ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ነፍሰሄር ብፁዕ ካርዲናል ሰባስቲያኒ ሕያዋይን ንቑሕን ኣገልጋሊ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ነፍሰሄር ብፁዕ ካርዲናል ሰባስቲያኒ ሕያዋይን ንቑሕን ኣገልጋሊ! 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ነፍሰሄር ብፁዕ ካርዲናል ሰባስቲያኒ ሕያዋይን ንቑሕን ኣገልጋሊ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 92 ዓመት ዕድመኦም ዝዓረፉ ካርዲናል ሰባስቲያኒ ምኽንያት ናብ ስድራ ቤት ነፍሰ ሄር ካርዲናል ሰባስቲያኒ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሃዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ “ካርዲናል ሰባስቲያኒ ሕያዋይን ንቑሕን ኣገልጋሊ” እግዚኣብሔር እንክብሉ ይገልጽዎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ርእሰ ሰበካ ፈርሞ "ቀናእተይና ካህን"፡ ካርዲናል ነፍሰ ሄር ሰባስቲያኒ "ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ኣብ ኣገልግሎት ወንጌልን ደሓር ኣብ ቅድስቲ መንበርን ዘገልገሉ ከም ዝኾኑን ፍራንቸስኮ ናብ ስድራ ቤት ነፍስሄር ካርዲናል ሰርጆ ሰባስቲያኒ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ቁጠባ ቤት ጽሕፈት ልሂቅ ኣቦ መንበር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መገልጺ መልኽቲ ተለግራም፥ ቀናእ ኣገልጋሊ ወንጌል እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካርዲናል ሰባስቲያኒ ዕለት 16 ጥሪ ኣብ መበል 92 ዓመት ዕድመኦም ድሕሪ ናይ ቁርብ መዓልታት ጉድለት ጥዕና ከም ዝዓረፉ ኣፍሊጡ።

እዞም ዕለት 11 ሚያዝያ 1931 ዓ.ም. ኣብ ማእከላይ ዞባ ኢጣሊያ ዝተወልዱን ኣብ 2001 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካርዲናል ዝሰመይዎም ስነ ስርዓት ቀብሮም ዕለት 17 ጥሪ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ባዚሊክ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም እተፈጸመ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክባት ኣገዳሲ ተራ ዝነበሮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልኽቲ፥ "ነፍሰ ሄር ካርዲናል ሰባስቲያኒ ኣብ ህይወት ዘመኖም ስለ ዝሃብዎ ምስርክነት አመስግን - ኣብ እዋን ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን፥ ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን ኣገዳሲ ሓላፍነታት ከም ዝነበሮም" ዘኪሮም፡ ቀዳማይ ዋና ጸሓፊ ማእከላይ ሽማግለ ኣሰናዳኢ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል  2000 ዓ.ም. ኣብ ዝነበሮም ተራ "ብፍላይ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ በቲ ቅዱስ ዓመት ምኽንያት ምጻኣት ሳልሳይ ሺሓዊ ዓመት ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ምድላው ምዕራፋት ዘገልገሉ” ከም ዝነበሩ እውን ይዝክሩ።

ኣገልግሎቶም

ሰባስቲያኒ ኣብ 1940 ዓ.ም. ንኡስ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣትዮም ኣብ 1956 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን ትምህርቶም ዛዚሞም ድማ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ኣገልግሎት ከም ዝጀመሩን ኣብ 1960 ዓ.ም. ኣብ ፔሩ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ተመዙ፣ ኣብ 1962 ዓ.ም.ድማ ናብ ብራዚል ኣብ 1966 ዓ.ም. ድማ ናብ ቺለ ከም እተላእኩን ደሓር ናብ ሮማ ተመሊሶም ኣብ 1967 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሐት ዋና ጸሓፊ ትኩእ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ከም እተሰምዩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ 1974 ዓ.ም ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣማኻርን ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ እውን ፍሉይ ዕዮ ከም ዝነበሮምን ዕለት 27 መስከረም 1976 ዓ.ም. ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ተሸይሞም ኣብ ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ተራዳኢ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ደሓር ኣብ ላ ሪዩኒዮንን ደሴታት ኮሞሮስን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብቅድስቲ መንበር ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ናይ ጉስነት ዞባ ምቛም ዝብል ሓላፍነት ተዋሂብዎምን ድሒሩ ድማ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ተባሂሉ ከም ዝቖመ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ካብ ቱርኪ ክሳብ ኢዮቤል

ዕለት 8 ጥሪ 1985 ዓ.ም. ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቱርኪ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ከም እተሾሙን ምስተን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ብፍላይ ድማ ምስ ናይ ቁስጥንጥኒያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ምሕዝነታዊ ዝምድናታት ዘስፉሑን፣ ምስ ማሕበረሰባት ኣይሁድን ኣስላምን እውን ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ዘበገሱን ዕለት 16 ሕዳር 1994 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ቁጠባ ናይ ዝከታተል ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ደሓር ዕለት 3 ሕዳር 1997 ዓ.ም. ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምስ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ካርዲናል ሰባስቲያኒ፡ ብዝሒ ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላት ናብ 239 ከም ዝወረደን ካብኣቶም እቶም 132 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽን ምምራጽን መሰል ዘለዎም  ክኾኑ እንከለዉ እቶም 107 ድማ ዘይመረጽቲ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

17 January 2024, 15:47