ድለ

Pope Francis attends a prayer service during Synod of Bishops at the Vatican Pope Francis attends a prayer service during Synod of Bishops at the Vatican 

ንሲኖዶስ 2024 ንምስንዳው፦ ናብ ሲኖዳዊትን ልእኽትን ቤተ-ክርስትያን

ብፁዓን ካርዲናላት ግሬችን ሆለሪኽን እቲ ንዓመታ ክካየድ አብ መደብ ታሒዙ ዘሎ ኻልኣይን ናይ መወዳእታን ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳስት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብዛዕባ እቲ ዚቕጽል መደባት መስርሕ ሲኖዶስ ንምግላጽ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዚርከቡ ጳጳስት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣብ ዝቕጽል ጥቅምቲ 2024 ዝካየድ ካልአይን ናይ መወዳእታ ክፍል ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዶውነት ንዝገበሮ ዕዮ ይሰናዶ ኣሎ ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ኣብያተ-ክርስትያን ተወሳኺ ምኽሪ ንምድንፋዕን፣ ንዓመታ አብ ዝኻየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝቐርብ ሓሳባት ንምድላውን፣ ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 2023 እተሓትመ ጽማሬ ጸብጻብ ከስተንትናኦ ጻውዒት ይግበረሎም አሎ ።

አብ መላዕ ዓለም ዘለዉ ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ካብ ብፁዓን ካርዲናላት ማሪዮ ግሬች (ዋና ጸሓዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳትን) ከምኡውን ካብ ዣን-ክሎይድ ሆለሪኽ (ጠቕላሊ ኣፈ-ጉባኤ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስን) እተጻሕፍት መልኽትን ካብ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ሓፈሻዊ መምርሒ ዝሓዘ ሰነድን ተቐቢሎም ይርከቡ አለዉ።

እታ ኣርባዕተ ገጽ ዘለዋ መልእኽቲ ብቐዳምነት ንኣገዳስነት ናይቲ እቶም ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ እተኻየደ ናይ ቀዳመይ ክፋል ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ እተሳተፉ ሰባት ዘሕለፍዎ ተመክሮ እንክትገልጽ - "እቲ ተመኵሮኦም ብቃል ክግለጽ ዘይከአል ክፍሊ ናይቲ እተቐበልናዮ ውህበት ኢዩ፣ ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ ክገልጾ ዘይክእል ተመክሮ ድማ ኢዩ ዝነበረ።"

ስለዚ እዚ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "እዚ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ደአ እምበር ካልእ ቴማ የብሉን " ብምባል ንዘመልከትዎ ቁምነገር ኣብ ግምት ብምእታው ብእተወሰነ ደረጃታት ዕዮኡ ክቕጽል ኢዩ ።

ክንመያየጠሉ ዘሎና ጕዳያት

እቲ ናብ ጳጳሳት እተለእከ ሰነድ ብዛዕባ እቶም ኽሳዕ ሕጂ እተላእሉ ፍሉያት ኣርእስትታት እንክገልጽ፣  ገሊኣቶም ኣብ ደረጃ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ከምኡውን ምስ ላዕለዎት ኣባይተ ጽሕፈታት ቅድስሪ መንበር ብምትሕብባር ገለ አተኵሮ ክወሃቦም ከም ዘድሊ ይገልጽ።

ንኣብነት ነቲ ሕጊ ቐኖና ናይ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ቤተክርስቲያንን ከምኡውን ንናይ ምብራቓዊ ሥርዓት እትኽተል ቤተ-ክርስትያን ሕጊ ቀኖናን ንምሕዳስ ዝብል ሓሳብ አብ ግምት ብምእታው እተገብረ ናይ መጀመርታ መጽናዕቲ ዘጠቓልል ውን ኢዩ ። ከምኡ ውን ናይቲ ብዛዕባ ሥነ-መዕበያ ክህነታዊ ጸዋዕታ ዘምም ሰነድን፣ ብዛዕባ እቲ አብ መንጐ ካቶሊካውያን ጳጳሳትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ዘሎ ጥቡቕ ርክብን ዝምድና ዝዝቲ ሰነድን፣ ወይ ውን ንስነ-መለኮታዊን ጉስነታውን መጽናዕትታት ብዛዕባ መዓርገ ዲቁና ንምዕሟቅን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ንደቂ-አንስትዮ መዓርገ ዲቁና ምሃብ ንዝብሉ ሓሳባት ውን ዘጠቓልል ኢዩ ።

