ድለ

መበል 75 ዓመት ቅዋመ ውሳነ ሰብኣዊ መሰላት: ሓልዮት ጎረባብትናን መሬትን መበል 75 ዓመት ቅዋመ ውሳነ ሰብኣዊ መሰላት: ሓልዮት ጎረባብትናን መሬትን 

መበል 75 ዓመት ቅዋመ ውሳነ ሰብኣዊ መሰላት: ሓልዮት ጎረባብትናን መሬትን

ቅዋመ ዝኽሪ ድንጋገ ኵላዊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንምዝካር ኣብ ከተማ ጀነቫ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣኼባ ምክያዱን፥ እቲ ዓውደ ኣኼባ ከም ኣካል ናይቲ “ኩላዊ ሰብኣዊ መሰላትን ኩላዊ ሓላፍነትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ከም ዝነበረን ምስ እዚ ብምትሕሓዝ እውን ዛዕባ ቅልውላው ከባቢ ኣየር ዝምልከት “Laudate Deum - ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር” ዘርእስቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘማእከለ ዘተ ምክያዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ተበግሶ ኣብ ወድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋም ተዓዛቢ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዳለወን “Caritas in Veritate - ፍቕሪ ብሓቂ” እተሰምየ ጳጳሳዊ ትካል፣ ቀዋሚ ልኡኽ ልኡላዊ ስርዓት ማልታ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዓለም ለኸ ካቶሊካዊ ሽማግለ፡ ጉይዳያት ስደትን ኣብ ጀነቭ ጉባኤ ካቶሊክን ብኻልኦት ዘይመግንስታውያን ውድባት ዝተደገፈን ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መሰል ህይወት ኣብ ኩሉ ደረጃታት ምክልኻል

ኣካያዲ ናይቲ ዕለት 8 ታሕሳስ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝከታተል ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝርከብ ውድብ ሊቀ ጳጳስት ኤቶረ ባሌስትረሮ ከም ዝነበሩን “ኣብ ክብሪ እቲ ብኣምላኽ እተፈጥረ ሰብ” ከም ዘሎ ባጽንዖት ብምዝኽካር፡ ስለዚ ድማ እዩ መሰል ህይወት ኣብ ኩሉ ምዕራፋት ክሕሎ ዘለዎ፣ “ብፍላይ ህይወት ኣዝዩ ተቓላዓይ ኣብ ዝኾነሉ እዋን: ኣብ ሕማም ወይ ድኻም፣ ኣብ ውግኣትን ግጭታትን፣ ኣብ ናይ ስራሕን ኣብ ብዙሕ መገድታት ዓለምናን፣ ሰባት ግጭታት ኣብ ዝገጥምሉን፡ ይብሉ ሊቀ ጳጳሳት ባሌስትረሮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝለገስዎ “ስቡሕ ኣንተ” ዘርእስቱ ዛዕባ ናይ ሓባር ቤትና ዝንክጀት ዓዋዲት መልእኽቲ ጠቒሶም ፡ ነቲ "ንህይወት ሰባት ዝጸሉ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ገዛና ዝፍጸም መጥቃዕትታት" ንምውጋድ፡ ዘቕረብዎ "ንጹር ጻውዒት" ኣብ ግብሪ ምውዓል መፍትሒ ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ልዕሊ ሓደስቲ ወለዶታት ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ሓላፍነት

ናይ ውሁድ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት ኣናቴ ኣሌሳንድራ ስሚሪሊ “Laudate Deum - ሰብሕዊ ለእግዚኣብሔር” ዘርእስታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ምዕዳን  መሰረት ገይረን፡ “ኣብ መንጎ ሓልዮት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ መንጎ ሓልዮት ንምድሪን ዘሎ ዓሚቝን ቀጥታውን ምትእስሳር” ከም ዘመላኸታን። ክልቲኡ ህይወት ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት ምዃኑ ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ እተመስረተ እዩ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዛዕባ እቲ "ነቶም ሓደስቲ ወለዶታት እንታይ ዓይነት ዓለም ከም እንሓድገሎም ስነ-ምግባራዊ ሓላፍነት ከም ዘሎና" ከዘኻኽራ እንከለዋ፡

ኣብ መንጎ ክንክንን ስራሕን ዘሎ ምትእስሳር

ኣህጉራዊ ውድብ ጉዳያት ዕዮ ዋና ሓላፊ (ILO) ጂልበርት ሆንግቦ፡ ዛዕባ ስራሕ ኣብ ዝተመያየጠ ክፋል ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ስራሕ ንዝህሉ ሸነኽ ክንክን ኣስሚሮም "ስራሕ ብዘይ ሓልዮት ክሕንጸጽ ከሎ፡ ንህላወ መጻኢ ወለዶታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ክብሪ ስራሕ ዘየኽብርን'ዩ" እንክብሉ ኣጠንቂቖም። ብኣንጻሩ ብሓልዮት ዝልለ ስራሕ “ምሉእ ሰብኣዊ ክብሪ ንምምላስ”ን “ንመጻኢ ወለዶታት ዘላቒ መጻኢ” ንምርግጋጽን ኣበርክቶ ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣለዎ ከም ዝመበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ዝፍለጠሉ መጻኢ

ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ብዛዕባ ተርእዮ ስደት ኣብ ዝምልከት ነጥቢ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምይይጥ ብሓላፊት ዛዕባ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ኣህጉራዊ ውድብ ዋና ሓላፊት ኤሚይ ፖፕ እውን ብወገነን ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፥ ሃገራዊ መምርሕታት ብዙሓት ሃገራት ንስደተኛታት ከም “ትሑትን”፣ “ማዕረ ካልኦት ሰባት ከም ዘይኮኑ” ጌሮም ከም ዝሓስብዎም ገሊጸን፣ እዚ ድማ ድምጽን መሰልን ከም ዘይብሎም ተገይሮም ንኸመሓድርዎም ስለ ዝፍትኑ እዮም። ስለዚ “ንመሰል ናይ... ስደተተይናታት “ከምኡ’ውን ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ እንኮላይ ስደተይናታት፡ መበቆሉን ደረጅኡን ብዘየገድስ፡ ክብሩን ሰናይ ሂወቱን ውሕስነትን ዘለዎ መጻኢ ንኽህልዎም ምዕያይ የድሊ” ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 December 2023, 15:01