ድለ

ጸብጻብ ሲኖዶስ፥ ንኹሉ እተሳትፍን ናብ ቁስሊ ዓለም እትቐርብን ቤተ ክርስቲያን ጸብጻብ ሲኖዶስ፥ ንኹሉ እተሳትፍን ናብ ቁስሊ ዓለም እትቐርብን ቤተ ክርስቲያን  (Vatican Media)

ጸብጻብ ሲኖዶስ፥ ንኹሉ እተሳትፍን ናብ ቁስሊ ዓለም እትቐርብን ቤተ ክርስቲያን

ብዛዕባ ግደ ደቂ ኣንስትዮን ዓለማውያን ምእመናንን ኣገልግሎት ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ኣገዳስነት ድኻታትን ስደተይናታትን ተልእኾ ወንጌል ኣብ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ እደ ጥበብን ኤቁመንን ከምኡ እውን ዓመጽን ዝኣመሰለሉን ጉዳያት ዘንጸባርቕ

ኣብ ምዝዛም ስሩዕ መደበይና መበል 16 ሲኖዶስ ዛዕባ ‘ሲኖዳውነት’ ተጋባእያን ብድምጺ ዘጽደቕዎ ጽሙር ሰነድ ከም እተሓተመን እዚ ጽሙር ሰነድ እዚ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ዝካየደ መቀጸልታን ናይ መወዳእታን ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ግደ ደቂ ኣንስትዮን ዓለማውያን ምእመናንን ኣገልግሎት ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ኣገዳስነት ድኻታትን ስደተይናታትን ተልእኾ ወንጌል ኣብ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ እደ ጥበብን ኤቁመንን ከምኡ እውን ዓመጽን ዝኣመሰለሉን ጉዳያት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ደቂ ኣንስትዮን ዓለማውያን ምመናንን ዲያቆናትን ኣገልግሎትን ስልጣናዊ ትምህርትን ሰላምን ምህዳርን ድኻታትን ስደተይናታትን ኤቁመንን ኦሪትን ሓድሽን ኣገልግሎት ተልእኾታት ‘ኣገልግሎት ኣብ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ እደ ጥበባዊ ምዕባለ’ ሓዊስካ። ንኹሉ ምስማዕን ንኹሉ ብዝያዳ ዋላ እቶም ኣዚዮም ‘ኣካታዕቲ’ ጉዳያት ብዕምቆት ምፍታሽ። ኣብዚ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዛዕባ ‘ሲኖዳውነት’ ዝጸደቐን ዝተሓትመን ሰነድ ውጽኢት ናይ ሓፈሻውን ብጉጅለ ተመዳዲቡ ናይ ዝተኻየደን ዘተ ንዓለም ቤተ ክርስትያንን ጠበላቶምን ዳግማይ ዝጠመተ እዩ። ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ሰሙን ናይቲ ዕለት 4 ጥቅምቲ ዝጀመረ ዕለት 29 ጥቅምቲ ቅዱስነቶም ብዘዕረገዎ መሰዋዕተ ቅዳሴ ዝተዛዘመ ሲኖዶስ ዝወጸ ጽሙር ሰነድ እዩ።

ጸብጻብ ሲኖዶስ፥ ንኹሉ እተሳትፍን ናብ ቁስሊ ዓለም እትቐርብ ቤተ ክርስቲያን

እቲ ኣስታት ኣርብዓ ገጻት ዝሓዘ ሰነድ “ኣብ ዓለም ኦሪትን ሓድሽን ውግኣት ኣብ ዝዕብልለሉ ማእለያ ዘይብሎም ግዳያት ዘሕድሮ ዘሎ መዓታዊ ሳዕቤናት” ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፡ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዘካየደቶ ዘተ ውጽኢት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “ኣውያት ድኻታት ኣብ መንጎና ናይቶም ክስደዱ ዝተገዱን ናይቶም ብዓመጽን ኣዕናዊ ሳዕቤናት ለውጢ ከባቢ ዝሳቐዩን ድምጺ ዝሰመዐ እዩ። ኣውያቶም ብመራኸቢ ብዙሓን ጥራይ ዘይኮነ ብድምጺ ብዙሓት ኣብቲ ንብዓት ዝፈሰሉ ቦታታት ብዝነብሩ ብስድራኦም ይኹን ብህዝቦም ብውልቆም ኣብዚ ዘሕዝን ፍጻሜታት ዝርከቡ ዝሰመዐ እውን ምዃኑ ኣብቲ ናይቲ ጽሙር ሰነድ መቕድም ተመልኪቱ ይርከብ።

