ድለ

ካርዲናል ችዘርኒ፡ 'ሓድሽ ሰብኣዊ ቁጠባ የድልየናዩ' ካርዲናል ችዘርኒ፡ 'ሓድሽ ሰብኣዊ ቁጠባ የድልየናዩ'  (Michael Bodin / Erzbistum Paderborn)

ካርዲናል ችዘርኒ፡ 'ሓድሽ ሰብኣዊ ቁጠባ የድልየናዩ'

ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ኣከን ጀርመን “ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ” እትገልጽ መጽሓፍ ንንባብ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ ካቶሊካዊ ራእይ ምዕባለ ደቂ ሰባትን ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ዘለዎ ተዛማድነትን ዘርኢ መጽሓፍ ምዃኑ የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንሰብኣዊ ክብርን ሰብኣዊ መሰላትን ንዝገበርዎ ዘይሕለል ተወፋይነት ኣፍልጦ ብምሃብ ስልማት ክላውስ ሄመርለ 2024 ዓ.ም. ብቑዕ ተባሂሎም ዝተሓረዩ ናይ ውሁድ ኩለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማይክል ችዘንይ ነቲ ስልማት ንክቕበሉ ዕለት 26 ጥሪ ናብ ጀርመን ከም ዝኸዱን፡ እዚ ስልማት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ብካቶሊክዊ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ኣብ ጀርመን፡ ኦስትሪያን ስዊዘርላንድን፡ ከም ሃነጽቲ ድልድላት ብሉጽ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ብፍሉይ መንገዲ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ሃይማኖታትን ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዓለምን ዘተ ንዘስፍሑን ተወፋይነቶም ኣፍልጦ ብምሃብ ብሉጻት ተባሂሎም ንዝሕረዩ ዝውሃብ ክኸውን እንከሎ ኣብ 2004 ዓ.ም. ንዝኽሪ ናይቲ ዘተ ንምድንፋዕ ህይወቱ ዘወፈየን ንመስራቲ ካቶሊክዊ ምንቅስቓስ ኪያራ ሉቢኽ ዘነቓቕሑን ነፍስሄር ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ናይ ሰበኻ ኣከን ጳጳስ ክላውስ ሄመርለ (1929 - 1994 ዓ.ም.) ክብርን ተወፋይነቶም ኣፍልጦ ብምሃብ ዝተበገሰ ብስሞም ዝጽዋዕ ስልማት ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ቅድሚ እቲ ኣብ ካቴድራል ኣከን ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ስልማት፡ ዕለት 27 ጥሪ ንግሆ ካርዲናል ችዘርኒ ""ኩላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና - ምልክት ዘመን: ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ" ዘርእስታ መጽሓፍ ንንባብ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ምልክት ‘Popolorum Progressio’

ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ተቛም ዶርትሙንድ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ፡ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብቲ ብዛዕባ ምዕባለ ህዝብታት ዝገልጽ ተፈላጢ ዝኾነ ሕዝባዊ ምዓብለ ዘእስቱ ዓዋዲ መልኽቲ ናብቲ “ዘይንጽል ምሉእ ውሁድ ኩለተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ” ዝብል ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዘብጸሐ” ምዃኑ ብምሕባር እዚ ናይታ ዓዋዲት መልኽእቲ ካቶሊካዊ ራእይ ኣብቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ትህርቲ ቤተ ክርስቲያን ይግለጽ።

ጳውሎስ ሻድሻይ “ዘይንጽል ሰብኣዊ ምዕባለ” ዝብል ኣምር ብምትእትታው “ነቲ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ጥራይ ዘተኮረ ዓብላሊ ልምዓታዊ ረባሕታ ይብድህዎ፡ ሓቀይና ምዕባለ “ምዕባለ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ናይ ምሉእ ሰብን” ዘዕቢ ምዃኑ ድማ የብርሁ።

