ድለ

ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብሰበካ ደረጃ፥ መንእሰያት ዝራእቲ ተስፋ ኣብ መራኽቢ ብዙሓን! ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብሰበካ ደረጃ፥ መንእሰያት ዝራእቲ ተስፋ ኣብ መራኽቢ ብዙሓን! 

ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብሰበካ ደረጃ፥ መንእሰያት ዝራእቲ ተስፋ ኣብ መራኽቢ ብዙሓን!

ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ናይ መንእሰያት ጉዳይ ሓላፊ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመታዊ ክብረ በዓል ክርስቶስ ንጉስ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ብሰበኻ ደረጃ ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ብምዝኽካር፥ “ቅዱስ ኣቦና መንሰያት ብሲኖዳውነት ተደሪኾም ናይ ምትሕልላይን ምክፋልን ኣነባብራ ክመርጹ ይዕድሙ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 26 ሕዳር ናይ ላቲን ስርዓት ኣብ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክብረ በዓል ክርስቶስ ንጉስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ብሰበኻ ደረጃ ዝበዓል መበል 38 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ከም እተበዓለን ብሰበኻ ደረጃ ኣብ በዓለ ሆሳእና ዝበዓል ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ 2021 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ክብረ በዓል ክርስቶስ ንጉስ ክበዓል ከም ዝወሰኑ ዝዝከር ኮይኑ፥ ኣብዘን ክልተ ዓመት ምድላዋት ንኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ መልክቱ ምዕ. 12, 12 ብተስፋ ተሐጐሱ እንክብል ብዘንበሮ ቃል ኣምላኽ ተሰንዩ ነቢይ ኢሳይያስ፥“እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን” ዝብል ምስ ዘንበሮ ቃለ እግዚኣብሔር ብምትሕሓዝ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ከነስተንትኖ  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዓዲሞም፡ “ኣብ ቅድሚ መዓት ደቂ ሰባት ብፍላይ ድማ ስቓይ ንጹሃት" መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ "ዋላ ዘይከኣል ኣብ ዝመስል ቦታ ሓጎስን ተስፋን ዝወልድ" ክኸውን ይከኣል እዩ። ከምኡ'ውን ክርስትያናዊ ተስፋ፡ "እግዚኣብሄር ንበይንና ፈጺሙ ከም ዘይገድፈናን መብጽዓኡ ከም ዝሕልወናን፡ ኣብ ፍቕርን እምነትን ዝተሰረተ ርግጸኛነት እዩ" ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን “ኣብ መዓልታዊ ሕይወት ቃል ተስፋ ንምክፋል ምፍታን” ዝብል ሓሳብ እውን ከም ዘቅረቡ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንሰያት ሓላፊ ኣባ ዥዋው ቻጋስ ብምኽንያት መበል 38 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት “ብሰበኻ ደረጃ” ምኽንያት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ናይ ሎሚ ዓመት መርሕ ቃል “ብተስፋ ተሓጎሱ” ዝብል እዩ። ድሕሪ እቲ ጸልማት እዋን ለበዳ፡ ኣብ ማእከል ብዙሕ ውግኣት፡ ከመይ ጌርና ኢና ዘራእቲ ተስፋ ክንከውን? ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመበል 38 ዓለም ለኸ መዓልቲ መንእሰያት ዘቕረብዎ መልእኽቲ ኣዝዩ ሃብታም፣ ዓሚቝን ንመንእሰያት መዓልታዊ ብጸሎት ምስ ክርስቶስ ንኽራኸቡ ይዕድሙ፣ ድሕሪኡ ድማ መዓልታዊ ምርጫታት ክገብሩ፣ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት - ... ካብ ተራን ክሳብ እቲ ኣገዳሲ - ንነብሶምን ንኹሎም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉን ዘርኢ ተስፋ ክኾኑ ከም ዝኽሉን ብተወሳኺ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እንታይ ንጽሕፍ፡ እንታይ መልእኽትታት ከም እንዝርግሕ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዳግማይ ነበግስ፡ ናይ ዓመጽ ወይ ናይ ጽልኢ መልእኽቲ ንፈጥር እንተኾይና ከነስተንትነሉን ገዛእ ርእስና ክንምርምር ይዕድሙና፡ መዓልታዊ ድማ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ክንሰድድ ይሓቱና። መንእሰያት ንመዛኑኦም መልእኽቲ ተስፋ ከብጽሑ። ብተግባር ድማ ንክርስቶስ ከም ተስፋ ናብ ሕይወትና ክንቅበሎን ብድሕሪኡ ድማ ዘራእቲ ተስፋ ክንከውን ይላበዉና።

