ድለ

ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ናይ ግብረ ሰናይ ውጥናት የቕርብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ናይ ግብረ ሰናይ ውጥናት የቕርብ 

ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ናይ ግብረ ሰናይ ውጥናት የቕርብ

ኣብ ሮማ ንዝመጽእ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ምድላዋት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንስደተይናታትን እሱራትን ንምሕጋዝ ዝዓለመ ክልተ ሓደስቲ ናይ ግብረ ሰናይ ውጥናት ከም ዘዳለወ ዜና ቫቲካን ካብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝወጸ መገልጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም.  ልዕሊ 30 ሚልዮን መንፈሳውያን ነጋዶ ናብ ሮማ ክመጹ ትጽቢት ይግበር።

ድሮ ኣብታ ከተማ ምድላዋት ይካየድ ከም ዘሎን፣ ብቐጥታ ካብ ኣብያተ ጽሕፈት ቫቲካን ኒውስ ወጻኢ ሓዊሱ ሓድሽ ንመገዲ ኣጋር ቦታ ይህነጽ ከም ዘሎን ኣብ ማእከል እዚ ኩሉ፡ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኢዮቤል ዝኸውን ናይ ገዛእ ርእሱ ገለ ምድላዋት የሳልጥ ምህላዉን፡ እዚ ድማ ንስደተይናታትን እሱራትን ንምሕጋዝ ዝዓለመ ክልተ ናይ ግብረ ሰናይ ውጥናት ዝምልከት እዩ።

እቶም ውጥናት

ካብዞም ውጥናት ግብረ ሰናይ እቲ ቀዳማይ “ጸሎተ መቝጸርያ ባሕሪ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኮይኑ፡ ምስ ቤተ መንፈስ ቅዱስን ማሕበር ስነጥበብን ብምትሕብባር ዝዳሎ ዘሎ ክኸውን እንከሎ፡ ስደተይናታት ድሕረ ባይታ ዘለዎም ክልተ ውልቀሰባት ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዕንጸይቲ ናይተን ስደተይናታት ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ዝጥቀሙለን ጀላቡ ዝስራህ መቑጸርያ ይዳለው ምህላዉን ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ምስራሕ እዚ መቑጸርያ ኣብ መላእ ኢጣልያ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማሕቡስ ዝተኣስሩ ውልቀሰባት ይሳተፉ ከም ዘለዉን፡ እቲ ካልኣይ ውጥን ምስቲ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ካልኣይ ዕድል ምስ እተሰምየ ብምትሕብባር ንሱራትን ነበር እሱራትን ዕድላት ስራሕ ንምሃብ ዝሰርሕ እዩ።

ሓደ እሱር ቤት ማሕቡስ ሮማ ረቢብያ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ ባዚሊካ ከም ክኢላ ሓይሊ ጸዓት መብራህቲ ኮይኑ ምሉእ ግዜ ተቖጺሩ ክሰርሕ እንከሎ፡ ኣብ ቪተርቦ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ማማጃላ ዝርከቡ እሱራት ድማ ቦርሳታት ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን መግለጺ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ጠቒሱ የመላኽት።

ጋዜጣዊ መግለጺ

ትማሊ ሰሉስ ዕለት 5 ታሕሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ጋምቤቲ ሊቀ ካህናት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መንጎ ዝመጽእ ኢዮቤልን ሓድሽ ውጥናት ግብረ ሰናይ ባዚሊካን ዘሎ ርክብ ከም ዝሓበሩን ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ህዝቢ ኣይሁድ ካብ ባርነት ግብጺ ዝሃደመሉ እዋን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓምሳ ዓመት ኢዮቤል ክካየድ ከም ዝነበሮ ገሊጾም። ኣብ ጥንቲ፡ ኢዮቤል ንባሮት ሓራ ምውጻእን ዕዳ ምሕዳግን መሬት ከም ብሓድሽ ምእንቲ ክዓይሉን ክሓርሱን ምግዳፍን ዝብል ከም ዘጠቓልል ኣስተብሃሎም።

እዚ ተግባራት’ዚ፡ እንክብሉ ካርዲናል ጋምቤቲ ቀጺሎም – ከምቲ ሓደስቲ ማሕበራዊ ውጥናት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ – መንፈስ ምትሕግጋዝን ንኹሉ ሰብ ካልኣይ ዕድል ናይ ምሃብ ሕልምን ምስፋሕ ዝብል እዩ።

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መስረትቲ ማሕበር "ካልኣይ ዕድል”ን "ቤት መንፈስ ቅዱስን ማሕበር ስነጥበብን"ን ዝኾኑ ፍላቭያ ፊሊፒን ኣርኖልዶ ሞንዳዶሪን፡ ከምኡ'ውን ሓላፊ ክፍሊ ምምሕዳር ኣባይቲ ማሕቡስ ኢጣልያ ጆቫኒ ሩሶ እውን ከም እተሳተፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ክልቲኦም ፊሊፒን ሩሶን ኣብ መንጎ ቅዱስ ጴጥሮስን ማሕበር ካልኣይ ዕድልን ዘሎ ሽርክነት ክቕጽል ሓሳብ ኣቕሪቦም፣ ሩሶ ድማ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓደ ክኢላ ሓይሊ ጸዓት መብራህቲ ናይ ስራሕ ዕድል ምሃብ “ቀዳማይ ስጉምቲ” ዝያዳን ቀጻልን ምትሕብባር ምህላዉ ዘረጋግጽ እዩ እንክብሉ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበሩ ኣፍሊጡ።

08 December 2023, 14:22