ብመሰረት እዚ ኣረኣእያ እዚ ካርዲናል ችዘርኒ ይብሉ “ኵሉ ሰብ ንማሕበረሰብ ብሓፈሻ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ ንጥቕሚ ዅሎም ዝኸውን ገለ ኣበርክቶ ከይገብር ዝንጸል ዋላ ሓደ የለን . . . ኩሉ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል ዝብል ኣምር ከም ዘብርሁን ልዕሊ ዅሉ ድማ ህዝባዊ ምዕባለ ዘርእስቱ ዓዋዲት መልእኽት ጳውሎስ ሻድሻይ "ናይ ሓቂ ዕቤት ብተነጽሎ ኽብጻሕ ኣይከኣልን ኢዩ፡ የግዳስ ኣብ ትሕቲ እቲ ንሓድነትን ሰላምን ንኽብሪ ሰብኣዊ ምኽባርን ዝድግፍ ፍትሓውን ሚዛናውን ሕብረተሰብ እዩ ዝብጻሕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ፍራንቸስኮ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ኣብ ዘይነጻጸል ሰብኣዊ ምዕባለ ዝተሰረተ

ር.ሊ.ጳ. ዝህብዎ ማሕበረሰብኣዊ ኣስተምህሮ፡ ኣብዚ ናይ ውሁድ ምሉእ ኩልነተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝብል ኣምር ብዕምቆት ዝተሰረተ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለምና ኣብ ዘጋጥማ ብዙሓት ጉዳያት ኣረኣእያን መምርሕን ዝህበና ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ፍራንቸስኮ ኣብ ወንጌላዊ ሓሴት ናይ 2013 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ዓውሎማነት ነቲ ንክውንነት ብቑጠባዊ ኣረኣእያ ጥራይ ዝዕቅንን ዘመሓድርን ውልቀ ምልኪ ምዕባለ ዕደ ጥበባዊ መኽሰብ ማእከል ዝገበረ ረባሕታ ይነቅፉ፣ እዚ ድማ ናብቲ “ጓሓፋይ / ከም ውዳቕ ዝሓስብ ባህሊ” እንክብሉ ናብ ዝገልጽዎ ኩነታት ዝመርሕ ብምዃኑ እዩ። እቶም ዝተገለሉ ዝምዝመዙ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ጓሓፍ ዝረኣይሉ ብምዃኑ እዩ።

ኣብታ ስቡሕ ኣንተ ዘርእስታ ናይ 2015 ዓ.ም. "ዕዳጋ ንባዕሉ ንዘይነጻጸል ምዕባለ ወዲ ሰብን ማሕበራዊ ሓቋፍነትን ውሕስነት ክህብ ኣይክእልን" ብምባል ነቲ "ውልቀ ምልኪ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ረባሕታ" ይቃወሙ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስቱ ናይ 2020 ዓ.ም. ዓዋዲ መልእኽቶም ዝያዳ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽ፡ እቲ “ጓሓፋይ/ከም ውዳቕ ዝሓስብ ባህሊ” ብዓሚቝ ስምዒታት ምሕዝነትን ሕውነትን ብዝምራሕን “ባህሊ ርክብ” ክቕየር ከም ዘለዎ ይምዕዱ።

ኣንፈት ምቕያር የድሊ

ኣብ ቅድሚ ናይ ሎሚ ዓለማዊ ብድሆታት፡ በቲ ሕጂ ዘሎ ናይ መጻዪ ቁጠባዊ ቅጥዒ ተጋዲዱ ምህላዉን ነዚ መሰረት ብምግባር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ህጹጽ ኣድላይነት “ኣንፈት ምቕያርን - ካብ መኽሰብ ናብ ምዕባለ ካብ ቍጠባዊ ዕቤት ናብ ዘላቕነት ካብ ነገራውነት ናብ ሰብኣዊ ክብረት" ዘሰጋግር ሓድሽ ሰብኣዊ ቁጠባዊ ኣተሓሳስባ” ክንቅበል ይዕድሙና ኣለዉ።

“ኩላትና ኣብ ሞያውን ማሕበራውን ተራና ኣብ ምቕራጽ ነቲ ተኣፋፊ ከባቢና ክንከላኸልን ንዝተበታተኑ ማሕበረሰባትና ከሐይል ዝኽእል ሓድሽ ስነ-መጐት መሰረት ወሳኒ ተራ ንጻወት” ቢሎም፥ “ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ እዚ ኣበርክቶ ክትገብር ፈጺማ ኣይትድከም ዘይንጽል ምዕባለ እቲ ሰብኣዊ ስድራቤት ክኽተሎ ዝተጸውዐ መንገዲ ሰናይ ምዃኑ ኣስተውዒላ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 January 2024, 15:13