ጸብጻብ ሲኖዶስ፥ ንኹሉ እተሳትፍን ናብ ቁስሊ ዓለም እትቐርብ ቤተ ክርስቲያን
ጸብጻብ ሲኖዶስ፥ ንኹሉ እተሳትፍን ናብ ቁስሊ ዓለም እትቐርብ ቤተ ክርስቲያን

ነዚ ብድሆን ካልእ ብዙሕን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ንኣሽቱ ጉጅለኣታትን ኣብ ሓሳብ ካብ ብናይ ምቕራብ ምትእትታዋትን መልሲ ክትህብ ፈቲና እያ። እቲ ጽሙር ሰነድ መቕድምን ከምኡ እውን ሰለስተ ክፋላትን ዝሓዘ ኮይኑ ነቲ ኣብ 2024 ዓ.ም. ዝካየድ መቐጸልታን ናይ መዛዘምን ሲኖዶስ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

 

ቀዳማይ ክፋል

 

ካብ ግዳያት ግህሰት ጀመሪካ ንኹሉ ምስማዕ

ከምቲ ኣብ መልእኽቲ ንዝህቢ ኣምላኽ ዘሎ፡ ጉባኤ ሲኖዶስ “ንኹሎም፡ እንኮላይ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ግህሰትን መጉዳእትን ዘጋጠሞም ሓዊስካ ንኹሎም ንምስማዕን ንምስናይን ክፉት ምዃን” ዝብል ሓሳብ ደጊሙ የረጋግጽ። ጭቡጥ ናይ ንስሓ ምልክታት ድማ ይሓትት።

ውጅሂ ዲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን

ሲኖዳውነት ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ። ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ባዕሎም “ንብዙሓት ኣባላት ህዝቢ ኣምላኽ ዘይፈጥልዎ ቃል፡ ንገለ ሰባት ምድንጋርን ሻቕሎትን ዝፈጥር (1 ረ) ዝብል ቃል ኮይኑ፡ ካብ ትውፊት ምውጻእ ዝብል ፍርሒ ምውራድ ሃይራርቃዊ ባህርይ ቤተ ክርስቲያን (1 ሰ)፡ ስልጣን ምጥፋእ ወይ ብኣንጻሩ ምንቅስቓስ ዘይምህላውን ንለውጢ ትብዓት ዘይምህላውን ዝብል ንባብ ክህብዎ ይእኽሉ። ሲኖዳውነትን ሲኖዶስን ኣብ ክንድኡ “ብዛዕባ ሓድነትን ተልኾን ተሳትፎን ዘወሃህድ ኣገባብ ቤተ ርክስቲያን ምዃኑ ዝገልጽ ቃል እዩ። ስለዚ ቤተ ክርስቲያን እትነብሮ ኣገባብ እንታይ ምዃኑ እዩ ዘመልክት፡ ንፍልልያት ዋጋ ብምሃብን ንጡፍ ተሳትፎ ኩሉ ዘማዕብለሉን እዚ ብዲያቆናትን ካህናትን ጳጳሳትን ይጅምር፥ “ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ድምጺ ዲያቆናትን ካህናት ጳጳሳትን ክኸውን ኣይክልን እዩ (1 ነ) ዝብል ሓሳብ ነንብብ። “ብገለ ካብኣቶም ንሲኖዳውነት ዝቃወሙሉ ምኽንያታት ምርዳእ የድልየና ኣሎ።”

ጸብጻብ ሲኖዶስ፥ ንኹሉ እተሳትፍን ናብ ቁስሊ ዓለም እትቐርብ ቤተ ክርስቲያን
ጸብጻብ ሲኖዶስ፥ ንኹሉ እተሳትፍን ናብ ቁስሊ ዓለም እትቐርብ ቤተ ክርስቲያን

ተልእኾ

ሲኖዳውነት ምስ ተልእኾ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ከም ዝኸይድ እቲ ሰነድ ብምግላጽ ካብዚ ብምብጋስ “ማሕበረሰባት ቤተ ክርስቲያን ምስ ናይ ካልኦት ሃይማኖታትን እምነታትን ባህልታትን ኣብ ምትሕግጋዝ ካብ ተመሳሳሊ ሓደጋታት ‘መንነት ምጥፋእ የድሕን፡ (2 ሰ)። ኣብ’ዚ ሓድሽ “ቅዲ ጉስነት” ሊጡርጊያ ንምእመናን ብዝያዳ ተበጻሕን ብዙሕነት ባህልታትን ዝያዳ ዝተሰነየን” ምግባር ንብዙሓት ኣገዳሲ እዩ (3 ለ)።

