ድለ

ካርዲናል ችዘርኒ ኣብ ቤኒን ንሓዋርያዊ ዑደት ካርዲናል ችዘርኒ ኣብ ቤኒን ንሓዋርያዊ ዑደት 

ካርዲናል ችዘርኒ ኣብ ቤኒን ንሓዋርያዊ ዑደት

ካርዲናል ማይክል ችዘርኒ ክሳብ ዕለት 20 ጥሪ ዝቕጽል ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ቤኒን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዕለት 17 ጥሪ ከም ዝጀመሩን ኣብ ኮቶኑ ኣብ ዝርከብ ንጽጉማትን ካብ ርሑቕ ዞባታት ሃገረ በኒን ንዝመጹ ህሙማን ብትሑት ክፍሊት ኣገልግሎት ሕክምና ዘረጋግጽ ቤት ሕክምና ቅዱስ ዮሓንስ ዘእግዚኣብሔር ክበጽሑ ምዃኖም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኩለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሚካኤል ቸዘርኒ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 140 ዓመት ስብከተ ወንጌል ኣብ ኮንጎ፡ ከም ወኪል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኮይኖም ናብታ ብኮንጎ-ብራዛቪል እትፍለጥ ሪፓብሊክ ኮንጎ ምብጻሕ ኣካይዶም ከም ነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ቤት ሕክምና ቅዱስ ዮሓንስ ዘእግዚኣብሔር፥ ብቑ ክንክን ብዘላቒ ወጻኢታት

ኣፍሪቃ ኣብ ማእከል ናይ ካርዲናል ቺዘርንይ ንጥፈታት ከም ዝኾነትን፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ኣብ ከተማ ኮቶኑ ኣብ ዘካይድዎ ዑደት ናብቲ ንመኽሰብ ኣብ ዘይሰርሕ ቤት ሕክምና ቅዱስ ዮሓንስ ዘእግዚኣብሔር ከም ዝበጽሑን እቲ ቤት ሕክምና ኣብ 1963 ብገዳማውያን ኣሓት ቅዱስ ዮሴፍ ዘልዮን ዝተመሰረተ ኮይኑ እተን ደናግል ካብቲ ቦታ ካብ ዘግዓዛሉ 1986 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ዓለማውያን ምእመናን ዘሎን ብሊቀ ጳጳሳት ናይ ሰበኻ ኮቶኑ ብዝተመዘዙ ካህናት ዋና ኣመሓዳርነት ዝምራሕ ኮይኑ ሎሚ ኣብታ ሃገር ዓቢይ ተፈላጥነት ዘለዎ ኣብ ሴሆው 43 ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት ዝሽፍን ኮይኑ፡ ነቶም ትሑት እቶት ዘለዎም ወይ ካብ ከተማ ርሒቖም ንዝነብሩ ብትሑት ክፍሊት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝህብ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዘተ ምስ ጳጳሳትን ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌልን ኣብ ዛዕባ ስነ ምህዳር

ከም ኣካል ናይቲ ካርዲናል ቺዘርንይ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ዑደት፡ ንብድሆታት ጳጳሳት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ቶጎን ጳጳሳት ቤኒንን ንምፍታሕ ዝዓመተ ክልተ ናይ ዕዮ ኣኼባታት ከካይዱ እዮም።

ብተወሳኺ ካርዲናል ቺዘርንይ ምስ ኤጲስቆጶሳዊ ማሕበራዊ ሽማግለታት ኣብ ከባቢኦም ኣብ ማሕበራዊ ዓውዲ ዝሰርሑ ልኡካነ ወንጌልን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ክሳተፉ እዮም።

ዕለት 19 ጥሪ ካርዲናል ቺዘርንይ ኣብ ኮቶኑ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ልዕሊ ሓሙሽተ ሺሕ ምመናን ክሳትፉ ትጽቢት ዝግበረሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ እዮም።

ብዛዕባ ስነ-ህይወት ብዝምልከት ብዘካይድዎ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዓውደ ዘተ ኣብ በኒን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ክዛዝሙ ከም ዝኾኑን እዚ ድማ ቤኒን ካብተን ንምብራስ ኣግራብን ድርቅን ዝያዳ ዝተቓልዓ ሃገራት ምዃና ኣብ ግምት ዘእተወ ኣገዳሲ ርክብ ኮይኑ እዚ ቅልውላው ስነ ምህዳር ብግዲኡ ኣብ መንጎ ጓሶትን ሓረስቶትን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ግጭትን ምስሕሓብን ዘለዓዕል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኤውሮጳዊ ሓገዝ ንሰብኣዊ ልምዓትን ጸጥታን

ብዓይኒ ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ቤኒን ንህላወ ጅሃዳውያን ምልሻታት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ግብረ መልሲ ኣብ ምሃብ እትርከብ እያ። ከምቲ ኣፍሪካ ኤክስፕረስ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ከም ዘመላኽቶ፥ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከብ መስርዕ መሃንድሳት ሰራዊት ኣመሪካ፡ ኣብቲ ኣኽረርቲ ዝተፈላለየ ስርሒት ዓመጽን ሽበራን ኣብ ዝፍጽምሉ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ርሑቕ ከባቢ ህንጸት ንምብርታዕ መሳለጥያ ጀላቡን ገለ ውጥናት ንሰብኣዊ ሓገዝን፡ ብፍላይ ድማ ምሕዳስን ሕንጸት ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት ጥዕናን ሓላፍነት ወሲዱ ይዓዪ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንኮቶኑ ልዕሊ 255 ሚልዮን ኤውሮ “ንዘላቒ ደቒቕ-ቁጠባ” ዝውዕል ሓገዝ ከም ዝሃበን፣ ብቐንዱ ኣብ ሰለስተ ምዕራፋት ሜላ ማለት ሰብኣዊ ምዕባለ፣ ሓምላይ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ እደ ጥብባዊ ምዕባለን ውሑስ ሕብረተሰብን ዘተኮረ ምዃኑ ይሕብር።

18 January 2024, 16:07