብሉ እውን ከም ዝሰመይዎም የዘኻኽሩ።

ዘነቓቕሕን ዘተባብዕን ተክለ ሰብነት

ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ባእታታት ካርዲናል ኮንሳልቪ ሎሚ እውን እንተኾነ ጠቓሚ ምዃኑን ንመፍትሒ ናይ ሎሚ ጸገማት ካብ ስብእነቶም ክመጽእ ዝኽእል ምትብባዕ የስምረሉ። ናይቲ እዋን ብድሆታትን ካብ ናይ ሎሚ ዝተፈልየ እውን እንተኾነ እቶም መፍትሒታት "ዝተረሳዓሉ ኣብ ዝመስለሉ" እዋን ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን። ኮንሳልቪ ዘተባብዕን ዘነቓቕሕን ተክለ ሰብነት ዘለዎምን ራእይ ናይቶም ዘገልግልዎም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምርዳእ ትብዓትን ክእለትን ዝነበሮም እዮም። ናይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባት ብቕዓቶም ሕጂ'ውን ኣብ ቅድሚ ናይ ሎሚ ብድሆታት ተራ ዘለዎን፡ ከም ሓደ ናይ እምነት ሰብ ምስ ኩሉ ነገር ኣብ ኣገልግሎት ር.ሊ.ጳጳሳት ኣብ ጽንኩር ናይ ታሪኽ እዋን ዝተፈተኑ በሊሕን መስተውዓልን ምዃኑን ይግልጹ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ተክለ ሰብነት ቅጥዒ

ኣባ ማረክ ኢንግሎት ንገለ ካብቲ ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ ካርዲናል ኮንሳልቪ ኣጕሊሖም፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣገዳሲ ደረጃታት ናይቲ ንሶም "ዓብዪን እተፈላለየ መዳያት ዘለዎን . . . ከምኡ እውን ካብቲ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ መንግስታትን ጽልዋታተንን እተኸፋፈለት ኢጣልያ ሓሊፋ ናብ ፈረንሳ ዓዲ እንግሊዝ ኦስትርያ ከምኡውን ኣመሪካ ዝበጽሕ ካብ ምዃን ሓሊፉ ምትረባት ርክባት ዘደልደሉ እንክብሉ ክገልጽዎም እንከለዉ፡ ኣስዒቦም እዞም ሓላፊ ጳጳሳዊ ሽማግለ ታሪኻዊ ስነ-ፍልጠት፥ ንጹርን ጻዕራምን ህዱእን ሰብ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እምነትን ተወፋይነትን ክሳብ መወዳእታ

ኣብ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ በዓል መዚ የኔታ ማርኮ ኣጎስቲኒ፡ ኣብ ኢጣሊያ ከምኡ’ውን ኣብ ቪየና ንዲያቆን ካርዲናል ኮንሳልቪ ዘማእከሉ ዝተፈላዩ ዓውደ መጽናዕትታት ከም እተወደበ ኣዘኻኺሮም ዲያቆን ካርዲናል ኮንሳልቪ፥ “ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዝነበሮም ፍትሓውን"፣ ክሳብ መወዳእታ ኣገልግሎቶም ንቤተ ክርስቲያን ኣሰር ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ እዩ” እንክብሉ ይገልጽዎም።

19 January 2024, 16:21