ድለ

2024.01.23 Maria Leonia Paradis 2024.01.23 Maria Leonia Paradis 

ር. ሊ. ጳ. ንናይ እናቴ ሜሪ ሊዮንያ ፓራዲስ ካናዳዊት ድንግል ሰነድ ኣዋጅ ቅድስና ኣጽዲቖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብኣማላድነት እታ ካናዳዊት ዝኾነት ብጹዕቲ ሜሪ ሊዮንያ ፓራዲስ እተፈጸመ ተኣምር፣ ንኣዋጅ ቅድስና ዝበቀዕ መገዲ ኸም ዝኸፈተላ ኣፍልጦ ሂቦም። ሰማእትነትን ጅግንነትን ናይ ሓሙሽተ ካልኦት ሰብኡትን ኣንስትን እውን ኣፍልጦ ሂቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንማሕበር ንኡሳን ኣሓት ቅድስቲ ስድራ ዝመስረተት ብፅዕቲ እናቴ ሜሪ ሊዮንያ ፓራዲስ ዝተሰየት ካናዳዊት ድንግል ብኣማላድነታ እቲ ንኣዋጅ ቅድስና ዝበቕዕ ተኣምር ከም እተፈጸመ ዝሕብር ሰነድ ኣጽዲቖም ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሰማእትነት ሓደ ፖላንዳዊ ካህን ሚኻው ራፓች ከምኡውን ብዛዕባ ጅግንነት ካልኦት ኣርባዕተ ውልቀ-ሰባት ዝገልጽ ሰንድ ገድሊ ሰማእትነት ውን ኣጽዲቖም።

ንኻህናት ንምድጋፍ እተወፈየት ህይወት

እናቴ ሜሪ ሊዮንያ ፓራዲስ ብ11 መስከረም 1984 ኣብ ሞንትሪያል ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብፅዕናኣ ተአወጀ፣ ብ1986 ኣብ ሳን-ዣን-ሱር-ሪሸሌ ኲበክ ንሓንቲ ውልዶ ሕጻን ካብ "ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ናይ ቅድመ ወሊድ ኣስፊክስያ እተሰምየ ሕማም፣ ናይ ብዙሓት ህዋሳት ምድስካልን ከምኡ ውን ካብ ናይ ኣእምሮ ሕማምን " ከም ዘሕወየት ብቕባል፣ ንኣዋጅ ቅድስና ዘብጽሕ ተኣምራት ክኸውን ኣጽዲቖሞ።

እዛ ካናዳዊት ብፅዕቲ ፈላሲት ብ12 ግንቦት 1840 ኣብ ላካዲ ካናዳ ተወልደት። ጓል 13 ዓመት ምስ ኰነት ናብቲ ኣብ ዘቤታዊ ኣገልግሎት "ካህናት ቅዱስ መስቀል" ኰነ ኣብ ትምህርቲ መንእሰያት ዝነጥፋን እተወፋያን ማርያማዊ ማሕበር ኣሓት ደናግል ዘቅዱስ መስቀል ኣተወት።

ቅድሚ ብ1880 ነቲ ብፍሉይ ብመንፈሳዊ ተውህቦ ንኣገልግሎት ኣባይቲ ሰብ ውፉይ ህይወትን፡ ተቕዋማትን፡ ዘርኣ ክህነት ዝተወፈየ ማሕበር “ንኡሳን ኣሓት ዘቅድስት ስድራ” ምምስራታ፣ ኣብ ካናዳ ፈረንሳይ ከምኡውን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ እተፈላለየ ኣባይቲ ትነብር ነበረት ። ኣብ መወዳእታ እቲ ዝመስረተቶ ማሕበር ኣብ ኢጣልያን ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ከምኡውን ሆንዱራስን ገዳማት ብምቛም ካብ ካናዳ ወጻኢ ኣስፋሕፍሐ።

