ድለ

2023.12.14  presentazione del Messaggio di Papa Francesco per la 57.ma Giornata Mondiale della Pace. 2023.12.14 presentazione del Messaggio di Papa Francesco per la 57.ma Giornata Mondiale della Pace. 

ካርዲናል ቸርኒ፦ መልእኽቲ ር. ሊ. ጳ. ዘሎ ሓደጋታት ንምግላጽን ሰላም ንምድንፋዕን ምዃኑ

እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ምሉእ ሰብአዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምኽንትያት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሰላም 2024 ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅዱስቲ መንበር - አቕሪቦም ። ምስኡ ዝብተሓሓዘ ድማ አብ እተፈላለየ መዳያት ዘተኮረ ናይቲ ርእሰ ነገር "ሰብ ዝሰርሖ አስተውዕሎት ንሰላም" ዘርእስቱ መብርሂ ዘቕርቡ ብዙሓት ምሁራትን ክኢላታትን ድማ ተሳቲፎም ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት መለለዪ እዛ ወትሩ እትቀያየር ዘላ ዓለም ኮይኑ አሎ "ንሓባራዊ ጥቕሚ ብሓቂ ከም ዘገልግል ነቲ ዘይግለጽ ዋጋ ክብሪ ወድሰብ ከም ዘዕቍብን ከምኡውን መሰረታዊ መሰላትና ከም ዘደንፍዕን ንምርግጋጽ ተጠንቂቕካ ምምርማር ዝሓትት ኢዩ።"  ንናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 14 ታሕሳስ ንግሆ አብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበር ኣብ እተገብረ ዋዕላ ጋዜጣዊ መግለጺ፣  ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመበል 57 ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሰላም ከም ርእሰ ነገር ዝወሰድዎም መግለጺ አቕሪብኖም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ አስተውዕሎት ከም አርእስቲ ክኸውን ዝደለዩሉ  ምኽንያት እንታይ ከም ዝነበረ አስፊሖም ገለጹ ።

ተራዳኢ- መምህር አብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ልዮንን ኣወሃሃዲ ኣህጉራዊ ዕማም ሰብኣውነት አብ ዘመነ ነውሮ-ስነፍልጠትን ሰብ ዝሰርሖ ምስትውዓልን ዝኾነ ፕሮፌሰር ማቲዩ ጊልየርሚን እውን ንገለ መዳያት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍልይ ብዝበለ በልክዕ አቕሪቡ፣ ከምኡ ውን ሊቅ ስነ-መለኮትን ተክኖ-ሳይንሳዊ ቶሎጊያን አብ ናይ ሮማ መንበረ ጠበብ ሉምሳ መምህር ዝኾኑ ክቡር አባ ሪካርዶ ሉፍራኒ ከምኡውን ፣  ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዚርከብ ፖሊተክኒኮ ዲ ቶሪኖ ፕሮፌሰርን ተሓባባሪ ማሕበር ምዕብልና ትምህርትን ምስትውዓልን ኣውሮጳ ዝዀነ ፕሮፌሰር ባርባራ ካፑቶ አብቲ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሳቲፎም ።

ሰብኣዊ ብድሆታት

ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ አብ መግለጺኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ብ2024 ዝዝከር ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰላም አመልኪቶም ዝጸሓፍዎ መልእኽቶም "ብመኽሰብን ብረብሓታትን ጥራይ ዝምራሕ ዘይጥዑይ ኣጠቓቕማ ተክኖሎጂ" ከም ዘጕልሑ ገለጹ፣ እዚ ኸኣ "ማዕርነት ምጕዳል ፍትሒ ውጥረትን ግጭታትን" ከምጽእ ይኽእል ኢዩ ክብሉ አጠንቀቑ ። ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ተክኒካዊ ጥራይ ዘይኰነስ "ሰብኣውን ማሕበራውን ትምህርታውን ፖለቲካውን እውን" ምዃኑ ገለጹ፣ ስለዚ ብፍላይ ድማ ንውግእን ግጭታትን ዝጥቀመሉ መገዲ ምስ ዝህልዎ ዘፍርህ ኢዩ ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ እተራቐቐ ኣዕናዊ ዝዀነ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት "ንሰብኣዊ ተሓታትነት ካብ ኩነት ውግእ ከልግሶ" ይኽእል ኢዩ በሉ ።

