ድለ

Papa: insegnate pregare a bimbi, servir� nei momenti brutti Papa: insegnate pregare a bimbi, servir� nei momenti brutti  (ANSA) ርእሰ ዓንቀጽ

ጸጋ ጥምቀትን፣ ትውፊትን፣ ጨርሒ ቀሲሳውነትን

ዋና አሰናዳኢ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ብዛዕባ ምስጢረ ጥምቀትን ሰብ ሓደአዊ ጾታን ስግረ-ጾታን ንዝተላዕለ ሕቶታት ንምምላስ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጸ-እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ንዝሃቦ መልሲ አመልኪቱ መግለጺ አውጺኡ።

አባ ተወልደ መብራህቱ

እቲ ብ258 ሰማእትነት እተቐትለ ጳጳስ ናይ ሰበኻ ካርተጅ ዝነበረ ቅዱስ ሲፕሪያን አብ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ተሳቲፉ አብ ዘስምዖ ቃል "ምሕረትን ጸጋን ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን እተወልደ ሰብ ክኽልክል የብሉን" ይብል ነበረ። ብዘይካዚ ውን ቅዱስ አጐስጢኖስ ከምዚ ክብል ጽሒፉ ንረኽቦ ፦ "ንህጻናት መንፈሳዊ ጸጋ ኺወሃቦም ከሎ፣ እቶም ኣብ ሕቝፎም ሒዞምዎም ዘለዉ ኣይኰኑን ዘወፍይዎም ዘለዉ፣ ወላኳ እዞም ወልዶም እዚኣቶም ንፉዓት ክርስትያን እንተ ዀኑ፡ ኣብ መንጎ እቶም ነቲ ህጻን ዘወፍዩ ዘለዉ ውን እንተ ሃለዉ - ከም ምልአተ  ሱታፌ ቕዱሳንን ከም ክርስትያን ምእመናንን. . . ነቲ ህጻን እተወፍዮሲ እታ አዴና ዝኾነት ቤተ ክርስቲን ኢያ፡ እታ አብቶም ቅዱሳን ዘላ። ከመይሲ ንሳ እታ መላእ ቤተክርስቲያን ኢያ ንነፍስወከፎም እትወልዶም።"
 እዚ ኽልተ መረዳእታታት ካብ አበው ቤተክርስቲያን እተዋህበ ሓሳባት ጥምቀት ምሉእ ብምሉእ ናጻ ህያብ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ፣ አረ እኳ ደአ ነቲ እቶም ንኽጥመቕ ዝሓተቱን ነቲ ቘልዓ ክጥመቅ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘቕርብዎን ወለዲ ("ንፉዓት ኣመንቲ ወላ እኳ እንተኾኑ") ብዘየገድስ ዘለዎም ግደ እውን ከይተረፈ ተዛማዲ ምዃኑ ዘመልክት ኢዩ። እዘን ቃላት እዚኣተን ካብ ማንም ንላዕሊ ነቲ ሓደ ብራዚላዊ ጳጳሳ ብዛዕባ ጥምቀት ንዘቕረብዎ ሕቶታት ንምምላስ ብናይ ቅድስቲ መንበር ንጉዳያት ዓንቀጽ-እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዝወጸ መግለጺ ብዝበለጸ ዘብራሕርሁ ኢዮም።  

እቲ ብካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ ተፈሪሙ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝጸደቐ ሓጺር ናይ መግለጺ አዋጅ ምስቲ እዋናዊ ዝኾነ ስልጣነ-ትምህርት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ውህደት ከም ዘለዎ ዘመልክት ኢዩ። ከም ሓቁ እኳ ደኣስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እቲ ናይ ኵሎም ምስጢራት አፍደገ ዝኾነ ጥምቀት ብዝበለጸ እኳ ደአ ክዕጾ የብሉን፣ ቤተ-ክርስትያን ከኣ ናብ ጨርሒ ቀሲሳውነት ክትድይብ የብላን ጥራይ ዘይኮነስ፣ የግዳስ ንዅሎም ደቅሰባት ኣብቲ አጨናቒ ዝኾነ ናይ ህይወት መገዶም ሓንጐፋይ ኢላ ኽትቅበሎን ከተሰንዮን ከም ዘለዋ ብተደጋጋሚ ኣትሪሮም ተዛሪቦም ኢዮም።

