ድለ

2023.11.27 Visita Parolin scuola vaticana biblioteconomia incontro studenti 2023.11.27 Visita Parolin scuola vaticana biblioteconomia incontro studenti 

ካርዲናል ፓሮሊን፦ ቤት ትምህርቲ ስነ-ቤተመጻሕፍቲ ቫቲካን ተግባራዊ ክእለት ይምህር

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ነቲ ሓድሽ አብ ጐደና ኮንቺሊአዚዮነ ዝርከብ ህንጻ ቅድሚ ምብራኾምን ምምራቖምን ንተምሃሮን መምህራንን ናይቲ ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ዓውደመጽናዕትን ንድሕረ ምርቓ ዘሰናዱ ተቕዋም አካል ናይ ቫቲካን ሓዋርያዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ቤተ ምርምምር ዝኾነ፣ እዚ ናይ ኩርዓትኩም ምልክት ኢዪ ክብሉ አተባብዕዎም። ንመበል 90 ዓመት ምስረታ ናይዚ ቤት ትምህርቲ ምኽንያት ብምግባር ንጥንታዊ መጻሕፍቲ ምክንኻን በዳሂ ኩነት ከም ምዃኑ አብ ግምት ብምእታው ንሓደስቲ ምዕባለታትን ኣገልግሎትን ተኽእሎታት ንምሃብ ንሊቃውንትን ኣንበብትን ኩፉት ክኸውን ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን መበል 90 ዓመት ምስረታ ቤት-ትምህርቲ ስነ መጻሕፍቲ ቫቲካን ምኽንያት ብምግባር አብቲ ዝተኻይደ ጽምበል ተሳቲፎም። እዚ ቤት ትምህርቲ ብሕዳር 1934 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል ዓሰርተው ሓደ ዝተመስረተ ኢዩ። ሳላ እዚ ተቕዋም እዚ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍቲ ቫቲካን ንተመሃሮ ድሕረ ምረቓ ዝህቦ ናይ ክልተ ዓመት ስልጠና "ከም ቤተ-ምርምር አፍደጌኡ ከፊቱሎም አሎ፣" በዚ ከምዚ እምበር ቤት ትምህርቲ ስነ-መጻሕፍቲ ቫቲካን እውን "ተግባራዊ ዝኾነ ክእለት ይልግስ ብምህላው ብሉጽነቱ የርኢ አሎ”። ተልእኾ ናይዚ ቤት ትምህርቲ እዚ "ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ፍልጠትን ኣገባብ መጽናዕትን ናብ ትምህርታዊ ኩነቱ ምትርጓም" ዝዓለመ ኢዩ።

ኣብዚ 90 ዓመት ዝሰልጠኑ ብሉጻት ክኢላታት

ሊቀ-ጳጳሳት ዛኒ ከምኡ ውን ኣመሓዳሪ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣባ ማውሮ ማንቶቫኒን ኣብ ካልኣይ ደርቢ ናይቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ንብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብኽብሪ ተቐበልዎም። ካርዲናል ፓሮሊን ምርቃ ናይቲ ሓድሽ ህንጻን ንዝኽሪ መበል 90 ዓመት ምስረታ ናይዚ ተቕምን ምኽንያት ብምግባር አብ ዘስምዕዎ ቃል "እዚ ንብዙሓት ንፉዓት ክኢላታት ማለት ካህናትን ምእመናንን ዘሰልጠነ ተቕዋም ከም ብሓድሽ ምጅማሩ ከም ዘሓጐሶም" ገለጹ።“ ብዛዕባ ሓደ ዓቢይ ተቕዋም ኢና ንዛረብ ዘሎና፣ ክኢላታት ናይ  ዓበይቲ ይኹን ንኣሽቱ ቤተ-መጻሕፍቲ፣ ሊቃውንቲ ናይ ሥነ-ቤተመጻሕፍትን ታሪኻዊ ሥነ ጽሑፋትን፡ ስልጠና ስነ ምሕደራ መጽሕፍትን ዘፍረየ ከም ምዃኑ፣ እዚአቶም ድማ "ኣብ እተፈላለየ ዕዮታት ናይ ቅድስቲ መንበርን ቤተ-መጻሕፍቲ ቫቲካንን ዝሰርሑ ውልቀ-ሰባትን ካብ አባላት ቤተ ክህነትን ከምኡ ውን ኣብ መወዳእታ ዳርጋ ብዛዕባ ዅሎም ሊቃውንትናን" ኢና እንዛረብ ዘሎና።

