ድለ

ካርዲናል ግሬች ናይ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ሲኖዶስ ቅዉም ሓሳብን ውጽኢትን የጉልሑ ካርዲናል ግሬች ናይ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ሲኖዶስ ቅዉም ሓሳብን ውጽኢትን የጉልሑ 

ካርዲናል ግሬች ናይ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ሲኖዶስ ቅዉም ሓሳብን ውጽኢትን የጉልሑ

ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ኣብ ዋዕላ ሓድሽ ስብከተ ወንጌል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፊሊፒስ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ሲኖዶስ "ኣብ ተልእኾ ሲኖዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን" ዝረኸብዎ ቀንዲ ውጽኢትን ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ንዝቕጽል ኣኼባን ዘለዎም ተስፋታትን ይምስክሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካርዲናል ግሬች ካብ ዕለት 19 ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ማኒላ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ፊሊፒንስ ጉባኤ ንሓድሽ ስብከተ ወንጌል (PCNE) ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ዝተሳተፉን ናይ ገዛእ ርእሶምን ሓጎስን ዝረኸብዎ ውጽኢትን ሓጉሊሖም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንዝቕጽል ኣኼባ ዘለዎም ተስፋን ይምስክሩ።

ካርዲናል ግሬች ብዛዕባ እቲ ኣብ ፊሊፒንስ ዝፍጸም ዘሎ ሓፈሻዊ መስርሕ ሲኖዶስ ብዛዕባ ዞባዊ ምድላዋትን ተመኩሮታትን ዝያዳ ንምፍላጥ ዘለዎም ተገዳስነት ብምግላጽ፡ ብዛዕባ ሰለስተ መዳያት ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤን ንቤተክርስትያን ኣብ ኤስያ እውን ዘለዎ ኣገዳስነትን እንክመላኽቱ፥ ፈለማ፡ ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይን፡ ካህናትን ዓለማውያን ኣሳቲፉ ዝተኻየደን እቲ ካልኣይ ድማ ብጉጅለ ተመዳዲቦም ኣብ ዘካየድዎ ናይ ዕዮ ኣኼባታት ከም ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ሓደ መኣዲ ተራኺቦም ዘካየድዎ ዘተ ናይ ሲኖዳውነት መስርሕ ዝመስከረ እዩ። ሳልሳይ ድማ፡ ዓለማውያን ምእመናን ሓዊስካ፡ ሰብ ውፉይ ህይወትን፡ ዲያቆናትን ካህናትን፡ ንፈለማ ግዜ ኣብቲ ሲኖዶስ ልክዕ ከም ጳጳሳት ድምጺ ናይ ምሃብ መሰል ዘለዎም ኮይኖም ብማዕረ መሰል ምስታፎም እዩ።

“እቲ ናይ ምስማዕ ተመክሮ እውን ነቲ ናይ ተነጽሎ ስምዒትና ይስዕሮ። ሰባት ግዜን ጻዕርን ወሲዶም ክሰምዑና ኸለዉ፡ እዚ ኸኣ ግምት ከም ዝወሃበና የመላኽት። እዚ ምሕዝነት እውን ይሕብሕብን ምትሕግጋዝ ዝሃንጽን እዩ!

ቀጺሎም ካርዲናል ግሬች ኣብቲ ናይቲ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ጽሙር ሰነድ ኣስተብሂሎም። እቲ ጸብጻብ፡ ናይ ከባብን ዞባታትን ኣብያተ ክርስቲያናት ብኸመይ ምስ መንእሰያት ኣብ ማሕበረሰበን፡ ቅዱሳት ምስጢራዊ ሕይወትን ተልእኾን ጻዕርታት ዝሓሸ ምትእስሳር ከምዘድልን ዘጉልሕ ምዃኑ ኣመልኪቶም። ኣብ ፊሊፒንስ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኤስያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፥ "ኣብቲ ናይ መጀመርታ ክፍለ-ግዜ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ፥ መንእሰያት ዝበለጸ ኣማራጺ ኸም ዝዀነ ገይሩ ዝጠቐሶ ቅዉም ሓሳብ ኣብ ግምት ብምእታው ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ብመሪሕነት መልሲ ክትህብ ከም እትኽእል" ዝዕድም እዩ።  ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ መንእሰያት መብዛሕትኦም ኣብ እስያ እዮም ዝነብሩ።

ካልኣይ ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ  ሲኖዶስ ውጽኢት "ኣውያት ምድርን ኣውያት ድኻታትን ምስማዕ፡ እዚ ድማ ሓደን ተመሳሳልን ኣውያት እዩ" ዝብል ዝቐረበ ጻውዒት ምዃኑ ካርዲናል ግሬች ኣብሪሆም። ነቲ ሲኖዶስ ጽሙር ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብምጥቃስ "ምስ ድኻታት ደው ምባል ንኣኣቶም ኣብ ምሕብሓብ ናይ ሓባር ቤትና ኣብ ምክንኻን ምውፋር የድሊ . . . ነዚ ኣውያት ምላሽ ዘይምሃብ ነቲ ቅልውላው ስነ ምህዳር፡ ለውጢ ከባቢ ኣየር የጋድዶን ንህላወ ሰብኣውነት ሓደጋ እውን ይኸውን።" ኣብዚ መስርሕ እዚ ንቤተክርስትያን ፊሊፒንስ መሪሕ ተራ ክትጻወት ዓዲሙዋ፡ "በዚ መዳይ እዚ ኩላትና ንኣውያት ምድርን ኣውያት ድኻታትን ኣብ ምምላስ ንቕሓትን ምስትውዓልን ክህልወና ሕልናና ተበራብር" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ኣብ መወዳእታ ካርዲናል ግሪች እቲ ኣብ ጽሙር ናይ ፍጻሜ ሰነድ ጐሊሑ ዘሎ ቀንዲ ፍረ ነገር "ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ልዕሊ ዅሉ" ናይ ወንጌል ሓሴት ማለት "ብምስማዕን ቃል ብስራት ብምእዋጅን ዝምንጭው ሓጐስ" እዩ። ነዚ የዘኻኽረና።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዝካየድ ካልኣይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዝምልከት ካርዲናል ግሬች ዝቕጽሉ ኣዋርሕ "ኣብታ ናይ ተልእኾ ሓባራዊ ሓላፍነት መዓልታዊ ተመክሮ ዝኾነላ ቤተ ክርስቲያን ምንባር ከመይ ከም ዝመስል ንኽልቲኡ ርድኢትናን ተመኩሮናን ዘዕምቆሉ እዋን ክኸውን እዩ" ዝብል ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም፡ ከምኡ’ውን ከም ንቡር ክውሰድ ከም ዝኽልን።” ኣብዚ መዳይ እዚ ንኹሎም ምእመናን ዘሳትፍ ተልእኾን ኣገልግሎትን ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ሓባራዊ ሓላፍነታዊ ኣቀራርባ ዝወስድ ግብራዊ ስጉምትታት ምቛምን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ውዕዉዕ ሲኖዳውነት ንምስራጽ፡ ኣብተን ኣብ ከባቢና ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያን ብኸመይ ከም እንርድኦን ከም እንነብሮን ግብራዊ ስጕምትታት ክንወስድ መታን ኣብዚ መዳይ እዚ ክንዓዪ ይግባእ” እንክብሉ ሓሳብ ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

22 January 2024, 14:56