ማእከልነት ድኻታት

ኣብቲ ጸብጻብ እኹል ቦታ ነቶም ድኻታት ብምሃብ ንሳቶም ንቤተ ክርስቲያን “ፍቕሪ” ዝሓቱ እዮም። እዚ ድማ “ኣኽብሮትን ተቐባልነትን ኣፍልጦን” ብዝብል ቃላት ይግለጽ (4 ሀ)። “ንቤተ ክርስቲያን እቲ ንድኻታትን ኣብ ወሰናስን ዘሎ ኣማራጺ ቅድሚ ባህላዊ ስነ ማሕበረሰብ ፖለቲክዊ ወይ ፍልስፍናዊ ምድብ ምዃኑ ቲዮሎጊያዊ ምድብ እዩ” (4 ለ) እንክብል እቲ ሰነድ ደጊሙ ብምግላጽ። ድኻታት ከምቶም ብንዋታዊ መዳይ ጥራይ ዘይኮኑ ዝልለዩ፡ ስደተይናታት ደቀ ባት ግዳያት ዓመጽን ግህሰትን (ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ) ወይ ዓሌትነትን ዘይሕጋዊ ምስጋርን ናይ ዝተፈላለዩ ወልፍታት ምቑሓት ዝኾኑን ሰባት፡ ሃዳጣን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝተጠንጠኑ ኣረጋውያን ከምኡ እውን ዝምዝመዙ ሰራሕተይናታት (4 ሐ) ዝብል የጠቓልል። ካብቶም “ተቓላዕቲ” ዝኾኑ ኩሎም . . . ነቶም ገና ዘይተወልዱን ኣዴታቶምን ምስማዕ፡ “ጉባኤ ሲኖዶስ እውያት ሓደስቲ ድኻታት” ይሰምዕ፡ ኣብ ሓያሎ ኣህጉራት ንብዙሓት ሃገራት ዘሳቕይ ኲናትን ግብረ ሽበራን ዝረአን ነቲ ከምዚ ዓይነት ግጭትን ጽልእን ዘስዕብ ብልሽው ፖለቲካውን ቁጠባውን ስርዓታት ይኹንን።”

ተወፋይነት፥ ኣመንቲ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካን ንሓባራዊ ረብሓን

በዚ መንጽር ቤተ ክርስቲያን ብውልቀ ሰባትን መንግስታትን ማሕበራት ዝፍጸም “ዘይፍታሓዊ ተግባራት ብወግዒ ትኹንኖ” ምሕጽንታ እውን ተቕርብ። ኣብ ፖለቲካ ማሕራትን ማሕበር ሰራሕተይናታትን ንግድን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ንጡፍ ጽምዶ ክህሉ ትላበው፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓውዲ ትምህርትን ጥዕናን ማሕበራዊ ረድኤትን “ብዘይ ዝኾነ ኣድልዎ ንኹሉ ዋላ ሓደ ክየግለለት እተቕርቦ ድልዱል ተግባር ዕሽሽ ክበሃል የብሉን (4 ከ)።

ስደተይናታት

ብተወሳኺ ኣብ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ትኹረት ብምግባር፡ ብዙሓት ካብኣቶም ካብ መበቆሎም ዝምንዝዑን ኲናትን ዓመጽን ዘስዕቦ ቁስሊ ዝስኮሙ፥ መብዛሕቲኡ ግዜ ነቶም ዝቕበልዎም ማሕበርሰባት ምንጪ ህዳሴን ጸጋን ከምኡ እውን ምስ ብመልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ርሑቓት ምስ ዝኾና ኣቢያተ ክርስትያን ቀጥታዊ ርክብ ንምፍጣር ዕድል ይኾኑ፥ (5 መ)። ኣብ ልዕሊኦም እናወሰከ ዝኸይድ ዘሎ ተጻባዒ ኣተሓሳስባ ኣብ ዝገጥም ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ “ክፉት ኣቀባብላ ክንለማመድ፡ ኣብ ህንጸት ሓድሽ ህይወት ከነሰንዮም ኣብ መንጎ ህዝባታት ሓቀይና ናይ ባህልታት ሕብረት ክንሃንጽ ተጸዊዕና ኣሎና” ይብል። በዚ መንጽ መሰረታዊ ዝኾነ “ንናይ ስደተይናታት ስርዓተ ኣምልኮ ልድምታትን ሃይማኖታዊ ልምድታትን ምኽባር” ከምኡ እውን ንናይ ገዛእ ርሶም ቋንቋ ምኽባር። ንኣብነት ከም “ተልእኾ” ዝኣመሰለ ቃል “ኣዋጅ ወንጌል ምስ መግዛእቲ ዋላ ውን ምስ ምጽናት ዓሌት ዝተኣሳሰረ ዝነበረ” ጽሑፋት፡ “መሪር ታሪኻዊ ተዘክሮታት” ከበድ ዝተሰከመ “ሎሚ ‘ንሱታፌ ዝዕንቅፍ” (5 ሰ)። “ኣብዞም ኩነታት ወንጌል ምስባኽ ንዝተፈጸሙ ጌጋታት ኣፍልጦ ምሃብ። ኣብዞም ጉዳያት ሓድሽ ተሃዋሰንት ምምሃር ይሓትት” እንክብል እቲ ጽሙር ሰነድ የመላኽት።

