ድለ

ቡራኬ፡ ጉስነታዎ ምልዋጥ፡ ከምኡ’ውን ንኹሉ ክትሕድሶ ኣብ ምድላይ ዘሎ ሓደጋ ቡራኬ፡ ጉስነታዎ ምልዋጥ፡ ከምኡ’ውን ንኹሉ ክትሕድሶ ኣብ ምድላይ ዘሎ ሓደጋ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto) ርእሰ ዓንቀጽ

ቡራኬ፡ ጉስነታዎ ምልዋጥ፡ ከምኡ’ውን ንኹሉ ክትሕድሶ ኣብ ምድላይ ዘሎ ሓደጋ

እቲ ኣገዳስነት ቡራኬ ዝምልከት ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣዋጅ ባይታ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ መጀመርታ ሕርየቶም ኣትሒዞም “እዋናዊ ለውጥን ኣድላይነት ጉስነታዊ ምልዋጥን” ዝብል ትምህርቶም እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሕርየቶም ክኣትዉ እዮም። ር.ሊ.ጳጳስናኦም በቲ "ጓሳዊ ምልዋጥ" ብዝብል ከምቲ ኣብ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም እነንብቦ ኣንፈት ናይቲ ሕጂ ዘሎ ጳጳስ ሮማ ስልጣናዊ ትምህርቲ ምዃኑ ይስትውዓል።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ "ለውጢ ዝመልኦ እዋን ዘይኰነስ ኣብ ዝልወጥ ዘሎ ዘመን" ኢና እንነብር ዘሎና ብምባል ብንጹር ይሕብሩ። ከምቲ ናይ ጳጳሳዊ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ተቕዋም ኣባል ፈላስፋ ሮኮ ቡቲሊዮነ ኣብቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ስኢል ተኣምኖ ዘርስቱ ኣዋጅ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ንተመሳሳሊ ጾታ ሓዊሱ ኣብ ዘይስሩዕን ዘይንቡርን መውስቦኣዊ ጽምዲ ንዝርከቡ ሊጡርጊያዊ ቡራኬ ዘይኮነስ ቡራኬ ክረኽቡሉ ዝኽእል ተኽእሎ ዝኸፍት እዩ እንክብሉ ከም ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዝነበሮም ሰባት መርዓ ዝቓወሙ እዮም ዝነበሩ። ሎሚ እንተወሓደ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ግን ከምኡ ኣይኮነን። ርዱእ እዩ ሎሚ ኣብ ሓድኣዊ ጾታዊ ስምዒት መጻምድቲ ዘተኮረ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝወጸ ኣዋጅ ግን ብዛዕባ እቶም ብመሰረት ግብረ ገባዊ ስርዓታት ቤተክርስትያን ዘይነብሩ መጻምድቲ ይዛረብ። ናብ ኣሃዛዊ ጭብጥታት ከይኣተና መብዛሕቲኦም ካብዚኦም ድማ ሰብኣይን ሰበይትን ከይተመርዓዉ ብሓባር ዝነብሩ መጻምድቲ እዮም ክበሃል ይከኣል። ሓደ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት እንታይ ዓይነት ዘመናዊ ለውጢ ከም ዘጋጠም ንምግንዛብ ናይ ስነ-ማሕበረሰብ ምሁር ክኸውን ኣየድልዮን እዩ: ምንቁልቋል ሃይማኖታውን በርገሳውን ሓዳር: ምዕባለ ዕቤት ሓባራዊ ብዘይ ቃል ኪዳን ምንባር (ዋላ ኣብቶም ብእምነት ዝዓበዩ) ብሰፊሕ ዝርኣ ሓቂ እዩ።