እዚ ብዛዕባ ዓንቀጸ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝሃቦ መልሲ፣ ኣብታ ሎሚ ብውልታዊ አተሓሳስባ እትልለ ዘላ ናይ ዘመና ቤተክርስቲያን ብዙሕ ምጽራራት ኣለዓዒሉ ይርከብ አሎ ። ገለ ሰባት ንውሉድ እቶም ተጻመድቲ ሓደአዊ ጾታ ዘለዎም ሰባት (ባዕላቶም ወይ ዘዕበይዎም ውሉድ ወይ ውን ወሉድ ናይ ሓደ ካብኣቶም ውይ ውን ብተተካኢ አደነት ዝተወልደ) ናብ ምስጢረ ጥምቀት ምቕባል መሰል ምሃብ፣ ንኽልቲኡ ማለት “ንመውስቦ ሓደአዊ ጾታን ንልምድታት ተተካኢ አደነትን (አብ ቋንቋ ጣልያን “ክራይ ማሕጸን” ተባሂሉ ዝፍለፍ) ብስነ-ምግባር ቁቡል ከም ዝኸውን ዝገብሮ ኢዩ ዝብል ፍርሒ አለዎም።

ከምዚ ዝመሰለ ነቐፌታ ዘቕርቡ ሰባት ነቲ እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እቲ አብ ሥርዓተ ምስጢረ ጥምቀት መን ከም አቦ ወይ አደ ጥምቀት ኮይኑ ከገልግል ይኽእል ንዝብል ብሕቶን መልስን መልክዕ ንዘቕረቦ መግለጺ አጸቢቖም ክግንዘብዎ የድሊ።

እቲ አገዳሲ ኩነት ቅድሚ ኹሉ ነቲ አብዚ ዝተሃህበ መግለጺ ተወኪስዎ ንዘሎ አቐዲሙ “ነቲ አብ ዝሓለፈ እዋናት፣ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እዚ ጉዳያት እዚ ድሮ ዘረጋገጾ መሰረታዊ ትሕዝቶ ከም ብዝሓድሽ ምግንዛብ ከም ዘድሊ” ዘዘኻኽር ኢዩ። ነቲ ዝተወከሶ ነቲ አቐዲሙ በዞም ሕጂ ዘለዉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይኹኑ በቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ዝተአወጀ ግን ከአ ከም ንኡስ ምስጢር ወይ ከአ ተዓቂቡ ዘሎ አዋጃትት ኢዩ ዘጣቕስ።

አብ ርእሲ እዚ ውን እተን ልክተ ጥቕስታ ካብ አበው ቤተ ክርስቲያን ዝተወስዳ አብ መእተዊ ናይዚ ርእሰ ዓንቀጽ ዝጠቐስናየንን ካልእ ብዙሕ ጥቕስታትን ካብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ቀደም ቅዱስ ማሕበር ተባሂሉ ዝፍለት ዝነበረ፣ በቶም ክሮአሲያዊ ሊቀ-ጳጳስት ብጹዕ ካርዲናል ፍራንጆ ሸፐርን ከምኡ ውን ዶመኒካዊ ሊቀጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ጀሮም ሃመር ዝምራሕ ዝነበረ ዘውጽኦ ዕላዊ ሰነዳት ዝተወከሰን ኢዩ። እዚ መምርሒ እዚ ድማ ጉስነታዊ ንጥፈታት (Pastoralis actio) አብ ጥቅምቲ 1960 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ 2ይ ዝጸደቀን ብዛዕባ እቶም ዝቐረቡ እተፈላለዩ ተቓውሞታት አንጻር ጥምቀት ህጻናት ዝምልስን፣ አብ አገዳስነት ናይቶም “ዝተረስኡ ልምድታት” ሓዋርያዊ ምንጪ ዘለዎም ዝውከስን ክንክተሎም ከም ዘሎና ዘዘኻኽርን ኢዩ።

