ድለ

"ብሓባር ምዕባይ"፡ ኣንግሊካውያንን ካቶሊካውያንን ጳጳሳት ኣብ ኤቁመናዊ ፍጻመ "ብሓባር ምዕባይ"፡ ኣንግሊካውያንን ካቶሊካውያንን ጳጳሳት ኣብ ኤቁመናዊ ፍጻመ  (Vatican Media)

"ብሓባር ምዕባይ"፡ ኣንግሊካውያንን ካቶሊካውያንን ጳጳሳት ኣብ ኤቁመናዊ ፍጻመ

ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 29 ጥሪ፡ ብምኽንያት ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስቲያን፡ ካብ 27 ሃገራት ዝመጹ 50 ጳጳሳት ኣብ ሮማን ካንተርበርይን ኤቁመናዊ ጸሎትን ንግደትን ከካይዱ እዮም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሊቀ ጳጳስ ዌልቢን ነቶም ጳጳሳት ናይ ሓባር ተልእኾን ምስክርነትን ክመርሑ ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ ክርስትያናዊ ሓድነት ንምርካብ ዝጽለየሉ ቅነ ካብ ትውፊታት ኣንግሊካዊትን ካቶኪካዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝመጹ ኣቡናት ብሓባር ንኽዓብዩ ክእከቡ ኢዮም፡ እዚ ድማ ካብ  ዕለት 22 - 29 ጥሪ 2024 ኣብ ሮማን ካንተርበሪን ናይ ሓደ ሰሙን ብዘካይድዎ ናይ ሓባር ዘተን ንግደትን ዝነብርዎ ህሞት ሓድነት ቤተክርስቲያን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንዓለም ዝውክል

እቶም ጳጳሳት ብጽምዲ - ኣንግሊካውያንን ካቶሊካውያንን - ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ዝተፈላለያ ሃገራት ወኪሎም ዝመጹ ኮይኖም፡ ካብ 27 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 50 ጳጳሳት ከም ዝኾኑን ኣብ ቅዱሳት ቦታታት ሮማን ካንተርበርይን ብምብጻሕ፡ ብሓባርን ነንሓድሕዶም ክጽልዩ፡ ከስተንትኑ እዮም። እቲ ቀንዲ ዕላማ ድማ ኣብ ዓለም ኣብ ምስክርነትን ተልእኾን ብሓባር ዝዓብዩሉ መንገድታት ንምልላይ ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ትርጉም ዘለዎ ህሞት

ዕለት 25 ጥሪ ኣብ መቓብር ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መዕጸዊ ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስቲያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምኡውን ሊቀ-ጳጳሳት ካንተርበሪ ነቶም ኣቡናት ናይ ክርስትያናዊ ሓድነት መሰኻኽር ምእንቲ ክዀኑ ጻውዒት ከቕርቡ እዮም። እዚ ንማእሰር ኣንግሊካንን ካቶሊክን ኣገዳሲ ምሳልያዊ ህሞት ከም ዝኸውንን ኤቁመናዊ ዘተ ንምድንፋዕን ንምስጓምን ኣሚቱ ዝቖመ ናይ ኣንግሊካዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዓለም ሓቆፍ ሽማግለ ንሓድነትን ተልኾን ዘሰናደዎ መደብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እቲ መደብ

ኣብ ርእሲ እቲ ዕለት 25 ጥሪ ዘሎ ቆጸራ፡ እቶም ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ በርጠለዎስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጃስቲን ወልባይ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክህሉ ከም ዝኾነን ክልተ መዓልቲ ኣቐዲሙ ዕለት 23 ጥሪ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ንግደት ክካየድ ከም ዝኾኑን ዕለት 26 ጥሪ ኸኣ ናብታ ኣብ 597 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ጎርጎሪዮስ ዓብዪ ናይ መጀመርታ ናብ ዓዲ እንግሊዝ እተላእኩ ሊቀ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ሮማ ዝነቐሉላ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጎርጎሪዮስ ዘቸሊዮ ንግደት ክፍጽሙ ከም ዝኾኑን ዕለት 28 ጥሪ ኣብ ካንተርበሪ እቶም ኣቡናት ኣብቲ ሊቀ ጳጳሳት ሆንግ ኮንግ ካርዲናል ስቲቨን ቻው ስብከት ዘስምዕሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሓብሩ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 January 2024, 15:03