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገልጽዎ ጉስነታዊ ለውጢ ቀሊል ምትዕርራይ ከምኡውን ሒደት ንኣሽቱ ምትዕርራያት ዝምልከት ኣይኰነን። እዚ ኸኣ ንሓላፍነት ኵሎም ብቐዳምነት ንእተመዘዙ ዝተቐብኡን ኣገልገልቲ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ዓሚቝ ነገር ኢዩ። “ምልዋጥ” ዝብል ቃል ስነ-ቓል ትርጉሙ “ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝ”፣ “ናብ ሓደ ሰብ ወይ ገለ ነገር ምልስ ቢልካ ምጥማት”፣ “ኣንፈት ምቕያር” ዝብል እዩ። ፍራንቸስኮ ዝዛረበሉ ጉስነታዊ ምልዋጥ ሱር በተኻዊ ለውጢ ኣብ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ዝዕድም እዩ፣ ብገለ መገዲ ነቲ ክርስትያናዊ ኣዋጅ ማይ ብምሃብ ምስ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ምትእስሳር ብዝብል ትርጉም ዘይኮነስ ልክዕ ብኣንጻሩ እዩ። ምስቶም ጠሪሾም ንወንጌል ዘይፈልጡ ሰባት ክንራኸብ ምዃንና ፈሊጥና ኣብቲ ኣድላዪ ዝዀነ ነገር ብምትኳር ኣዋጅ ወንጌል እንደገና ህያው ንምግባር ዝዕድም እዩ። ክንወጽእ፡ ሓደጋ ክንገጥም፡ ብዘይ ጽልኢ ምስ ካልኦት ክንራኸብ፡ ቅድሚ ምፍራድና ክንሰምዕ፡ ሰባት ክደልዩና ክመጹ ክንጽበ ከም ዘይብልና ፈሊጥና። እዚ ምስሊ ቤተ ክርስቲያን ከም “ኣብ ዓውዲ እትክርበ ቤት ሕክምና” ዝብል ኣዝዩ ንተካኢ ጴጥሮስ ፍቱው ዝኾነ ተምሳል ቤተ ክርስቲያን ሓያል ኣብነት እዩ። ሱር ናይ ጉስነት ምልዋጥ ብዕምቆት ወንጌላዊ እዩ: ኢየሱስ ከይፍረደና መታን ንኸይንፈርድ፣ ነቲ ኣብ ዓይኒና ተሸኺሉ ዘሎ ጕንዲ ከይረኣኻ ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ እንክብል ዓዲሙና እዩ። ኢየሱስ ነቲ ናይ ዘመኑ ሃይማኖታዊ ስነ-መጐትን ስርዓታትን ሕግህታትን ብቐዳምነት ናብ ዘይትንከፉን መጸብሓንን ሓጥኣንን ብምኻድ ሰውሪርዎ እዩ።

ዕላማ ጓሳዊ ምልዋጥ ሓደ ጥራይ እዩ፣ ንህላወ ቤተ ክርስቲያን ትርጉም ዝህብ ተልእኾ እዩ። ማለት ቅድሚ ምፍራዱ ዝሓቁፍ ዋላ’ውን ድሌት ጥራይ እንተሃልዩና፡ ንኸልዕለና እንተፈቒድናሉ ጥራይ ከልዕለና ክረኽበና ዝመጽእ ምስክርነት መሓሪ ኣምላኽ እዩ።

ካልእ ወሳኒ ቃል ኣሎ፣ ምስ ለውጢ ዘመን፣ ምስ ጓሳዊ ምልዋጥን ምስ ምርጫ ስብከተ ወንጌል ዝተኣሳሰር።  እዚ ኸኣ “መመያ” ዝብል እዩ። መመያ እትብል ቃል ኣብቲ ዛዕባ ቡራኬ ዝዛረብ ኣዋጅ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሰነድ ማእከላይ ቃል እዩ፡። ኣብቲ ብዛዕባ ሓዳር ዝምልከት ትምህርቲ ከምዘይቅየርን ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ዝተጠርነፉ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ጥራይ ከም ሕጋዊ ጌራ ከም እትቖጽሮ ደጊሙ ዝገልጽ ሰነድ፡ ዝኾነ ይኹን ሊጡርጊያ ምግባር፣ ዝኾነ ይኹን ፈጠራዊ ሊጡርጊያ  ኣቢልካ ዝግበር ቡራኬ "ንዘይንቡር - ዘይስሩዕ" መጻምድቲ ክውገድ ከምዘለዎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብቲ ኣርእስቲ ተወሳኺ "መምርሒታት" ትጽቢት ክግበር ከምዘይብሉ ብንጹር ይንገር።