እናቴ ሜሪ ሊዮንያ ብ3 ግንቦት 1912 ኣብ ሸርብሩክ ኲበክ ኣብ መበል 72 ዓመት ዕድሚኣ ናብ ሰማያዊ ቤት ተሰጋገረት ።

ኣብ ዴሳዊ ሥርዓት ፖላንድ ሰማእትነት

ኣባ ሚኻው ራፓች ብ14 መስከረም 1904 ኣብ ተንቺን ፖላንድ እዩ ተወሊዱ ። ብ1926 ናብ ዘርኣ ክህነት ክራኮቭ ኣተወ፣ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ከኣ ናብ መዓርገ ክህነት ደየበ ።

ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ፖላንድ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሶቭየት ስታሊን ስርዓት ዴሳውነት ተመስረተ፣ ንቤተ-ክርስትያን ከኣ ከቢድ ጸቕጢ ኺወርዳ ጀመረ።

ብ11 ግንቦት 1946 ለይቲ እተወሰኑ ዕጡቓት ሰባት በቲ ኣባ ሚካው ዝገበሮ ዝነበረ ጕስነታዊ ኣገልግሎት ተቘጢዖም፣ ናብቲ ኣብ ፕሉኪ ዚርከብ ቁምስናኡ ብምእታው ጨውዮም ወሰድዎ፣ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ዱር ውን ቀተልዎ።

ህይወት ክርስቲያናዊ ጅግንነት

ብተወሳኺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ካልኦት  ኣርባዕተ ብሉጻት ክርስቲያን ዘርኣይዎ ጅግንነት ብምግንዛብ፣ ኣርባዕተ ኻልእ ሰነዳት ውን ኣጽደቑ ፣ እዚኣቶም ኸኣ ገድሊ ሰማዕትነት ኣቡን ጉረግ ሆቫንስ ዞራብያንን፡ ናይ ሓው ጂያንፍራንኮ ማሪያ ኪቲን፡ ናይ ኣባ ሳባስቲያን ጊሊ ቪቨ ከምኡውን ናይ እናቴ ማዳሌና ዘቅድቲ ተሬዛ ዘኢየሱስ ህጽን ኢዮም።

ብ1881 ካብ ሓንቲ ኣብ ቱርኪ እትርከብ ኣርመንያዊት ስድራቤት እተወልደ ኣቡነ ዞራቢያን ህይወቱ ነቶም ግዳያት ጃምላዊ ቕትለት ኣርመንያ ንምግልጋል ተወፈየ ። ኣብ ቱርኪ ተኣሲሩን ብኸቢድ ተጋፍዐን ኣብ መወዳእታ ድማ ንሞት ተፈርደ፣ ደሓር ግና ካብ ህገሩ ተባሪሩ ፈለማ ኣብ ግሪኽ ደሓር ከኣ ኣብ ሶርያ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ሮማ ይነብር ነበረ፣ ኣባኡ ድማ ብ1972 ናብ ሰማያዊ ቤት ተሳገረ ።

ሓው ጃንፍራንኮ ማሪያ ኪቲ ዚበሃል ኢጣልያዊ ወተሃደር ጸኒሑ ግና ናብ ውፉይ ህይወት ብምእታው ብመብጽዓ እተወፈየ፣ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ንኣይሁዳውያንን ጸረ-ፋሽስታዊ ሥርዓትን ዝነበሩ ሰባት ንምሕጋዝ ብዛዕባ ዘሕለፎ ናይ ፈተናን ሓደጋን ህይወት ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተፈላጥነት ረኸበ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ኣባ ሰባስትያን ጊሊ ቪቨስ ዝተባህለ ስጳኛዊ ካህን ንድኻታት ብፍላይ ከኣ ንቘልዑን ህጻናትን ህይወቱ ብምውፋይን፣ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብምድጋፉን ዝፍለጥ ዝነበረ፣ ገድሊ ህይወቱ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ተፈላጥነጥ ተዋህቦ ።

ኣብ መወዳእታ እታ ኣብ መበል 27 ዓመት ዕድሚኣ ናብ ሰማያዊ ቤት ዝተሳገረት፣ እናቴ ማዳሌና ዘኢየሱስ ሕጻን፣ እታ ነዚ ሓጺር ህይወታ ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ኣብ ምጽላይ ዝወፈየት ውን ገድሊ ምስክርነታ ኣጽዲቖም ።

25 January 2024, 15:52