ዝርዝር እዚ ኣርእስትታት እዚ ከም ፍረ ናይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኰይኑ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክቐርብ ኢዩ። ካብ ኵለን ኣህጉራት ዝመጹ ጕጅለ ክኢላታትን ከምኡውን ምስቶም ዝምልከቶም ላዕለዎም ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ብምዃንን ብምትሕብባር ምስ ዋና ጸሓፊ ብሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስን ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘመልከቱሎም ጕዳያት ብደረጃ ሲኖዶስ ክዓዩ ክሕተቱ ኢዮም ። ጸብጻብ ብዛዕባ ዕማማት ናይዚ ተልእኾ እዚ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኪቐርብ እዩ ።

ቤተ-ክርስትያን ብኸመይ ሲኖዳዊትን ልእኽትን ከም እትኸውን ምትኳር

ኣብ ዝቕጽል ወርሒ አብ ዝግበር ዘተታት ነቲ "ነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ሰብን ነፍሲ ወከፍ ቤተ-ክርስትያንን ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ዓለም፣ አብ ወንጌል ናይ ምስባኽ ተልእኾ ፍሉይ ኣበርክቶ ንምግባር" ቤተክርስቲያን ኽትስዕቦ እትኽእል መገድታትን ዝሕግዙ መጋበሪታትን ንምልላይ ኣብ ተልእኾ ወንጌል ከመይ ገይራ ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን ክትከውን ከም እትኽእል ኣብ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ዘተኰረ ክኸውን ኢዩ ።

ስለዚ ከምቲ እቲ ሰነድ ዘነጽሮ፣ እቲ መስርሕ "ንመዋቕርት ቤተ-ክርስትያን ዝያዳ ስሉጥ ንምግባር ኣብ ዝግበር ሜላ ወይ ኣሰራርሓ ምምሕያሽ ጥራይ እተሓጽረ" ክኸውን የብሉን፣ ኣብ ክንድኡስ "ነቲ ኣብ መንጎ ሓድነትን ፍሉይነትን ዘሎ ደራኺ ሓይሊ ቤተክርስቲያን ዝገልጽን ናይቲ እተጸዋዕናሉ መጸዋዕታ ጭቡጥ መዓቕናት ተልእኾን ተጸምዶን ዘንጸባርቕ" ክኸውን ኣለዎ።

ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ናብ ጳጳሳት ዝተላእከ ሰነድ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ካብ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሃዋርያዊ ማዕዳ 'ሃሴት ወንጌል' ቍጽሪ 27 ይጥቅስ፣ እዚ ድማ ናይ ቅዱስነቶም መሪሕ ሓሳብ ጵጵስናኦም እንክኸውን እቲ ጥቕሲ ኸምዚ ይብል - "ናይ ሚስዮናውያን ኣማራጺ ማለት ልምድታት ናይ ቤተ-ክርስትያን፣ ተገባራታ እትፍጸመሎም መንገድታትን፣ ሰዓታታን መደባታን፣ ቋንቋታታን ከምኡውን መዋቕራታ ንገዛእ ርእሳ ንምዕቃብ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ወንጌል ንምስባኽ ብቑዕ መትረብ ምእንቲ ኽህልዋ ንዅሉ ጐድንታታ ናይ ምሕዳስ ክእለት ዘለዋ፣ ተልእኾአዊ ድራኸ ዘለዋ ቤተክርስቲያን ኢየ ዝሓልም ።” ይብል። ተሓድሶ መዋቕራት ቤተክርስቲያን ጉስነታዊ ተሓድሶ ዝሓትት ኢዩ፣  በዚ መዳይ እዚ ጥራይ ኢና ከአ ኽንርድኦ እንኽእል፣ እዚ ኸኣ ኣብ ተልእኾ ዘተኰሩ መዋቕራት ንምስርሕ አብ ዚግበር ጻዕሪ እዩ ዝግለጽ።"