እዚ መስቀልን ሓላፍነትን እዚ ኣብ መንኵብ ካህናት እተመርኰሰ ዀይኑ፡ ነቲ ዘሕዝን ፍጻመታት ሰባት ክቈጻጸርዎን ዛንታታቶም ክሰምዑ እተጸውዑ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንህይወቶም ዘውጽኦ መደብ ምሉእ ምርዳእ ንምርካብ በብደረጃ ከሰንይዎም ጻውዒት ዘቕረበሎም ኢዩ። እዚ ዓብዪ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝግበር ናይ ተልእኾ ንጥፈታት እዩ። ናይ ምስትውዓል ጾር ኣብ መምርሒ መጽሓፍ ወይ ኣቐዲምካ ኣብ እተወሰነ ወይ ውን ናብ ዝተቐመጠ ቡራኬ "ብምውራድ" ምሕሳብ ኣብ ክስረት ምውዳቕ እዩ።

ብርግጽ ኩሉ ነገር ንጹር፡ ዝተነጸረ፡ ዝተዋደደን ብዝርዝር ዝተተንተነሉን መጽሓፍ መምርሒ እንተዝህልወካ ዝቐለለ ምኾነ። ንዝተፈላለዩ መዓት፡ ውልቃዊ ዛንታታት፡ ኩነታት ዘስተንትነሉ መጽሓፍ ግን ክህሉ ኣይክእልን እዩ።

ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ታሕሳስ ንናይ ኩርያ ሮማና ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣካላት ተሓበብርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮትን ሰላምንታ ንምልውዋጥ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን “ምስትውዓል ንኹላትና ኣገዳሲ እዩ። ከም ስነ-ጥበብ ናይ መንፈሳዊ ህይወት መጠን፡ ነቲ ኩሉ ምፍላጥ ዝብል ምትላል፡ ካብቲ ሕግታት ምትግባር ጥራይ እኹል እዩ ኢልካ ካብ ምሕሳብ ሓደጋ፡ ... ነቲ ወትሩ እንገብሮ ጥራይ ብምድግጋም ምንባር ካብ ዝብል በዚ መንገዲ’ዚ ድማ ምስጢር ኣምላኽ ወትሩ ኪኖና ምዃኑን ህይወት ሰባትን ኣብ ከባቢና ዘሎ ዓለምን ካብ ሓሳባትን ክልሰ-ሓሳባትን ዝበልጽ ምዃኑን ወትሩ ከም ዝቕጽልን ምግንዛብ ካብ ዘይምኽኣል ፈተና ክናግፈና ይኽእል። ።” ምኽንያቱ “ምፍቃር ትብዓት ይሓትት።”

ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም “እምነት ክርስትና ናይ ውሕስነት ስምዒትና ንምርግጋጽ፡ ኣብ ምሹእ ሃይማኖታዊ ርግጸይናነት ክንሰፍር፡ ከምኡ’ውን ንዝተሓላለኸ ጸገማት ህይወት ቅልጡፍ መልሲ ክህበና ዝዓለመ ኣይኮነን።” ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ኣብ “ጉዕዞ የንብረና፣ “ንጉዕዞ ይድርኸና፣ ካብ ምሾትና፣ ካብቲ ድሮ ዝገበርናዮን ካብቲ ከምኡ እዩ ዝገበር ነይሩ ካብ ዝብል ዕግበት ካብዚ በዚ ኣገባባት እዚ እነቝሞ ውሕስነታት የናግፈና፣ በዚ መንገዲ ድማ፣ ሓራ የውጽኣና፤ ይቕይረና፡ ነቲ ዝጸውዓና ዓቢ ተስፋ ንኽንርዳእ ድማ ኣዒንቲ ልብና የብርህ።”

ብርግጽ እቲ ብዛዕባ ቡራኬ ዝምልከት ኣዋጅ ሕቶታት፡ ካብ “ምሾታዊ ዞባታት” ንምውጻእ ይሓትት። እቲ ዕላማ ንሰባት ኣብ ዝነብሩሉን ከመይ ኣብ ከም ዝነብሩን ምርኻብ እምበር ከመይ ክነብሩ ከም ዘለዎም ኣብ ዝብል ናትና ድላይ ምንባሮም ምርኻብ ኣይኮነን። ስለዚ ቡራኬ ምሕታት ነቲ ዝርአ ብልጭታ ብርሃን ከየጥፍእ መታን ሓገዝ ፈጣሪ ምሕታት ማለት እዩ እንክብሉ ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ኣንድረያ ቶርኔሊ ዘውጽዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

22 December 2023, 17:00