ድለ

2023.12.16 ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ናይ ሕብረት ሃገራት ዓረብ ልኡኽ ተራኺቦም 2023.12.16 ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ናይ ሕብረት ሃገራት ዓረብ ልኡኽ ተራኺቦም 

ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ናይ ሕብረት ሃገራት ዓረብ ልኡኽ ተራኺቦም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ሰንበት ዕለት 17 ታሕሳስ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብናይ ሃገራት ዓረብ ልኡካነ መንግስታት ንዝተሰነዩ ናይ ሕብረት ሃገራት ዓረብ ልኡኽ ከም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ክብልን ኣብቲ ከባቢ ሰላም ንምርግጋጽ ክልተ ጎረባብቲ ሃገርትን መግንስታትን ዝብል መርገጺ ቅድስቲ መንበርን ከም ዘቃልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን  ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍልስጥኤም ልኡከ መንግስቲ ዒሳ ካሲሴ ናይ ሊባኖስ ልኡከ መንግስቲ ፋሪድ ኤል ካዘን፤ ናይ ዒራቕ ራህማን ፋርሃን ዓብደላ ኣላኣመሪ፤ ከምኡ’ውን ናይ ምስሪ ልኡከ መግንስቲ ማሕሙድ ጣላት ምስ ዝተሰነዩ ምስ ልኡኽ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኤናስ ሰይድ መሓመድ ዓሊ መካዊ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ  ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ህልው ኩነታት እስራኤልን ፍልስጤምን ከምዘተሓሳስባ ደጊሞም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ናይ ቅድስቲ መንበር ስክፍታ

ኣብቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝተኻየደ ምዉቕን ዓሚቕን ዘተ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኹሲ ደው ክብል ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሕን ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘኪሮም፣ ህጹጽ ኣድላይነት ሰላምን... ኣብቲ ዞባ ነባሪ ሰላም ንምምጻእ፡ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራትን መንግስታትን ዝብል መርገጺ ምሉእ ብምሉእ ምትግባርን፡ ከምኡ’ውን ንከተማ ኢየሩሳሌም ብዓለምለኻዊ ደረጃ ውሕስነት ዘለዎ ህልዊ ኹኔታ ዝብል መረገጺ ወሳኒ ምዃኑ ከም እተሰመረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መገልጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 December 2023, 16:19