እቲ ብ1980 ዝወጸ ሰነድ ነቶም አብዚ እዋን እዚ ንጥምቀት ውሉድ ሓደአዊ ጾታ ዘለዎም ተጻመድቲ ምጥማቕ ንዝነጽጉ ብተዘዋዋሪ መንገዲ መልሲ ዝህብ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ነዞም ውሉድ እዚአቶም ብምጥማቕ ቤተ ክርስቲያን ንሓዳር ሓደአዊ ጾታን ልምድታት ክራይ ማሕጸንን ብስነ-ምግባር ቅዱል ትገብሮ አላ፣ እዚ ኸአ ጥምቀት ሕጻናት “ብሓቂ ወንጌላዊ ከም ምዃኑ፣ ነቲ ተበግሶ ናይ አምላኻን ከምኡ ውን ነቲ ንኹሉ ዙርያ ህይወትና ከቢብዎ ዘሎ ጸጋዊ ዝኾነ ብነጻ እንቕበሎ ናይ አምላኽ ፍቕሪ ብምግላጽ ናይ ምስክርነት ሓይሊ ዘለዎ ከም ምዃኑን፣ ‘ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና ደአ እምበር ንሕና ስለ ዘፍቀርናዮ አይኮነን. . . አምላኽ ቅድም ስለ ዘፍቀረና ንሕና ውን ንፍቅር ኢና’ (1 ዮሓንስ 4፡10-19)”። ብዘይካዚ "አብ ጥምቀት ዓበይቲ እውን እንተ ዀነ ጥምቀት ኪግበረሎም ዝሕተትዎም ነገራት ነቲ ‘ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኮነስ ብምሕረቱ፣ ማለት በቲ ካልአይ ልደት ዝህብ ምሕጻብን ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን አድሓነና፣’ (ቲቶ 3፡5) ንዝብሎ ከረስዓና የብሉን።”

እቲ ቕድሚ ኣርብዓ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘጽደቕዎ መምርሒ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያትን ዘሎ ለውጥን ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ኣብ ግምት ከም ዘእተወ ፍሉጥ ኢዩ - "ሓድሓደ እዋን እቶም ውሑድ እምነት ዘለዎምን ንእምነቶም ዘይነብርዎን ብኹነታት ተደሪቶም ጥራይ አብ ሃይማኖትም ዝሳተፉ  ወለዲ አረ እኳደ እቶም ክርስትያን ዘይኰኑ ወለዲ እውን ከይተረፉ አብ ግምት ክአቱ ዘለዎ ብቑዕ ምኽንያት ሒዞም ንደቆም ከጠምቑሎም ናብ ጓሶት ይቐርቡ ኢዮም።" ሓደ ሰብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንታይ ክገብር ኣለዎ ? እቲ መለክዒ ተቐባልነት ከም ዘለዎ እኳ እንተ ተገንዘብና፣ እቲ ናይ 1980 ሰነድ ግን እቲ ህጻን "ግቡእ ክርስትያናዊ መዕበትያ ከም ዝረክብ" ርግጽነት እንተድኣ ተረኺቡ ሥርዓተ ምስጢረ ጥምቀት ክፍጸመሉ ከም ዘለዎ ዝሕብር እኳ እንተዀነ "ምስዚ ርግጽነት ብዝምልከት ዝተተሓሓዘ ፣ንክርስትያናዊ መዕበያ እቲ ውሉድ ሓደ መሰረት ዘትሕዝ ተስፋ ዝህብ ዝዀነ ይኹን መብጽዓ እኹል ገይርካ ክውሰድ ኣለዎ" ይብል። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቍምስናታት ዚግበር ዘሎ ልምዲ ነቲ ኢየሱስ ናዝሬታዊ ዝሓደገልና ኣብነት ብምስዓብ ንነፍሲ ወከፍ ዝጠፍኣት በጊዕ ንምርካብ ደኺመ ኸይበለ አብ ዘናድየሉ ዝሎ እቲ አፍደገ ምድሓን ዕጹው ምእንቲ ከይከውን እቶም አዝማዱ ኣብ ቅድሚ ቤተ-ክርስትያን ዝአትትውዎ ቃል መብጽዓ እኹል ምዃኑ የረጋግጽ።

