ድለ

Z4Z Z4Z  (ANSA)

ቡራኬ፦ ኣብ ትውፊት ዝተመስረተ ጕስነታዊ ምዕባለ

ኣባል ጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበራዊ ስነ - ፍልጠት ዝዀነ ኢጣልያዊ ፕሮፌሰር ሮኮ ቡቲልዮነ ብዛዕባ እቲ ብጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝወጸ ኣዋጅ “Fiducia supplicans” ስኢል ተኣምኖ አብ ዝሃቦ ምግለጺ ዳርጋ ሓደ ሰውራዊ ለውጢ ከም ዝዀነን ኣብ መበቈላዊ ትውፊት ቤተ - ክርስትያን ምምላስ ከም ምዃኑ ብምግላጽ፣ ተእኾአዊ ህላዌ ክርስቶስ አብ ታሪኽ ወድሰብ ከም ዝገልጽ አምልኪቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መበር ዘውጽኦ ኣዋጅ፣ “Fiducia supplicans” ስኢል ተአምኖ  ብዛዕባ ጕስነታዊ ቡራኬ ዝዛረብ ሰንበድ  ኰይኑ፣ ኣብ ትውፊት ቤተክርስቲያንን፡ ግብረገባዊ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን ድልዱል መሰረት ዘለዎ፣ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ምዕባለ ጕስነታዊ ኣረኣእያ ዘምልክት ኢዩ ። እቶም ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ፣ ነዚ ኣዋጅ ብሓደ ብጥበብ እተጻሕፈ መቕድም ይጅምርዎ፣ ኣብቲ መቕድም ንገለ ኻብቲ እዚ ኣዋጅ እዚ ዘየመልክቶ ጉዳይት ይገልጹ - በዚ ኸምዚ ድማ እዚ ሰነድ እዚ ንመውስቦ ሓደኣዊ ጾታ ቀጠልያ ብራህቲ ዝህብ ኣይኰነን፣ ኣብ ዓንቀጸ እምነት ቤተክርስትያን ከኣ ብዛዕባ እቲ ኻብ ኪዳናዊ ሕይወት ወጻኢ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ወትሩ ዓቢይ ሓጢኣት ከም ምዃኑ የስተምህር ። ከምዚ እንተ ደአ ኾይኑ ወላ ሓንቲ ዝቕየር ነገር የለን ማለት ድዩ ? ኣይፋሉን፣ ብዙሕ እዩ ዝቕየር ዘሎ ፣ ዳርጋ ሰውራዊ ለውጢ ኢዩ ። ይኹን እምበር ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን እተገብረ ኵሉ’ቲ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ሰውራዊ ለውጢ ኣብ ገለ ገለ እዋናት ናብቲ መበቆል ገጽካ ከም ምምላስ እንክኸውን፣ ነቲ ተልእኾኣዊ ህላወ ክርስቶስ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ዘመልክት ኢዩ ።

ናይዚ ኣዋጅ መበገሲ ሓሳብ፣ ማለት እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ባይታ ዘቐርቦ ዘሎ ነጥቢ፣ እቶም ኣብ ዘይንቡር ኩነት መውስቦ ዝነብሩ ዘለዉ መጻምድቲ ቡራኬ ኣብ ዝሓቱሉ ኩነት እዩ ዝጥቀስ ዘሎ ። ዝዀነ ይኹን ጊጉይ ርድኢት ምእንቲ ኸይፍጠር፣ ንሓደ ካህን ዘይኮነስ ካብ ወለዶም እስከ ቡራኬ ሓቲቶም ንበል ። ነዚ ቡራኬ እዚ ወይ ምርቓ ምሃብዎም ዶ ? አነ እተዝኸውን ምሃብክዎ ነይረ ። ነቲ ዘይንቡር ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ግን ኣይባርኾን እየ ። ኰይኑ ግን ነቲ ንሓድሕዶም ዚተሓላለዩሉ ዘለው መገዲ፣ ኣብ ህይወቶም ዚህብዎ ምድግጋፍ ኣብ እዋን ሓዘን ዝለዋወጥዎ ምጽንናዕ ከምኡውን ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ ዝነብርዎ ዘለዉ ምሕዝነት ምባረኽኹ። ፍቕሪ ጌጋ ኣይኰነትን ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ጾታዊ ርክብ ካብ ኪዳናዊ ህይወት ወጻኢ ሓጢአት ኢዪ።  ኣብ ህይወት እዞም መጻምድቲ እዚኣቶም እቶም ጽቡቕን ክፉእን ኣጸቢቖም ስለ እተኣሳሰሩ ብንጹር ክትፈላልዮም ዝከአል አይኮነን ። ንአብነት ጓለይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ተረኽበት ምባረኽክዋ ነይረ፣ ኣብ ጕዕዞ ህይወታ ግን ነቲ ጽቡቕ ካብቲ ሕማቕ ርክባ ምእንቲ ፈልያ ክርድኦ ድማ ናብ ኣምላኽ ምጸለኹ ነይረ ። ኣምላኽ በቲ ዝተሰባበረ ሕንጻጻት ትኽዝበለ መስመር ክሕንጽጽ ይኽእል ኢዩ ። ዝዀነ ይኹን ኣቦ ውን ኸምኡ ዚገብር ኢዩ ዝመስኒ፣ ሓደ ካህን ንኣባላት ማሕበሩ ኣባታዊ ዝኾነ ልቢ እንተ ኣልይዎ፣ ካብዚ እተፈልየ  ኪገብር ይኽእል ዝብል ኣረኣእያ የብልየን ።

