ድለ

Il cardinale Pietro Parolin Il cardinale Pietro Parolin 

ካርዲናል ፓሮሊን ፦ ሻቕሎት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ሓፈሻዊ ውግእ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ድሕሪ እቲ ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ኢጣልያ እተገብረ ኣኼባ፣ አብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እቲ ንብምሉኡ ማእከላይ ምብራቕ ከንጸላልዎ ዚኽእል ውግእ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ኸም ዘሻቕላ ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋን ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብተቓወምቲ ሁቲ እተፈጸመ መጥቃዕቲን፣ ኣብ ጋዛ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዓመጻን ከምኡውን ነቲ ኢራን ኣብ ኤርቢል-ዒራቕ አብ ልዕሊ ኩርዲስታን ዘውረደቶ መጥቃዕቲን "ብዓብዪ ሻቕሎት" ይዕዘብዎ ከም ዘለዉ ኣመልኪቶም ።

"ኣንጻርእዚ ኩሉ ስጕምቲ እንተ ደአ ዘይተወሲዱ " እዞም ግጭታት እዚአቶም “ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ክድይቡን ከስፋሕፍሑን” ዝከአል ኢዩ፣ እዚ ድማ ኢዩ እቲ "ብልክዕ ከነወግዶ እንደሊ ዘሎና ጉዳይ " ክብሉ ዘለዎም ሻቕሎት ገሊጾም ።

ካርዲናል ፓሮሊን ዝሓለፈ ረቡዕ ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ ብዛዕባ ካርዲናል ኣኪል ሲልቨስትሪኒ እተወፈየ አብ ላዕለዋይ ባይቶ ኢጣልያ እተገብረ ኣኼባ ነቲ ናይ ቅዱስቲ መንበር ኣመለኻኽታ ንሪፖርተራት ጋዜጠይናታትን ኣካፊሎም።

ብፁዕነቶም አብ መግለጺኦም "እዚ ሓደገኛ እዩ!" ድማ በሉ። "ስምዒታት ኣዝዮም ይጓሃሃሩ አለዉ፣  እቲ ዅነታት ድማ ተኣፋፊ ኢዩ ።... ሓፈሻዊ ግጭት ምእንቲ ኸይባራዕ ኵሉ ሰብ ነቲ ብዘዕባ እቲ ዚህቦ ግብረ መልሲ ጥንቃቐ ክገብር ከም ዝለዎ ንምውሓስ ክንጽዕር አሎና፣" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ

ዝሓለፈ ረቡዕ ንግሆ ኣቐድም ኣቢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ አብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ውግእ እስራኤልን ሓማስን ከይገፍሕን ከየስፋሕፍሕን ዘለዎም ሻቕሎት ገሊጾም ኢዮም።

በቲ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ናይ ዒራቕ ኩርዲስታን ዝዀነት ኤርቢል እሰምየት ከተማ ብዝወረደ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ግዳያት ዝኾኑ ኩሎም ሰላማውያን ሰባት እተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ ኣብ ጐድኖም ደው ከም ዝብሉ ውን ገሊጾም ኢዮም ።

ቅዱስነቶም ወሲኾም ከምዚ በሉ - "ኣብ መንጎ ክልተ ጐረባብቲ ዘሎ ጽቡቕ ርክብ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ዘይኰነስ ብዘተን ምትሕብባርን ኢዩ ዝህነጽ።” ድሕሪ ቢሎም፣ "ኵሉ ሰብ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ካልኦት ክፍልታት ዓለምን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ዘሎ ወጥርን ከጋድድ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ክቑጠብ እሓትት፣" ክብሉ ውን ምሕጽንታ ከም ዘቕረቡ ዝዝከር ኢዩ።

ክልተ ህዝብታት፣ ክልተ መንግስትታት ኢዩ እቲ 'ፍታሕ'

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቶም ሪፖርተራትን ጋዜጠይናታትን አብ ዝሃብዎ መግለጺ ቅድስቲ መንበር  ንእስራኤልን ፍልስጥኤምን ክልተ መንግስታት ዝርብል ኣረኣእያ መፍትሒ ክኽነን ይኽእል ቢላ ከም እትኣምን ገለጹ።

ብፁዕነቶም ከምዚ በሉ - "ንዓና ኽልተ ህዝብን ክልተ ሃገራትን ዝብል ፍታሕ ሕጂ ውን እንኣምነሉ መፍትሔ ኢዩ።” "እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን ኣብ ዘተ ንኽኣትዉ ንምትብባዕ መገዲ ምርካብ ኢዩ።"

ቅድስቲ መንበር ኣብ ዩክረይን እትገብሮም ሰብኣዊ ጻዕርታት

ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም ነቲ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዩክረይን ሰላምን ሰብኣዊ መፍትሔታት ንምርካብ  እትረብሮ ዘላ ጻዕሪ ውን ጠቒሶም ።

"እንተ ወሓደ ኽሳዕ ሕጂ ኣብ ሰብዓዊ ናይ ግብረ- ናይ ጻዕርታት ጥራይ ኢና እንዋሳእ ዘሎና " በሉ ። "ሓደ ኻብቲ ኣብ መድረኽ ሰላም ናይ ዜለንስኪ ዚርከብ ዓሰርተ ነጥብታት ንሰብኣዊ ጕዳያት ዚምልከት እዩ፣ ቅድስቲ መንበር እተተኩረሎም ጻዕርታት ድማ ኣብኣቶም ኢዩ" ድማ በሉ።

ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ፕረዚደንት ዩክረይን ዘለንስኪ ኣብ ዳቮስ ኣብ ዓለምለኻዊ ቝጠባዊ መጋባእያ ኣብ ዝስምዖ መደረ ብዛዕባ እቲ አብ  ላዕለዋይ ዋዕላ ሰላም ዘቅረቦ መሕትት ከምቲ ኣብተን ኣቐዲመን ዝነበራ ሰለስተ ሕታማት (ኣብ ሳውዲ ዓረብ ናይ መወዳእታ) ዝገበሮን ክፍጸም እንተ ተረኹቡ ጥራይ ኢያ ቅድስቲ መንበር ክትሳተፍ እትኽእል ክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመለኽት ።

23 January 2024, 15:19