ዓሌትነትን ጽልኢ ወጻእተይናታትን ምቅላስ

ማዕረ ተወፋይነትን ሓልዮትን ካብ ቤተ ክርስቲያን “ኣብ ትምህርቲ ኣብ ባህሊ ዘተን ርክብን ምቅላስ ዓሌትነትን ጽልኢ ወጻእተይናታትን ብፍላይ ብሕንጸት ጉስነት” ኣቢላ  ክትዋፈር (5 ቀ) ይድለ። “ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዓሌታዊ በደል ዝፈጥሩ ወይ ዝዕቅቡ ስርዓታት” (5 ቀ) ምልላይ እውን ህጹጽ እዩ።

ምብራቓዊ ኣቢያተ ክርስቲያን

እቲ ጸብጻብ ስደት ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ብምቕጻል፡ ናብ ምብራቕ ኤውሮጳን ኣብ ቀረባ እዋን ካብተን ምብራቓዊ ስርዓት ዝኽተሉ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ ዘለወን ሃገራት ዝስደዱ ምእመናን ሰዓብቲ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናብተን ብዙሓት ናይ ላቲን ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ሰዓብቲ ዝኾኑለን ሃገራት ዝኣትዉ ዘለዉ ብምስትውዓል “ናይቲ ከባቢ ላቲን ስርዓት ኣቢያተ ክርስቲያን ብስም ሲኖዳውነት ነቶም ዝስደዱ ምእመናን ምብራቓውያን መንነቶም ክዕቅቡን ፍሉይ ውርሻኦም ከማዕብሉን መስርሕ ምውህሃድ ብዘይ ናይ ምዕባላል ወይ ናይ ምውሓጥ ኪደት ምሕጋዝ ከምዘድሊ ኣቦታትን ኣዴታትን ሲኖዶስ” ከም ዝሓተቱ (6 ሐ) የመላኽት።

ኣብ መገዲ ክርስቲያናዊ ሓድነት

ንኤቁይመን (ንኽርስቲያናዊ ሓድነት) ብዝምልከት እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ “መንፈሳዊ ሕዳሴ” ይዛረብ፡ እዚ ድማ “መስርሓት ንስሓን ፈውሲ ተዘክሮን” (7 ሐ) ዝሓትት እዩ። ቀጺሉ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሓደ “ኤቁይመናዊ  ደም” ብዝብል ኣገላልጻ ኣብ ናይ ደም ሰማእትነት ዘሎ ሓድነት ደም እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ይጠቕስ፡ ማለት “ብኢየሱስ ክርስቶስ ንእምነት ህይወቶም ዝህቡ ዝተፈላለየ ምትእስሳር ዘለዎም ክርስቲያናት” (7 መ)፡ ከምኡ እውን ነቲ ንስነ ሰማእትነት ዘቕረብዎ ሓሳብ እውን ይጠቅስ (7 ዐ)። እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ “ምትሕብባር ኣብ መንጎ ኩሎም ክርስቲያን - ንጉጅለታት ህዝብታትን ኣህዛብን ኣብ ነንሓድሕዶም ዘእቱ ባህሊ ጽልኢ ምፍልላይን ንምፍዋስ ዝሕግዝ ጸጋ ምዃኑ ደጊሙ ይገልጽ። “ንሓድሕድካ ወንጌል ክትሰባበኽ” ዝከእኣል (7 ረ) ዝካየደሉ ክውነንት ዝኾነ ኣብ መንጎ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሰዓብቲ ዝቐውም ሓዳር ጉዳይ ከም ዘይረሰዖ እውን ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጸብጻብ ሲኖዶስ፥ ንኹሉ እተሳትፍን ናብ ቁስሊ ዓለም እትቐርብ ቤተ ክርስቲያን
ጸብጻብ ሲኖዶስ፥ ንኹሉ እተሳትፍን ናብ ቁስሊ ዓለም እትቐርብ ቤተ ክርስቲያን