ክልተ ደረጃታት

ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ መምርሒታት እዛ መሪሕ ሕቶ እዚአ ኣብ ክልተ ደረጃ ከፋፊልካ ክትርአ ኣለዋ፣ አብዚ መዳይ እዚ ድማ "ወትሩ እቲ ጽማሬ ጸብጻብ ብምሉኡ ሓፈሻዊ መወከሲ ነጥቢ ኢዩ፣" ይብል።

እቲ ሕቶ ብቀዳምነት አብ ደረጃ ነፍስ ወከፍ ኣከባቢያዊት ቤተክርስቲያን እንክኸውን - ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ተልእኾ ዅሎም ኣባላት ህዝቢ ኣምላኽ ንኹሎም አካልት "ዘተሓባብር" መንገድታት ከመሓይሻ ዝኽእላሉ መንገዲ ብኸመይ ኢየን?  ምስዚ ተልእኾ እዚ ብዝተተሓሓዘ ብዛዕባ መዋቕርን፣ መስርሕ ሜመያን፣ ውሳኔ ናይ ምውሳትድ መስርሓትን ምስ ተልእኾ ብምዝማድ እንተ ተራእዩ፣ ነቲ ሓላፍነት ንምቕራጽን ንምድንፋዕን ብኸመይ ከም ዘኽእሎ፣ ነዚ ሓላፍነት እዚ ብዝሓሸ መገዲ ንምግላጽ ከመይ ዝበሉ ኣገልግሎታትን ተሳትፎ ዘለዎም ኣካላትን ክሕደሱ ወይ ክተኣታተዉ ይኽእሉ ዝብል ሓሳባት ዘጠቓለለ ኢዩ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስትያንን ጳጳስ ሮሜን ዘሎ ርክብ ዝምልከት ከአ ብካልኣይ ደረጃ "ኣብ መንጎ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ብሓፈሻን ከምኡ ውን እቲ ኣከባቢያዊ ሰራውራን ብርቱዕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ" ንምርካብ ነዚ ብኸመይ ከም እትገልጾ ሕቶ ከቅርብ ኢዩ።

ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ዋና ጸሓፊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ንነፍሲ ወከፍ ኣከባቢያዊት ቤተ-ክርስትያን ተወሳኺ ምኽሪ ኽትህብ ጻውዒት ኣቕሪቦም ይርከቡ ።

ካብ ባዶ ዘይምጅማር

ይኹን እምበር እቲ ሰነድ ከም ዝገለጾ እዚ ዕዮ እዚ ካብ ባዶ ስለዘይ ጅምር ነቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ካብ 2021-2023 እተገብረ መስርሕ ምስማዕን ምምኽኻርን ከም እንደገና ዘጠቓልል ኣይኰነን።

ኣብዚ ሓድሽ ደረጃ እዚ ኣብ ርእሲ እቲ ድሮ ዝቘመ ተሳተፍቲ አካላት ብደረጃ ሰብኻን ሲኖዳዊ  ጕጅለን እተፈላለየ ተመክሮታትን ክእለትን ውህበታትን ኣገልግሎታትን ዘለዎም ካብ መንጐ ህዝቢ ኣምላኽን ከምኡ ውን ኣረኣእያኦም ኣብቲ 'ብከመይ' ዝብል ንምትኳር ዝሕግዙ ብምዃኖም ዝግልጹ ሰባትን ጕጅለታትን ምስታፍ ኣገዳሲ ኢዩ።  ገለ ኻብዚኣቶም ድማ ሊቃውንቲ ስነ-መለኮት ምሁራት ሕገ-ቀኖናን  ከምኡ ውን ኣብቲ ኸባቢ ካብ ዝርከቡ ተቅዋማት ትምህርትን ክኾኑ ዝከአል ኢዩ።

