ድለ

ካርዲናል ደ ኣቪዝ፡ ሰብ ውፉህ ህይወት ብሓባር ናብ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ገጾም ይጓዓዙ ካርዲናል ደ ኣቪዝ፡ ሰብ ውፉህ ህይወት ብሓባር ናብ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ገጾም ይጓዓዙ 

ካርዲናል ደ ኣቪዝ፡ ሰብ ውፉህ ህይወት ብሓባር ናብ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ገጾም ይጓዓዙ

ናይ ሰብ ውፉይ ህይወትን ውፉያን ማሕበረሰብ ሓዋርያዊ ህይወትን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ንምድላው ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ዘሳትፍ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቫቲካን ክካየድ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ልዕሊ 60 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 300 ወከልቲ ውፉይ ሕይወትን ውፉያን ማሕበረሰብ ሓዋርያዊ ህይወትን ቅድሚ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ካብ ዕለት 1 ክሳብ 4 ለካቲት ብምርኻብ ነቲ ኣብቲ ቅዱስ ዓመት ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ንሰብ ውፉይ ህይወት ኣባላት መሰናድኦ ክገብሩ ከም ዝኾኑን ንነፍሲ ወከፍ ሃገር በቶም ንጽሕና ሓደ ካብ ዓበይቲ መብጽዓታቶም ዝኾነለን ማሕበራት ዝውክሉ ከም ዝኾኑ ገሊጾም፡ ብሓባር ድማ ሓድሽ ምዕራፍ ናይቲ ናብ ቅዱስ ዓመት ዝወስድ ጉዕዞ ተመኩሮ ህይወትን ተልእኾን ከካፍሉ ንሓድ ሕዶም ክተሓናነጹ እዮም። ብድሕሪኡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ምልክት ዕርቂ ኮይኖም ክቕጽሉ ዝብል ዕማም ሒዞም ነናብ ሃገሮም ክምለሱ እዮም።

ኢዮቤል ንውፉይ ሰብ ሕይወት

ኢዮቤል ንሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ሮማ ካብ ዕለት 8 - 9 ጥቅምቲ 2025 “ፈለስቲ ተስፋ፡ ኣብ መንገዲ ሰላም” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ክካየድ እዩ። ውፉያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ነቲ ዓቢ ኣድላይነት ሰላም፡ ህጹጽነት ዘመንና፡ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብጉዕዞ ኢዮቤል ኣቢሎም፡ ንኹሉ ሰብኣውነት ዳግማይ ልደት ከም ምልክት ናይ ተስፋን ምትእምማንን ሃዋህው ንምፍጣር ዘቕረብዎ ጻውዒት ምላሽ ክህቡ ይደልዩ።

ብሓባር ከምቲ ኣብ ሲኖዶስ ዝነበረ ሲኖዳውነት

"ኣብ መላእ ዓለም ስለ ዘለና ዓመተ እዮቤል 2025 ዓ.ም. ምስ ኵሎም ኣባላት ቤተ - ክርስትያን ሓቢርና ኣብ መላእ ዓለም ብጭቡጥ መገዲ ኽንዳሎ ንደሊ" ናይ ሰብ ውፉይ ህይወትን ውፉያን ማሕበረሰብ ሓዋርያዊ ህይወትን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ዥዋው ብራዝ ደ ኣቪዝ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥ “እዚ ኣኼባ እዚ፡ ንሓሙሽተ ኣህጉራት ኣብ ሓደ ዘራኽብ ተኸታታሊ ፍጻመታት ዘለዎ ክኸውን እዩ” ኢሎም።

ሓድሽ ቅዲ

ብኻልእ ኣዘራርባ ንሰብ ውፉይ ህይወት ምስ ሲኖዶስ ዘሳንይ እዩ፥ "ስለዚ ሲኖዳውነት ንዓመተ ኢዮቤል ዘዳልው ሓድሽ ቅዲ እዩ፡ ንቤተክርስትያን ኣዝዩ ኣገዳሲ ህሞት እዩ፡ ናብ ተመኩሮ ኣምላኽ ዘቕርበና" ክብሉ ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝ ነቲ ናይ ሓባር ድሌት ኣጉሊሖም፡ ናይ ኩሎም ውፉያት ሰባት ነዚ ፍጻመ "ብግቡእ" ንምድላውን ዝሕግዝ እዩ።