ነዚ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝቐረበ ዕድመ ተዘካኽሩ ኣለኹም፣ ኣብ መልእኽቲ መበል 38 ዓለም ለኸ መዓልቲ መንእሰያት bሰበኻ ደረጃ ፣ በብመዓልቱ መንሰያት ሓንቲ ናይ ተስፋ ቃል ከካፍሉ ይዕድሙ፣ ሎሚ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሎም ማእለያ ዘይብሉ ትሕዝቶ ዘህልኹ ዘለዉ መንእሰያት ከመይ ጌሮም ነዚ ክገብሩ ይኽእሉ? ንሕና ንኣብነት ከም ናይ ቅድስቲ መንበር ብናይ ዓለማውያን ምመናንን ስድራ ቤትን ህይወት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ናይ መንእሰያት ጉስነት ርክባትና ምስ ናይ ጉባኤታት ጳጳሳት ኣብ መላእ ዓለም፡ ከምኡ’ውን ምስ መንእሰያት ዝሰርሑ ምንቅስቓሳት፡ ኣብ ክብረ በዓል ክርስቶስ ንጉስን ደሓር እውን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታትን ሰሙንን መንእሰያት መዓልታዊ፣ ናይ ተስፋ መልእኽቲ፣ ውልቃዊ ምስክርነት፣ እወታዊ ዜና፣ መራኸቢ ብዙሓን መጋበርያ ተስፋ ኣብ ምግባር ክዓዩ ንዕድመ። መንሰያት እውን ነዚ ተስፋ እዚ ቅርጺ ኣብ ምሃብል ክእለት ዘለዎም እዮም፡ በዚ ኣቢሎም ድማ ንመልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጸልዎ ክኽውን ይገብሩ። ምናልባት ሓረግ፣ መግለጺ፣ ሕጡበ ጽሑፍ ብምምራጽ፣ ከካፍሉዎ ይኽእሉ። እቲ ዓቢይ ወለዶ እውን ከምኡ፡ ነዚ ናይ ተስፋ መልእኽትታት ኩሉ ግዜ፡ በቲ ኣዝዩ ባህላዊ ወይ ብዘመናዊ መጋበርያታት ክንዝርግሖ ንኽእል ኢና።

ድሕሪ እቲ ኣብ ሊዝበን ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንሰያት ኣብ መንፈስ መንእሰያት መላእ ዓለም እንታይ እዩ ከም ተመክሮ ዝተረፈን እቲ ፍጻሜ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ዝሓደጎ ጽልዋ? ር.ሊ.ጳ. ንዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ብሓባር እናተጓዓዝና ንዳለው ዝበለዎ ጻውዒት መሰረት መንሰያት ብኸመይ እዮም ዝቀራረቡ ዘለዉ?  ምጽኣት ይቐርብ ኣሎ፡ እዚ ድማ ናይ ተስፋ ግዜ እዩ። ካርዲናል ካንታላሜሳ ኣብ ዝሰማዕዎ ስብከት ምጽባይ ‘ህይወት’ ማለት ምዃኑን፡ ህይወት ምጽባይ እያ ምጽባይ ድማ ህይወት እያ ኢሎም። ድሕሪ ደጊም ኣብ ህይወትን ካብ ሕይወትን ዋላ ሓንቲ ዘይጽበ ዝሞተ ጥራሕ እዩ። ስለዚ፡ ካብ ኩሉ እቲ ዝያዳ ዝተጸበናዮ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንሰያት ሊዝበን እዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ 4 ዓመትን ፈረቓን ትጽቢት ዝተገብረሉ ብምዃኑ፡ እቲ ምጽባይ ዝነውሐ ስለዝነበረ ክብል ይኽእል፡ እዚ ክርስትያናዊ ተስፋ እዩ: ምጽባይ ኣሎ: ምኽንያት ተስፋና ምስ ተረጋገጸ ግና ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ካብ ኩሉ ትጽቢትና ኣዝዩ ንላዕሊ እዩ ዝህበና። ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ግዜ ኣብ ምንቅስቓስ ትርከብ ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት ናይ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ሰብኣውነትን ኩሉ ግዜ ኣብ ምንቅስቓስ ዝነብር ሓጎስ ተስፋ ምዃኖም ይነግርዎም። መንእሰያት ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝተወፈየሎም ሲኖዶስ ንቤተክርስትያን ሸነኽ ሲኖዳውነት ዳግማይ ከተበራብርን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብቲ ሲኖዳውነት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስ፡ ሲኖዳውነት ንምትግባርን ሓጊዞምና ኢዮም፡ ብሓቂ መንእሰያት የድልዩና እዮም። እዚ ብሓባር ምጉዓዝ ብቐዳምነት መንእሰያት ዘጠቓልል ኮይኑ መንእሰያት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቀንዲ ተዋሳእቲ ክኾኑ ንደሊ። እቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዛዕባ መንእሰያት ዝመኸረ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሲኖዶስ ነዚ ስዒቡ ቅድስነቶም ክርስቶስ ህያው እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ንዝክር ኣሎና። ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መራሕቲ ጉስነት መንእሰያት እቲ ናይ 2018 ዓ.ም. ሲኖዶስ መንእሰያት ሓዋርያwi ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ‘ክርስቶስ ህያው እዩ” ዘማእከለ ገምጋማት ዘካይድሉ እዋን ክኸውን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

27 November 2023, 14:56