 

ካልኣይ ክፋል

 

ዓለማውያን ምእመናንን ኣባይቲ ስድራን

ዓለማውያን ምእመናን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ እቶም ውፉያንን ዝተቐብኡን ኣገልገልቲ ማዕረ ክብሪ ኣለዎም (8 ሰ)፥ እዚ እምነት እዚ ኣብቲ ዓለማውያን ምእመናን “ኣብ ውሽጢ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰባት ኣብ ኣገልግሎት እናወሰኹን ንጡፋትን” ምዃኖም ኣብቲ ካብ ተጋባእያን ኣብ ዝቐረበ ሓሳብ ብዙሕ ዝተደጋገመ እዩ(8 ሰ)። ኣብ እምነት መምህራን ሊቃውንቲ ስነ መለኮት ሓነጽቲ መንፈሳዊ ኣነቓቓሕቲ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ምሕላውን ምምሕዳርን ንጡፋት፡ ኣበርክቶኦም “ንተልኾ ቤተ ክርስቲያን መተካእታ ዘይብሉ እዩ (8 ሰ)። ስለዚ እቶም ዝተፈላለዩ መፍንሳውያን ህያባት (መንፍሳዊ መስህባት) ዘለዎም ኣፍልጦ ክወሃቦምን ምሉእ ብምሉእ ክምስገኑን” ኣለዎም (8 ረ) ስለዚ ሸለል ክበሃሉ ትሑት ጥቕሚ ዘለዎም ገርካ ምርኣይን ወይ ናብ “ቄስስነት” ከብሉ የብሎምን።

ደቂ ኣስንትዮ ኣብ ህይወትን ተልኾን ቤተ ክርስቲያን

እምበኣርከስ ብወገን ቤተ ክርስቲያን ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወተን እንኮላይ ኣብ ጉስነትን ኣገልግሎት ቅዱሳት ምስጢራትን ዘለወን ጽኑዕ ተወፋይነት ክትርድኦ ትጽዋዕ። ደቂ ኣንስትዮ፥ “ክሳብ ሕጂ ብጾታዊ ዓመጽ ቁጠባዊ ዘይምዕሩነትን ከም ኣቕሓ ኣብ ዝረእያሉ ሕብረትሰብ ፍትሒ ይጭድራ” (9 ሓ) ኣለዋ፡ “ጓሳዊ ምስናይን ንደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ብርቱዕ ምጉስጓስን ኢድ ንኢድ ተተሓኢዙ ክኸይድ ኣለዎ” ይብል።

ቄስስነት

ብዙሓት ኣብ ሲኖዶስ ዝተረኽባ ደቂ ኣንስትዮ “ንስራሕ ካህናትን ጳጳሳትን ዓሚቝ ምስጋና ገሊጸን” እንተኾነ ግን “ብዛዕባ እትቖስል ዘላ ቤተ ክርስቲያን እውን ከም እተዛረባን” (9 ረ) “ቄስስነት ሃገራዊ ትምክሕተይናነት ብድዕተይንነት (ትምክሕትን ብድዔን) ኣተሓሳስባን ዘይግብኡ መግለጺ ስልጣንን በሰላ ናይቲ . . . ገጽ ቤተ ክርስቲያንን ሱታፌን ዝጎድእን እዩ። . . . ስለዚ ኣድማዒ መዋቕውራዊ ለውጢ ከም መሰረት ዓሚቝ መንፈሳዊ ምልዋጥ ዘድሊ ምዃኑን” ከምኡ እውን እቲ “ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብሓባር ዝዘራረቡላ ቤተ ክርስቲያን . . . በዘይ ተገዛእነትን ገዛእነትን ክነስፍሕ ንደሊ። ምግላልን ወደራን” ዘይብሉ (9 ሰ)።

ድቁና ንደቂ ኣንስይቶ ምፍቃድ?

