ድለ

2023.11.30 ስልማት ራትዚንገር፥ ፓሮሊን ሕድሪ በነዲክቶስ መበል 16 ንቤተ ክርስቲያን ጸጋ እዩ 2023.11.30 ስልማት ራትዚንገር፥ ፓሮሊን ሕድሪ በነዲክቶስ መበል 16 ንቤተ ክርስቲያን ጸጋ እዩ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ስልማት ራትዚንገር፥ ፓሮሊን ሕድሪ በነዲክቶስ መበል 16 ንቤተ ክርስቲያን ጸጋ እዩ

እቲ ብናይ ራትዚንገር ማሕበር በቢ ዓመቱ ዝውደብ ራትዚንገር እተሰምየ ስልማት፡ ለምዘበን ናይ 2023 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ነቶም ብቑዓት ኮይኖን ንዝተሓረዩ ንናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ፓብሎ ብላንኮ ሳርቶን ፈላስፋ ፍራንቸስኮ ቶራልባን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝተካየደ ዓውደ ርክብ ነቲ ስልማት ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካንቭ

"ዋላ'ኳ ኩሉ ግዜ ብትሕትናን ጻዕርን ጽንዓትን እንተኾነ፡ በቲ ክልተ ኣኽናፍ ማለት ብናይ እምነትን ኣመክንዮን እናበረርካ ምንቅስቓስ" ዝብል ኣተሓሳስባ እቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝሓደጉልና ውርሻ፡ "ህያውን ኣብ መጻኢ መንገዲ ቤተ ክርስቲያን ፍረ” ከም ዝህልዎ ካርዲናል ፓሮሊኒ ገሊጾም። ሽልማት ራትዚንገር 2023 ዓ.ም. ድሕሪ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ዝተኻየደ ቀዳማይ ሕታም እውን ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ በነዲክቶስ መበል 16 “ጓሳን መምህርን እምነት” ከምኡ’ውን “ብሩህን ተባዕን ኣብነት ዘተ” እንክብሉ ፓሮኒን ገሊጾ፡ ናይ ስልጣናዊ ትምህርቶም መለለዪ ሓደ “ንቕሕ ምስትውዓል ባህላውን መንፈሳውን ኩነታት ዓለም፣ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ኣብ መንጎ ሰብን ​​ፍጥረትን ዘሎ ውጥረትን” ዝብል እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቀጻልነት ምስ ፍራንቸስኮ

መርሕ ርእሰ ጉዳያትን  ጸገማትን ኣብ ምርዳእ በነዲክቶስ መበል 16 ዓብይ ኣበርክቶን ዓሚቝ ኣመክንዮታትን ምዕባለታቱን ኣብቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣብ ሓቅን  ኣብ ዘርስቱ ዓዋዲ መልኽቶም ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስቡሕ ኣንተን ከምኡ እውን ኩላትና ኣሕዋትን ኣብ ዘርስተንዓዋድያን መልኽትታት ጽልዋን ጽኑዕ ቀጻልነት ከም ዘለዎ እውን ይስትውዓል። ኣብ ምግጣም ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ራትዚንገር ከም ናይ ዓንቀጸ እምንት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተን ደሓር እውን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝወሰድዎ ጽኑዕ ስጉምትታት ገሊጾም{ "ንቤተክርስትያን ኣብ መንገድታት ምስማዕ፡ ፍትሕን ጽንዓትን፡ ምልዋጥን ምክልኻልን ብምቕናዕ፡ ብናይ ቀረባ ስቓይ፡ ግን ከኣ ብትሑት ኣኽብሮት ግዳያትን ንሓቅን መሰረት ገይሮም ከም ዝመርሑን” ነቲ ኣገዳሲ "ብስርዓትን ብንጹርነትን" ተመልኪቶም፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ድሓር እውን እቲ ብፍቓዶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ይኣኽለኒ ምባሎም ንባልዕሉ ምልክት "ንጹርን ርትዓውን ራእይ ናይቲ ኩነታት፡ ናይ ሓላፍነት ኣብ ምትግባር ምሕደራን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰባትን ዝድነቕ ትሕትና" እዩ እንክብሉ ፓሮሊን ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብላንኮ ሳርቶ፡ ናይ ሞዛርት ሙዚቃ ቲዮሎጊያ ሰሚዐ

ካብ 211 ዓ,ም. ጀሚሩ በብዓመቱ ብተመሳሳሊ ስም ብናይ ቫቲካን ማሕበር ራትዚንገር "ኣብ ሕትመትን/ወይ ሳይንሳዊ ምርምርን ፍሉይ ብቕዓት ንዘርኣዩ ንዝተፈልዩ ምሁራት" ዝወሃብ ስልማት ራትዚንገር 2023፡ ብቑዓት ተባሂሎም ዝተሓረዩ ተወላዲ ስፐይን  ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ፓብሎ ብላንኮ ሳርቶን ፈላስፋ ፍራንቸስክ ቶራልባ ሮዘሎን ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብቲ ናይ ስልማት ስነ ስርዓት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ካርዲናል ሉዊስ ላዳርያ ልሂቅ ህየንተ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብታ ብ2011 ዝተጻሕፈት ናይ ራትዚንገርስ ስነ መለኮት ዘርእስታ ዓባይ መጽሓፍ ዘኪሮም፥ "ዛዕባ ጽባቔን ሊጡርጊያን ቤተ ክርስቲያንን ሰብን እምነትን ፍቕርን ኣገልግሎትን ማርያምን ኢየሱስ ክርስቶስን” ክትርዳእ ዝድግፍም ምዃኑ ሓቢሮም። ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ተሰላሚ ፕሮፈሰር ብላንኮ ሳርቶ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 መጽናዕትታትን ጽሑፋትን ኣምራትን ብዕምቆት ዘጽንዑ እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ራትዚንገር ንሙዚቃ ምስ ዝነበሮም ፍቕሪ ኣተሓሒዞም ድማ - ንራትዚንገር ናይ ቲዮሎጊያ ሞዛርት እክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቶራልባ ሮዘሎ: ንኣምር ምኽንያት ኣስፊሕዎ።

ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ባህሊ ልሂቅ ህየንተ ካርዲናል ጃንፍራኖ ራቫዚ እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ስልማት ራትዚንገር ካብ ቲዮሎጊያ ናብ ስነ ጥበብ፣ ሕጊ፣ ስነ ማሕበረሰብን ፍልስፍናን ስፍሓቱ ክብ ከም ዘበለን፣ እዚ ኩሉ መዳያት ብናይ ራትዚንገር ኣተሓሳስባ ዝድህስስ እዩ። እቲ ንፈላስፋ ፍራንቸስክ ቶራልባ ሮሰሎ ኣብ ከተማ ባርቸሎና ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ራሞን ሉል መምህር ፕሮፌሰር ዝወሃብ ስልማት በዚ መንጽር እዚ ክንርድኦ ይግባእ። ራትዚንገር ንኣምር ዘመናዊ ምኽንያት ከም ዘስፍሑ እቶም ተዓዋቲ ስልማት "መዐቀኒን ናይቲ ስልማት ክቡር ዋጋን መግለጺ ዝኾነ የረጋግጽዎ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሎምባርዲ፡ ሓቂ ክንደሊን ክንረኽቦን ምሂሩና።

“ጆሴፍ ራትዚንገር ናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓተ ኣተሓሳስባ ክሃንጽ ወይ ናይ ገዛእ ርእሶም ቤት ትምህርቲ ክምስርቱ ሓሲቦም ኣይፈልጡን፣ እንተኾነ ግን ንሓቂ ብሓይሊ ምኽንያትን ብርሃን እምነትን ክንደሊን ክንረኽቦን፣ ኩሉ ግዜ ምኽንያት ‘ክፉት’ ብምግባር፣ ኣብ መንጎ ሰባት ዘተ ክህሉ ዝመሃሩ ምዃኖም ናይ ጳጳሳዊ ማሕበር ራትዚንገር ኣቦ መንበር ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፥ “ኣብ ከምዚ እንነብረሉ ዘለና መዓታዊ እዋን - ይብሉ ኣባ ሎምባርዲ - ኣብ መሰረታቶም ኣብ ፈተና ዝኣትዉ ክብሪ ናይቲ ሰብን ትርጉም ህይወቱን ኣብ ዓለም ምህላዉን እዮም” በዚ መንጽር ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ራትዚንገር “ብዛዕባ ተኽእሎታትን ሓደጋታትን ጉዕዞ ደቂ ሰባት፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ንድሕነታ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነይሮም። ብትሕትናን ብትብዓትን ኣብ ዝዓሞቐ ደረጃ ክንኣቱ፡ ጽኑዕን መተካእታ ዘይብሎምን ናይ ሓባር መወከሲ ነጥብታት ክንረክብን ዳግማይ ክንረኽቦን ይመርሑና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንግሆ ጸሎት ኣብቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝዓረፍሉን ርክብ ምስ ፍራንቸስኮን

ሎምባርዲ ኣስዒቦም ቅድሚ እቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት ዝተኻየደ ኣኼባታት እውን እንክዝክሩ ዕለት 30 ሕዳር ንግሆ ኣብቲ ትሕቲ መሬት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መቓብር ስፍራ ኣብ ዘሎ ናይ በነዲክቶስ መቓብር ስፍራ ዝተኻየደ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓትን ከምኡ እውን ናይ 2023 ዓ.ም. ንስልማት ራትዚገር ብቑዓት ተባሂሎም ዝተሓረዩ መሪሖም ምስ ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተኻየደ ርክብ ዕለት 29 ሕዳር ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ "ውርሻ/ሕድሪ በነዲክቶስ መበል 16" ብዝብል ኣርስቲ ዝተመርሐ ዓውደ መጽናዕቲ ምክያዱን እዚ ዓውደ መጽናዕቲ እዚ ኣብ ዝመጽእ ጽድያ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኢንዲያና ኣብ መንበረ ጥበብ ኖትረ ዳመ ክቕጽል ምዃኑን እዚ መንበረ ጥበብ እዚ እውን ብዛዕባ ስነ ራትዚንገር ኣብ ዝግበር መጽናዕቲ ሓደ ካብቶም ምስ ማሕበር ራትዚንገር ዝተሓባበር ክኸውን እዩ እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣፍሊጦም።

01 December 2023, 15:02