አብዚ ዘመን እዚ ነቲ ንሓጥኣን መድሃኒት ዝኸውን ደአ እምበር ነቶም ፍጹማት ዘይኰነ ብመንገዲ ቅዱሳት ምስጢራት አቢሉ ዝዓዩ ጸጋ ዝያዳ ኽንኣምንዶ ኣየድልየናን ኢዩ? ነቲ ኢየሱስ ቅድም ዘፍቅሮም መጀመርታ ይቕረ ዝበለሎምን ምሕረት ዝገብረሎን፣ ከምኡውን ልቢ ሰባት ንኽልወጥን ንኽንሳሕን ዝድርኸሉ ማሙቅ ዝኾነ ሕቝፉ ናብ ዘርእየና ግጻት ቅዱስ ወንጌል ክንጥምት ዶ ኣይግብኣናን ኢዩ?

ህጻናት ከ እንታይ ጕድለት ኣለዎም ? ይኹን እምበር ንሳቶምሲ ወትሩ ፍቑራትን ናብ ዓለም ዝመጹ ብሉጻት ፍጥረት ኣምላኽ እዮም ። እሞኸ ደኣ ኣብቲ ሰባት ድሕረ-ክርስትና ናብ ዝብሃል ልምድን ኩነታትን ዘአተዉሉ ዘለዉ ዘመን፣ አብዚ ጥምቀት ዝተረሰዓሉን ብልምዲ ጥራይ አብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋናት፣ ውሉዶም ሒዞም ብምምጻእ ጥምቀት ምስ ዝሓቱና አብቲ ኣወንታዊ ነገራት እንተ ኣተኰርናዶ ኣይምሓሸን?

ሓደ ናይ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዓብዪ ኣቡን ዝነበሩ ኣብ ሓምለ 1978 ብዛዕባ እታ ናይ መጀመርታ "ብናይ ፈተነ ቱቦታት ዝተወልደት ሕጻን" ሉዊስ ብራውን አመልኪቶም ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትትን ንዝለገጽዎ ቓላት እንደገና ምንባብ ዘጸናንዕ ኢዩ። ካብ ስድራቤታዊ ኩነት ወጻኢ ዝኾነ "ናይ ሕጻናት ፋብሪካታት" ክለዓል ከም ዝኽእል ዘሎ ሓደጋ ብምኹናን ይዝክርዎ፣ ነቲ ሕክምናዊ ፈተነ ዝነበሮ ኒሕ ከአ “ብኸፊል ጥራይ” ከም ዝሰምሩሉ ገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ዘለዎም “ጽቡቕ ትምኒቶምን ነታ ሕጻን” ገለጹ ንወለዲ ድማ ፍቕራዊ ሓሳባቶም ለገሱሎም ፣ “ክኹንኖም መሰል የብለይን: ብግላዊ አተሓሳስባኦም ሓደ ብቕኑዕ ዝበልዎ ዕላማን ብጽቡቕ ድሌትን ብምሓዝ እንተተዋሲኦም፣ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እውን እንተኾነ በቲ ዝወሰኑዎን ንሓካይም ክፍጽምዎ ዝሓተትዎን ዓቢ መርገጺ ክህልዎም ይኽእል እዩ”፣ ክብሉ ገለጹ። እዞም አቡን እዚኦም ብጹዕ አቡነ ኣልቢኖ ሉቺያኒ እንክኾኑ፣ አብቲ ግዜ እዚ ፓትርያርክ ናይ ቨነሲያ ዝነበሩ ድሕቲ ሓደ ወርሒ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ብዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ዝተጸውዑ አብዚ እዋን እዚ ብጹዕ ተባሂሎም አብ መዝገብ ጽዕና ዝሰፈሩ ኢዮም።

(ብአንድረያ ቶርኔሊ)

13 November 2023, 19:24