ድቁና ንደቂ ኣንስይቶ ኣብ ምፍቃድ ዝብል ጉዳይ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ኣፍልጦ ከም እተወሃቦን (9 ተ)፡ ንገሊኦም “ምስ ትዊፍት ከም ዘይቀጻልነት ስለ ዝቖጽሮ ተቐባልነት የብሉን”፡ ንኻልኦት ድማ ናይ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ልምዲ ወይ ተመክሮ ምምላስ፡ ካልኦት ድማ “ንምልክታት ዘመን . . . ኣብ ልቢ ብዙሓት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ጸዓትን ህይወትን ዝደልዩ መቓልሕ ክረኽቡ ግብኡን ኣድላዪን ምላሽ” ገይሮም ይርይዎ። ብድሕሪኡ ድቁና ንደቂ ኣንስትዮ ምኽፋት “ኣሰካፊ ስነ ሰብኣዊ ምድንጋር ዘጠቓልል እዩ። እዚ እንተተፈቒዱ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ምስቲ ናይቲ እዋን ወይ ዘመን ለውጥትታት መንፈስ ክትተኣሳሳር ዝገብራ እዩ” ዝብል ስክፍታ ዘለዎም ከም ዝነበሩን ኣቦታትን ኣዴታትን ሲኖዶስ፡ “ንደቂ ኣንስትዮ ናብ ድቁና ምብጻሕ ዝምልከት ቲዮሎግያውን ጉስነታውን መጽናዕቲ” ክቕጽል ይሓትቱ። ውጽኢት ናይቲ ብፍሉይ ብር.ሊ.ጳ. ዘቖምዎ ነዚ ጉዳይ እዚ ዘጽንዕ ናይ ቲዮሎጊያን ታሪኽን ስነ ትንተና ቅዱስ መጻሕፍ ሊቃውንቲ ዝሓቑፍ ሽማግለ መጽናዕቲ ክቕጽልን እንተተኻኢሉ ውጽኢቱ ናብቲ ዝቕጽል ኣብ 2024 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ክቐርብ (9 ጨ) ይሓትቱ።

ኣድልዎን ግህሰትን

ክሳብ ሽዕ ግን “ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መስርሕ ውሳነ ክሳተፋን ኣብ ጉስነትን ኣገልግሎትን ናይ ሓላፍነት ተራ ክወስዳ” ምርግጋጽ ህጹጽ ምዃኑ ደጊሙ ይገልጽ። ሕገ ቀኖና ብኡ መሰረት ክመዓርራረ ከም ዘለዎ ይሕብር (9 ጠ)። ናይ ስራሕ ኣድልዎ ዘይፍታሓዊ ክፍሊትን ዝምልከት ጉዳያት እውን ክእለ ኣለዎ። እንኮላይ እተም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውፉያን ደቂ ኣንስትዮ ዝህብኦ ኣገልግሎት መብዛሕትኡ ግዜ “ሕሱር ጉልበት” (9 ወ) ተባሂሉ ዝቑጸር ክውገድ። ብተመሳሳሊ መገዲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መደባት ትምህርትን ስልጠናን ቲዮሎጊያን ተበጻሕነት ክሰፍሕ ኣለዎ (9 ዐ) እዚ ድማ ኣብ ጽሑፋት ቅዳሴን ሰነዳት ቤተ ክርስቲያንን ንኹሉ ዝሓቁፍ ቋንቋ ምጥቃም ምድንፋዕ ዝብል ሓዊሱ (9 ዘ)።

ውፉይ ሕይወት

እቲ ጸብጻብ ሃብታምን ብዙሕነትን ዝተፈላለዩ መልክዓት ውፉይ ህይወት ብምርኣይ፡ “ንዘተ ቦታ ዘይህብ ምልካዊ ቅዲ ክይህሉ ብጽንዓት የጠንቅቕ።” ብተወሳኺ “ኣብ ሃይማኖታዊ ህይወት ዘለዉን ኣባላት ማሕበራት ዓለማውያን ምእመናን ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ዝተፈላለየ ዓይነት ግህሰት ጉዳያት ኣብ ምጥቃም ስልጣንን ጸገም ከምዘሎ ዘመልክትን ወሳንን ግብኡን ምትእትታው ዝሓትት” (10 መ) ይሕብር።

ድቁናን ህንጸትን

ቀጺሉ እቲ ጉባኤ ንዝተቐብኡ ኣገልገልቲ ምስጋና ይገልጽ፡ ንሳቶም “ንሕዝቢ ኣምላኽ ዝህብዎ ኣገልግሎት ምስ ሰባት ብቐረባ ክነብሩ ንኹሉ ክቕበሉን ይሰምዑን፡ ዓሚቝ ውልቃዊ መንፈሳውነትን ናይ ጸሎት ህይወትን እናማዕበሉ (11 ለ)፡ እቲ ጸብጻብ ምስ ህዝብን ዝተጸገሙን “ጥቡቕ ርክብ” ብምርግጋጽ “ካብ መጀመርታ ደረጃ ሕንጸት ጀሚሩ ክብዳህ ዘለዎ ምዝባዕ ጸዋዕታ ክህነት ከይህሉ ካብ ቄስስነት እውን የጠንቅቕ (11 ሐ)። . . . በዚ መስመራት እዚ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ወይ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ህንጸት ዝርከቡን ሰኣልያን ምስ መዓልታዊ ህይወት ማሕበረሰባት ክተኣሳሰሩ (11 ሰ)፡ ምእንቲ “ናብ ምልካውነት ዝመርሕ ሓደጋታት ኣተሓሳስባታታት ወግዓውነትን ህልዮኣውነትን ንምውጋድ። ከምኡ እውን ንሓቀይና ሞያዊ ዕብየት ዝዕንቅፍ ኩሉ።”