"ምስቲ ዘሎ ብዙሕ ጸገማ ህይወትና እንሕድሰሉ ኣብ ናይ ተሓድሶ ህሞት ኢና እንነብር ዘሎና፡ እዚ ሓቂ ኢዩ ኣብቲ ንኽርስቶስ ናይ ምስዓብ ህይወትና ብዙሕ ለውጥታት እውን ኣሎ ። ንሕና ውህበት ቤተ-ክርስትያን ክንከውን ንደሊ ኢና፡ ምስ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ንቤተ ክርስቲያንን ክንነብር ኣሎና፡ ኣዚ እቶም ብተኸታታሊ ዝካየዱ ዓውደ ኣኼባታት ዘመላኽቶ ቅዉም ሓሳብ ክኸውን እዩ” ኢሎም።

እቲ መደብ

መደብ ናይቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ኣኼባ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ርእሰ ጉዳይ ዘተኮረ ኮይኑ፥ ኣብ ተስፋ ምእማን ዕለት 1 ለካቲት፤ ኣብ ምግባረ ሰናይ ምዕባይ ዕለት 2 ለካቲት፤ ምስ ሓይሊ እምነት ዕለት 3 ለካቲት፤ ተስፋ ምስክርነት ድማ ናይ ዕለት 4 ለካቲት መርሕ ሓሳብ እዩ። ኣብዚ ርክብ ድማ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣባ ፓውሊን ባታይርዋ ኩቡያን ናይ ኩለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ እናቴ ኣሌሳንድራ ስሜርሊ ዝርከብዎም ናይ ኩርያ ሮማና ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ልኡካን ክሳተፉ እዮም” ይብሉ።

ብሓባር ምጉዓዝ

“ኣብዚ ህሞት እዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እትገብሮ ኩሉ ጉዕዞን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቕድሚት ዘስጉምዎ ዘለዉን መንገዲ ለውጢ ዝስዕብ እዩ፣ ማለት ብሓባር ምጉዓዝ ዝብል ሓድሽ ቅዲ እዩ፣ እዚ ኸኣ ቤተ-ክርስትያን በዚ መገዲ እዚ ዝኸወን ምዃኑ ብምትእምማን ብሓባር እንመላለሰሉ ሓድሽ ኣገባብ ኢዩ። ኩላትና ብሓባር ክውንነት ቤተ ክርስቲያን ንፈጥር፣ ኩሉ በቢ ጸዋዕታኡ ስድራ ቤት ኣብ ምዃን ንዝነብሮ ህይወት”።

. . . እዚ ቅዲ ኣብዚ ካብ መጠን ንላዕሊ ውልቃዊ መንፈሳውነት ኣብ ዝቕልቀለሉ ዘሎ እዋን" ክንመሃሮ ይግብኣና። እዚ የድልየና እዩ፣ ናይ ሎሚ ምልክት ርክብ ምዃን” ዝብል ኣምራዊ ተግባር ዝገልጽ እዩ።

“ኣብቲ ብኣኦም ዝምራሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እውን እንተኾነ ድሕሪ ቀዳማይ ኣኼባ ሲኖዶስ ብኡንብኡ ኣብ መንጎና ተሓባበርትን ኩሎም ኣብኡ ዝሰርሑ ኣስታት 40 ሰባትን ዘሎና ህይወት ኮይኑ ኣሎ። ኣካል ናይቲ ካልእ ኢኻ፡ ምስቲ ካልእ ትውስን፡ ምስቲ ካልእ ትኸይድ’ ዝብል ሓሳብ ሒዝና ንሰርሕ ኣሎና። ብናተይ ኣረኣእያ እዚ ሓባራዊ ጉዕዞ እዚ ኣብ መጻኢ ብዙሕ ፍረ ክህልዎ እዩ።"

ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰብ ውፉይ ሰብ ሕይወት ዕለት 2 ለካቲት።

እቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ መደብ እውን ቤተ ክርስቲያን ዕለት 2 ለካቲት ዓለም ለኸ መዓልቲ ውፉይ ሕይወት ኣብ እተብዕለሉ እዋን እዩ ዝፍጸም። ከም ልምዲ ኣብታ ዕለት እቲኣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም . . . ። ብመሰረት እቲ ር.ሊ.ጳ. ባዕሎም ዘነጸሩልና ክብርታት ፣ ማለት ህይወት ብውግኣትን ሕማማትን ኣብ ዝተበላሸወሉ እዋን 'ፈለስቲ ተስፋ' ንምዃን ብሓባር ንዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ክንዳለው ኢና።”

“ሓደ ክርስትያን በቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ጽቡቕ ባህሪ ተስፋ ካብቲ ሕጂ ዘሎ ጸገማት ክወጽእ ይኽእል እዩ። "ኣብ ማሕበረሰባትናን ኣብ መላእ ዓለምን ሰላም ክህሉ ብዝብል ባህጊ ንቅዱስ ዓመት ናይ ምድላው ድሌት እውን ኣሎ" ክብሉ ብፁዕ ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

31 January 2024, 14:57