ድለ

ቅድስቲ መንበር ኣብ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ንዝግበር ምሕብባር ትጣበቕ ቅድስቲ መንበር ኣብ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ንዝግበር ምሕብባር ትጣበቕ 

ቅድስቲ መንበር ኣብ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ንዝግበር ምሕብባር ትጣበቕ

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ክቻ፥ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘስዕቦ ዘይመጣጠን ጸገም ብምጉላሕ፡ ኣብ መንጎ እተን ነቲ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናይ ምርጋፍ ውዕል ዝኸተማ ሃገራት ምትሕባር ክህሉ ህጹጽ ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣብቲ “ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ከተምቲ ውዕል ምውጋድ ኑክለሳዊ ኣጽዋር” ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ኑክለሳዊ ኣጽዋር ሰብኣውን ከባብን ኣዕናዊ ሳዕቤን ከም ዘለዎም ሓደጋታት የራብሕን ሰላም ንምክልኻል ዝብል መታለሊ ሓሳብ ዝዓቖረ እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ውዕል ምክልኻል ኑክለሳዊ ኣጽዋር ካብ ኣቶሚክ ኣጽዋር ናጻ ዝኾነት ዓለም፥ “ዝከኣልን ኣድላይን” ምዃኑ ነዚ ዕላማ ብዘተ ንምዕዋት ድማ መገዲ የቕርበልና” እንክብሉ ኣዘኻኪሮም፥ እቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. 56 ሃገራት ዓለም ዝተሰማማዓሉ ውዕል ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ከም ዘመላኸቱን እዚ ውዕል “ምትግባር ድንጋገታት ጾታዊ ድንጋገታት ዝምልከት ውዕል ዘጠቓልል” ከምኡ’ውን “እቲ ውዕል ምስቲ ዘሎ ስርዓት ምፍታሕ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋርን ዘይምዝርጋሕ ተማላኢ” ክኸውን ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጾታዊ ዘይምዕሩይነት

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣስዒቦም፥ ኣብ ጉዳይ ጾታዊ ፍልልይ ኣማእኪሎም እውን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ንነዊሕ እዋን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ብፍንጀራ ሙቐትን ጩራን ነቶም ዝተቓልዑ ብማዕረ ከም ዝጸልዎም ይእመን ከም ዝነበረ ኣመልኪቶም። ይኹን እምበር “ሓደስቲ ስነ ፍልጠታዊ መርትዖታት ከም ዘመልክትዎ፡ እዚ ከምኡ ዘይኮነን ሳዕቤን ጭራታት ፍንጀራ ኑለሳዊ ኣጽዋር ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ካብ መጠን ንላዕሊ ይጸልወን ኣሎ” እቲ ውዕል ነዚ ብግቡእ ኣፍልጦ ከም ዝሃቦን፥ “ፍሉይ ድሌታት ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ኣብ ግምት ዘእተወ መንገዲ ንግዳያት ሓገዝ ክወህብ ይጸውዕ” እንክብሉ ከም ዝመለከቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘስዕቦ ጽልዋ

ካብ ውልደት ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመ ንጩራ ዝተቓልዓ እዋልድ ምስቲ ልሙድ ኤውሮጳዊ ደቂ ተባዕትዮ ክነጻጸር እንከሎ ዳርጋ ብዓሰርተ ዕጽፊ ዝያዳ ናይ መንሽሮ ሕማም ናይ ምምዕባል ተኽእሎ ኣለወን፡ ነዚ ኣብ ደቂ ኣስንትዮን ህጻናትን ዝኣመሰሉ ተወሳኺ መጽናዕቲ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ገሊጾም፡ እዚ ርድኢት እዚ “ደቂ ኣንስትዮ ኣዚየን ተቓላዕቲ ምዃነን ጥዕናአንን ጥዕና ኣብ ማሕጸን ዘሎን እኹል ክንክን ክረኽባ ወሳኒ እዩ።”

“ጽኑዕ ስነ ፍልጠታዊ መሰረት ዘይምህላዉ ነቲ ውዕል ዝኣተዋ ሃገራት ብፍላይ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት እወታዊ ግዴታታት ብኣድማዒ መገዲ ንምትግባር ዝዕንቅፍ ይኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርክብ ኣብ መንጎ ምውጋድ ውዕል ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ዘይምስፋሕ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ሕግን

ኣብ መንጎ እቲ ዕልን ዝጸንሐ ስርዓት ምፍታሕ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘይምዝርጋሕን ዘሎ ርክብ ኣማእኪሎም፥ ውዕል ምእጋድ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ነቲ ተወሳኺ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘይምስፋሕ ዝብል ስምምዕ ዝሕግዝ ክኸውን ከምዘለዎልን እምነ ኩርናዕ ናይቲ ስርዓት ምፍታሕ ኣጽዋርን ዘይምስፋሕን ኮይኑ ክቕጽል ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኩሎም ውዕላት ብሓባር

ኣብ መንጎ ኩለ መዳያዊ ውዕል እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ፈተነን ምስፋሕን ክህሉ ዘለዎ ተማላእነት ኣስሚሮም፡ ካብ ዓለም ለኸ ስርዓት ምክትታል ዝመጽእ መረዳእታ ተጠቂምካ ግዴታታት ንምድጋፍ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ ኣብ መንጎ እቲ ክልተ ውዕላት ምትሕብባር ክህሉ ኣተሓሳሲቦም፡ ናይ ክልቲኡ ውዕላት ስለ ዝመላልኡ ብተመሳሳሊ መገዲ ክሰፍሕ ኣለዎ” ኣንክብሉ ከም ዘብርሁን፡ ክልቲኡ ውዕል ዘለዎ ተማላእነት ብምኽባር ምስ ዝትግበር እቲ ብሰንኪ ንጥፈታት ኑክለሳዊ ኣጽዋኣር ዝመጽእ ሰብኣውን ከባብያውን መጉዳእቲ ንምርዳእ ከሰጉም ከም ዝኽልን ከምኡ እውን ከምዚ ዓይነት ጉድኣት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕረ ኣበርክቶም ከም ዝህልዎ ዝተረጋገጸ እዩ” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 December 2023, 16:14