ንጽሕና

ኣብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ እተፈላለየ ገምጋማት ዝተወሃበሉ ጽምዋ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ጠቒሱ፡ “ዋጋኡ ሃብታም ትንቢታውን ንክርስቶስ ዓሚቝ ምስክርን ምዃኑ ብኹሉ ዝምስገን እዩ።”  እቲ ጽብጻብ - ገሊኦም “ብቲዮሎጊያ መዳይ ንኣገልግሎት ክህነት ዝምጥን ምዃኑ ልዕሊ ኹሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ላቲን ናብ ስነ-ስርዓት ግዴታ ክትርጎም ዘለዎ ድዩ" ዝብል ሕቶ ከም ዘለዎም እናኣስተብሃልና። እዚ ክትዕ ወይ ምይይጥ ሓድሽ ኣይኮነን ግን ተወሳኺ ምሕሳብ ዝሓትት ጉዳይ እዩ።"

ኣቡናት

ኣብ ውሽጥን ሃገረ ስብከትን ውሉደ ክህነትን ካልኦት ተዋሳእቲ ከም ዝሳተፉ ዝርዳእ “ሓባራዊ ሓላፍነት” ብምፍጻም “ኣብነት ሲኖዳውነት” (12 ሐ) ዝጽዋዕ ጳጳስ ጾር ናይቲ ንተልእኾኡ ክዕንቅፍ ዝኽእል "ምምሕዳራውን ሕጋውን ውዕላት" ንምቅላል (12 ሠ) ካልኦት ተዋሳእትን ውሉደ ክህነት ከሳትፍ ኣለዎ (12 ሰ)። ጳጳስ ኩሉ ግዜ ዘድልዮ ሰብኣውን መንፈሳውን ደገፍ ስለ ዘይረክብ ድማ "ዝተወሰነ ናይ ጽምዋ ስምዒት ክስምዖ ዘይተለምደ ኣይኮነን" (12 ሰ)።

ግህሰታት

ኣብ ሕቶ ግህሰት “ብዙሓት ጳጳሳት ተራ ኣቦ ምስ ናይ ዳይና ምዃን ተራ ከተዓርቑ ኣብ ዝግደድሉ ኣጸጋሚ ኩነታት ዘእትዎም (12 በ) ከም ዝኾነን፡ እቲ ጸብጻ ነቲ “ፍርዳዊ ዕማም ንኻልእ ዝምልከቶ ሕጋዊ ኣካል ምሃብ ግብኡ ምዃኑ” ብሕጊ ቀኖና ክግልጸጽ እዩ” እንክብል የመላኽት (12 በ)።

ጸብጻብ ሲኖዶስ፥ ንኹሉ እተሳትፍን ናብ ቁስሊ ዓለም እትቐርብ ቤተ ክርስቲያን
ጸብጻብ ሲኖዶስ፥ ንኹሉ እተሳትፍን ናብ ቁስሊ ዓለም እትቐርብ ቤተ ክርስቲያን

 

ሳልሳይ ክፋል

 