ኣበርክቶታቶም ኣብ 15 ግንቦት 2024 ኪቐርብ እዩ

እቲ ናይ ሰበኻታትን ኤጳርቅናታትን ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳትን ከምኡ ውን ናይ ምስራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያንን አበርክቶታት ድሕሪ ምእካብ ክሳብ 15 ግንቦት 2024 ዘሎ ግዜ ናብ ዋና ጸሓፊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ክለኣኽ ዘለዎ ካብ 8 ገጻት ዘይበዝሕ ጽማቝ ሓሳባት ናይ ምድላው ሓላፍነት ክወሃቦ ኢዩ ።

ብመሰረት እቲ በዚ ኸምዚ እተኣከበ ጽሑፍ፣ እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ዕማም ስራሕ ሰነድ ክሰናዱ ኢዩ ።

ነቲ ናይ ሲኖዶስ ምንቅስቓስ ህያው ምግባር

ነፍስ ወከፍ ኣከባቢያዊት ቤተክርስትያን ንብምሉኡ እቲ ናይ ጽማሬ ጸብጻብ ክምርምራን፣ ከምኡውን ንዘለውዎ ኩነታት ዘንጸባርቕ ንጹር ሕቶታት ክእክባ መሕትት ቀሪቡለን አሎ ። እዚ ኸኣ ንብምሉኦም ህዝቢ ኣምላኽ (ንኣብነት ናይ ሥነ-መዕበያ ንጥፈታት፣ ናይ ሥነ-መለኮታዊ ዓሚቝ መጽናዕቲ፣ ሥርዓተ አምልኾ ብመልክዕ ሲኖዳውነት፣ አብ ደረጃ ተራ ምእመናን ወሪድካ ዘተታት ምክያድ፣ ኣብ ደረጃ እቶም ውሑዳንን ትሑታትን ክፍልታት ሕብረተሰብ ወሪድካ ጽን ምባል፣ ነቶም አብ ድኽነት ዝነብሩ ዘለውን ዝተነጸሉ ክፍልታት ሕብረተሰብን ዝኸውን ቦታ ኣብ ምፍጣር . . .ወዘተ) ግቡእ ተበግሶታት ንኸተባብዑ ዝመክር ኢዩ።

ነፍሲ ወከፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ከተካይድ እትደሊ ኣከባቢያዊት ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ዘካየደቶ ዕዮ ሓጺር ምስክርነት ክትህብ ትኽእል ኢያ ፣ ነቲ ዝረኸበሮ ተመክሮታት ንምክፋል ድማ ናብቲ ክፍሉ ዝኾት ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት (ካብ ኽልተ ገጻት ዘይበዝሕ) ጸብጻብ ክትልእል ትኽእል ኢያ፣ በዚ ከምዚ ድማ ንዕቤት ናይ ተልእኾኣዊ ሲኖዳውነት ኣገዳሲ ይኸውን ኢዩ ዝበለቶ ጽቡቕ ተመኵሮ ኸተካፍል ትኽእል ኢያ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ናብ ንቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ዝተላእከ ሰነድ፣ ጳጳሳት ነዚ መስርሕ እዚ ኸሰንይዎን፣ ብዛዕባ እታ መሪሕ ሕቶ ዓሚቝ መጽናዕቲ ኽገብሩን፣ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ እተቐበልዎ ኣበርክቶታት ጽማሬ ሓሳባት ከዳልዉን ክሳዕ 15 ግንቦት 2024 አብ ዘሎ ግዜ ከኣ እንደገና ናብ ዋና ጸሓፊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ክሰድድዎ ሕቶ አቕሪቡሎም ይርከብ አሎ።

ብዛዕባ እቲ ነዚ ሲኖዳዊ ምንቅስቓስ ህያው ንምግባር እተገብረ ተጸምዶ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ነቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሲኖዳውን ተልእኾኣውን ገጻት ዘተባብዕ ተበግሶታት ክሰርሑሉን ነቲ ብሰበኻታትን ኤጳርቅናታትን ዝቐረበ ምስክርነትን ጽቡቕ ልምድታትን ምእካብን ከምኡውን ነዚ ዅሉ ብሓንሳብ ናብ ዋና ጸሓፊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ክሰድዎ መዝነት ተዋሂብዎም ኣሎ።

14 December 2023, 17:20