ሓቂ ኢዩ፣ ዕንቅፋት ክኾነሉ ዝኽእል ሓደጋ አሎ ። ኣብቶም ምእመናን ህዝቢ ኣምላኽ ብፍላይ ድማ እቶም መሳኪትን ዝኾኑን ገና ዘይደልደሉን ሰባት ከይደናገሩን ከምኡ ውን ሓዳር እንታይ ምዃኑን ካብ ሓዳር ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ስለምንታይ ጌጋ ምዃኑን ድማ ከይርድእዎ ውን ዕንቅፋት ክኸውን ዝከኣል ኢዩ ። እዚ ናይ ብሓቂ ከቢድ ጸገም ኢዩ፣ ኣነኣኢስካ ውን ክርአ የብሉን ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም ካርዲናል ፈርናንደዝ መእተዊ ዝኾነ መግለጺ ኺህቡ እተገደዱ ። ልክዕ እዩ፣ መብርሂ ኣብ ክንዲ ዚህቡ ምድንጋርን ምጥርጣርን ዚዘርኡ ብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶታት እንተ ዘይህልዉ ነይሮም፣ ነዚ ጸገም እዚ ንኽትዋጽኦ ቀሊል ምኾነ ነይሩ ። እንተ ኾነ ግን ኵለን እተን አብቲ መጓሰ ዘለዋ ኣባጊዕ ብደሓን እንተ ዝህልዋ ነይረን፣ እቲ ጓሳ ኣብ ኣፍ ደገ ኮይኑ ነቲ  መጓሰ ካብቶም ተዃሉ ምተኸላኸለሎም ነይሩ ። እንተዀነ ግን ብዙሓት ኣብ ደገ [ካብ መጓሰ ወጻኢ] ጠፊአን እንተድኣ ሃልየን ክደልየን ክኸይድ ኣለዎ። እዚ ኸኣ አብ ሓደጋ ዘእቱን ፈታኒ ዝኾነ ኩነትን ኢዩ ። እዚ ኣዋጅ እዚ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ፍሉይ ዝኮነ  ጕስነታዊ ህጹጽ ኩነታት ምላሽ ዝህብ ኢዩ ።

እቶም ኣብዚ እንሓስቦ ዘለና ጕዳይ ቡራኬ ኪወሃቦም ዚሓቱ ሰባት፣ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዘይትሰምረሉን እትኽልክሎን ኩነት ይነብሩን ይገብሩን ኸም ዘለዉ ይፈልጡ እዮም ። ይኹን እምበር ቤተ-ክርስትያን ምስአቶም ምሕላዋን ናታ ከም ዝኾኑን ኸተረጋግጽ እያ እትደሊ ። ንሱ ዓላዊ ግናኸ ናተይ እትብሎ ኢዩ። ቤተ-ክርስትያን ነቲ ዝተክኽ ዘሎ ጥዋፍ ከተጥፍኦ ድያ ወይስ ብእተኻእለ መጠን ህያውን ከም ዝኸውን ክትገብሮ ድያ? እንታይ ኢዩ እቲ ተኽእሎታት?

መንእሰይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን (ምናልባት ፍርቂ ዘመን ይገብር) ነዚ ዅነታት እዚ ኽግምቶ ኣይክእልን እየ ዝነበርኩ ። ዝንባሌ ሓደኣዊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ውን ንመርዓ ይሓቱ አይነሩን፣ ክምርዓዉ ውን ኣይደልዩን እዮም ነይሮም ። ንመርዓ ምስ ሓደ ወዲ ወይ ምስ ሓንቲ ጓል ጥራይ ዝግበር ከም ጭቆና ቡርጅዋዊ ማሕበረሰብ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ ዝነበሩ፣ ናጻ ጾታዊ ርክብን ንጾታዊ ርክብን ፍቕርን ፈላሊኻ ክርአ አለዎ ዝብል አረኣእያን ኢዩ ነይርዎም ። ወይ ከኣ ብኻልእ አዘራርባ ፦ ጾታዊ ርክብ ሓቀኛ ኩነት ከም ዝኾነ ፍቕሪ ግና ምናባዊ ወይ ሕልሚ ጥራይ ከም ዝዀነን ገይሮም እዮም ዚሓስቡ ዝነበሩ ። ብዛዕባ እዚ፣ በቶም ሰብ ሓደኣዊ ጾታ ዝኾኑ ዝግበር ምንቅስቓሳት ዳግም ክሓስብዎ ዝጀመረ ምናልባት ሕማም አይድስ ምስ መጸ ክኸውን ኢዩ (ምስ ሓደ ወዲ ወይ ምስ ሓንቲ ጓል ዝግበር ሓዳር ካብ አይድስ እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ክንዲ ዝኾነ)፣ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ግን እዚ ምንቅስቓስ እዚ ካብኡ ንላዕሊ እኳ ደአ እና ማዕበለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ጾታዊ ርክብ ባህ ዜብል ሥጋዊ ተግባር ጥራይ ኣይኰነን ፣ የግዳስ ነቲ ሰብ ከም ሰብ ኣጸቢቑ ብዓሚቑ ብዝኾነ ምትንኻፍ ዝጸሉ ባህርያዊ ዝንባሌ ኣለዎ ፣ ኣብ ንቡር ዝኾነ ስርዓታዊ ኵነታት ንኽፍጸም፣ መምርሒ ኪግበረሉ ኣለዎ ። ንእተወሰነ ዓመታት ንጾታዊ ርክብ ከም ብሓድሽ ሥርዓት ንምትሓዝ ኣብ ውሽጢ ብሕታዊ ርክባት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብን ብዛዕባ ፍቕሪ ዳግመ ሃሰሳ ከም እተገብረ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኢና ። ኣብዚ ኩነት እዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ብዛዕባ መውስቦ ሓደኣዊ ጾታ ዝምልከት ሕቶታት ዝለዓል፣ እዚ ድማ ንባዕሉ ተቐባልነት ዘይብሉ (ከምቲ ካርዲናል ፈርናንደዝ ዘረጋገጽዎ)ኢዩ፣ የግዳስ ቤተ-ክርስትያን ነዚ ዘይጠጥሐን ሃሰስ ዝብልን ሕቶታ እኹል ምላሽ ክትህበሉ ከም ዘለዋ ዝሕብር ኢዩ።

ኣብቲ አብ ዝሓለፈ አዋርሕ እተገብረ ሲኖዶስ ጳጳሳት እተፈላለያ ሃገራውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ነዚ ጕዳያት እዚ ኣብ ምቅላስ ሻቕሎት ኣለኣዒሉ ይርከብ ኣሎ ። ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ካብ እተፈላለየ ስነ-ሓሳብ ተላዒሉን ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ካብ ምባል ካብ ዝርከብን፣  ነቲ ካብቲ እኩይ ዝመጽእን ንምምማይን ምስትውዓልን ጻዕርታትን ብምግባር፣ ከይተሰከፉ ሓሳባቶም እንክገልጹ ውጥረት ዝመልኦ ክርክራት ነይሩ ኢዩ ። እዚ ኣዋጅ እዚ በቲ ሓደ ወገን አብ ትውፊት ብምስምማዕ ነቲ ሓድሽ ኩነት ክፉት ብምዃን ናይ መጀመርታ ምላሽ ይህብ ። ክብል መግለጺኡ ዛዚሙ!

ሮኮ ቡቲልዮን ኣባል ጳጳሳዊ ተቅዋም ማሕበረሰብአዊ ሥነ- ፍልጠ እዩ ። ዓሰርተው ክልተ መጻሕፍትን ልዕሊ 130 ዝኾኑ ትምህርታውያን ብዛዕባ ፍልስፍናን ባህልን ዚገልጹ ኣርእስትታት ኣሕቲሙ እዩ ። ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዚርከብ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ፒየስ ሓምሻይ ናይ ፖለቲካዊ ስነ ፍልጠት ፕሮፌሰር እዩ። አባል ሕዝባዊ ባይቶ ሃገረ ኢጣልያን ከምኡውን አብ ሚኒስተሪ ጕዳያት ኣውሮጳን ሚኒስተሪ ባህልን ሚንተር ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ ።

23 December 2023, 09:24