ሕንጸት

ኣብ ዝምድናን ስነ ጾታዊ ትምህርትን መንሰያትን ብውልቃውን ጾታውን መንነቶም እናበሰሉ ምስ ከዱ ንምስናይን ንብስለት ናይቶም ናብ ንጽሕና ንውፉይ ህይወት ዝጽውዑን ንምድጋፍ ዝቐርብ ህንጸት ሲኖዳዊ ኣቀራርባ ክህልዎ ዝብል ለበዋ ይቐርብ (14 ሰ)። እቲ ጸብጻብ “ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣካታዒ ዝኾነ ጉዳያት ብጥንቃቐ ምሕሳብ” (15 ለ) - ማለት ካብ ካልኦት ጉዳያት፡ “ከምዚ ዝኣመሰለ . . . ከም እቶም ምስ ጉዳያት መንነትን ጾታዊ ርክብን፡ መወዳእታ ህይወትን፡ ዝተሓላለኸ ኩነታት ሓዳርን ምስ ሰብ ሰርሖ ስነ ቀልብን ዝተኣሳሰሩ ምስ ስነ ምግባራዊ ጉዳያት ዝተኣሳሰሩ።” ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ልክዕ ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን “ሓድሽ ሕቶታት ስለ ዘለዓዕሉ” ኣካታዒ እዮም (15 ሰ)። “ነዚ ዘድሊ ግዜ ወሲንና ብዕምቆት ከነስተንትኖን ዝበለጸ ጸዓትና ኣብኡ ምውፋር ኣገዳሲ እዩ፡ ንውልቀ - ሰባትን ንኣካል ቤተ ክርስቲያንን ንዝጎድእ ቀለልቲ ፍርድታት ኢድና ከይሃብና። . . . “ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ድሮ ኣብ ብዙሓት ካብዞም ዝተጠቕሱ ጉዳያት ኣንፈት የቕርብ፡ እዚ ትምህርቲ እዚ ግን ሕጂ እውን ናብ ጉስነት ተግባር ምትርጓም ከም ዝሓትት ርዱእ እዩ።”

ምስማዕ

እቲ ጽሙር ሰነድ ብተመሳሳሊ ስክፍታ “ብሰንኪ ኩነታት ሓዳሮም፡ መንነቶም ወይ ጾታዊ ስምዒታቶም ምኽንያት ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝተገለሉ ወይ ዝተገለሉ ኮይኑ ዝስምዖም ሰባት” ክስምዑን ክስነዩን ኣለዎም ዝብል ዕድመ የሐድስ። “ኣብ ጉባኤ እቶም ነቶም ብቤተ ክርስቲያን ዝተጎድኡ ወይ ሸለል ዝተባህሉ ኮይኑ ዝስምዖም፡ ውሕስነት ክስምዖም፡ ዝስምዑሉን ቦታ ዝደልዩ፡ ብዘይ . . . ፍርዲ ፍርሒ ከይተሰመዓካ፥ ይብል። ክርስቲያን ኩሉ ግዜ ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣኽብሮት ከርእዩ ኣለዎም” (16 ሰ) ይብል።

ብዝሃተ ኣንስት

በመንጽር እቲ ኣብ ጉባኤ ሲኖዶስ ብገለ ኣባላት ሲኖዶስ ካብ ኣፍሪቃ ዝጸብጸብዎ ተመክሮታት (ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኤጲስ ቆጶሳዊ ጉባኤ ኣባይቲ ምኽሪ) ኣብ ኣርእስቲ ብዝሃተ ኣንስትን ኣብ ብዝሃተ ኣንስት ሓዳር ዝርከቡ ናብ እምነት ንዝመጹ ቲዮሎጊያውን ጉስነታውን መመያ ከነቓቕሑ የተባብዕ” (16 ቀ)።

ስነ ኣሃዛዊ ባህሊ

ኣብ መወዳእታ እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ስነ ኣሃዛዊ ሃዋህው ይዛረብ፡ “ሰባት ኣብ ኩሉ ትርጉምን ፍቕርን ዝደልዩሉ ቦታታት፡ እንኮላይ ብናይ ኢድ ተለፎን ዝኣመሰለ መጋበርያ ዝኣትውዎ ቦታታት ምብጻሕን . . . ንናይ ሎሚ ባህሊ ምብጻሕ ናትና ስራሕ እዩ” (17 ሐ)፡ ምትእትታው መርበብ “ከም ብምፍርራሕን፡ ስኑዕን ናይ ሓሶት ሓበሬታን፡ ብጾታዊ ምዝመዛን ወልፍታትን ዝኣመሰሉ መጉዳእትን ናይ ኣእምሮ ማህሰይትን ከስዕብ ከም ዝኽል” ኣመላኺቱ፡ “ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንኣባይቲ ስድራ ብኸመይ ክድግፎም ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ምእታው ህጹጽ ኣድላይነት ኣለዎ፡ እቲ ናይ መስመር ቦታ ውሑስ ክኸውን ጥራይ ዘይኮነስ ብመንፈሳዊ መዳይ ህይወት ዝሕብ መታን ክኸውን” (17 ረ)።

ጸብጻብ ሲኖዶስ፥ ንኹሉ እተሳትፍን ናብ ቁስሊ ዓለም እትቐርብ ቤተ ክርስቲያን
ጸብጻብ ሲኖዶስ፥ ንኹሉ እተሳትፍን ናብ ቁስሊ ዓለም እትቐርብ ቤተ ክርስቲያን
01 November 2023, 15:00