ስልጠና አብ ተክኖሎጂ

ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ኣስዕብ ኣቢሎም "ሰብ ዝሰርሖ ምስትውዓል ንማሕበራዊ ፍትሒ እውን ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ይኽእል እዩ " በሉ ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ኣብ ዓውዲ ሓበሬታ "ንቓላትን ምስልታትን ክትጠውዮ ደይ መደይ ኢልካ ንዝግበር ግጉይ ሓበሬታ ኽትህብን ክትቈጻጸርን እትኽእለሉ ሓድሽ መገድታት ውን ኣሎ፤ እዚ ድማ በርገሳዊ ስርዓትን ንዲሞክራስያዊ መንግስትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኢዩ ። " ስለዚ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝበልዎ ትምህርትን ስልጠናታትን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ። "ነቶም ስርዓተ ኣስተውዕሎት ተክኖሎጅን ኤለክትሮኒካዊ ተክኖሎጅን ዝነድፉ ዝያዳ ሓላፍነት ዝስምዖም ክኾኑ ብምግባር " ስዒቡ ድማ "ንዅሉ ሰብ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ደይመደይ ኢሎም ሓድሽ ተክኖሎጂ ንኽጥቀሙን ብዛዕባ እቲ ብፍላይ ኣብ ድኻታትን ኣከባብን ዘሕድሮ ጽልዋ ንኽነቕፉን ስልጠናታት ክወሃብ" ከም ዝለዎ ዝብል ኢዩ።

መምርሕን መዓቀኒታትን የድሊ

ካርዲናል ቸርኒ ኣስዕብ ኣቢሎም ንዕቤትን ኣጠቓቕማን እቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ሓላፍነት ብዘለዎ መገዲ ንምቍጽጻር "ኣብ መንጐ መንግስታት ውጽኢታዊ መምርሒታት ከምኡውን ብብዙሓት ወገናት እተገብረ ውዕላትን ቀያዲን ማዕቀናትን ከም ዘድሊ" ገለጹ ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ንመራሕቲ መንግስትን ፖለቲካውያን ሰበ-ስልጣንን መራሕቲ በርገሳዊ ማሕበረሰብን ብሓባር ሓላፍነት ክስከሙ ዝተማሕጸንዎም፣ ከምኡውን ንዅሎም ሰባት "ንውሉድ ወለዶ ዝሓሸትን ዝያዳ ሰላማዊትን ዓለም ክንህቦም እንተድኣ ዄንና ኣቓልቦ ክገብረሉን ንሠናይ ክመርጹን " ዝዕድምዎም ዘለዉ ።

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምድንፋዕን ከምኡውን ነቲ ፍረ ነገሩ ንምርዳእን ሳዕቤናት ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ብዝሓሸ መገዲ ንምድህሳስን ንምርዳእን፣ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ብቋንቋታት ጣልያንን እንግሊዝን ፖርቱጋልን ስጳኛን ከምኡ ውን ብፈረሳይ እተዳለው ብዙሕ ትሕዝቶታትን ከምኡውን ሓበሬታታትን ዝሓዘ ጽሑፋትን ስነ-መለኮታዊ ነጸብራቕን ተዘርጊሑ አሎ ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ብ14 ታሕሳስ እተገብረ ዋዕላ ጋዜጣዊ መግለጺን ብኽኢላታት ዝቐረበ ጽሑፋትን እውን ተሰናድዩ አሎ ።

15 December 2023, 17:44