ንመጻኢ ዚኸውን ብድሆታት

ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ፣ ናብ መጻኢ ብምጥማት ተማሃሮን መምህራንን ናይዚ ተቅዋም ሓደ አገዳስን ህጹጽን ብድሆ ይጽበዮም ኣሎ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ከኣ 30 ዝዀኑ ተማሃሮ ይምዝገቡ አለው ብዙሓት ካልኦት ግና እዚ ዕድል እዚ ዘይረኸቡ አለዉ ። ብዛዕባ "ምዕቃብን ምምሕልላፍን ባህሊ" ከምኡውን ብዛዕባ "ነቲ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዚወሃቦ መጻሕፍትን ኣዝዩ ጥንታዊ ዝኾነ ኣሰርን ምክንኻን ከምኡውን ነቲ ዘይተበጽሐ ዶባት መጽናዕትን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን አፍደገ ዝኸፈተ ከም ምዃኑ ከም’ኡ ውን ንሓድሽ መሳርሒታትን ተክኖሎጅን ክፉት ምዃኑን" ድማ ገለጹ ። ልዕሊ ዅሉ ድማ እቲ ብድሆ ዝኸውን  "ኣብ ኣገልግሎት እቶም ናብ ቤተ-መጻሕፍቲ መጺኦም ዘንብቡን፣ ዘጽንዑን፣ ዝመራመሩን፣ ዘስተንትኑን ሰብት ድልዋት ኮይንኩም ክትርከቡ፣ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ዕዮ ዀን እዩ!" ክብሉ አተባብዕዎም።

ካርዲናል ፓሮሊን አብ ቤት ትምህርቲ ስነ-ቤተመጻሕፍቲ ቫቲካን
ካርዲናል ፓሮሊን አብ ቤት ትምህርቲ ስነ-ቤተመጻሕፍቲ ቫቲካን

ንኣህጉራዊ ጻዕሪ ኣፍልጦ ምሃብ

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ቀጺሎም "ካብ 2018 ክሳዕ ሎሚ ኣገዳሲ ስጕምትታት ከም እተወስደ" ብምዝካር ዝተሰምዖም ዕግበትን ኵርዓትን ገለጹ ። "እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኰይኑ ኣሎ፣ ምስ ላዕለዎት ተቕዋማት ብምንጽጻር ብዙሕ ተመክሮታት ክድልብ ይርከብ አሎ፣ ስለዚ ነቲ ኣብ ኣውሮጳን ዓለምን ዘሎ ሓፈሻዊ ምሕዳስ ናይ ዝለዓለ ትምህርታዊ ተቅዋማት ብወግዒ ምላሽ ክህበሉ ይርከብ አሎ ኣሎ።"  እዚ ኸኣ ኣብ ተክኒካዊን ባህላውን መንፈሳውን መሰረታቱ ከይሓደገ "ብዓለምለኻዊ ደረጃ ሕጋዊ ተፈላጥነት ዝረኸበ" ትካል ንምዃን ኣድላዪ ግብረ መልሲ ንምሃብ ዝተገብረ ኢዩ። ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መነብር ካርዲናል ፓሮሊን "ነዚ ብዝለዓለ ደረጃ ዓለም ለኻዊ ውዕል ርክባት ብዘካተተ መንገዲ እተገብረ ዘደንቕ ጻዕሪ" ከም ዝድግርፍዎን ከምኡውን ከም ዘተባብዕዎን ኣረጋገጹ። እቲ ኣብዚ ቀቕዋም ዝግበር ዘሎ መጽናዕትን ስልጠናን እቶም ካልኦት መናብርተ ጥበብን ተቕዋማትን ምሉእ ብምሉእ ኣፍልጦ ዝህቡሉ ጥራይ ዘይኰናስ ምሉእ ብምሉእ ዝስዕባኦ ክኾና ኣለወን።" ድማ ኢሎማ።

ካርዲናል ፓሮሊን አብ ቤት ትምህርቲ ስነ-ቤተመጻሕፍቲ ቫቲካን
ካርዲናል ፓሮሊን አብ ቤት ትምህርቲ ስነ-ቤተመጻሕፍቲ ቫቲካን

ሊቀ-ጳጳሳት ዛኒ፦ ኣብ መንጎ ተመሃሮን ፕሮፌሰራትን ዘሎ ሓያል ርክብ

ድሕርዚ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ነቶም አብቲ አጋጣሚ ዝተረኽቡ 9 መምህራንን 30 ተምሃሮን ናይቲ ቤት ትምህርቲ በብሓደ ሰላም በልዎም። ነቲ ኣኼባ ዝኸፈትዎ ሊቀ ጳጳስት ዛኒ አብ ዘስምዕዎ ቃል "እዛ ተቕዋም እዚአ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ሥርዓተ ቤተ-መጻሕፍቲ ፍሉይ ክእለት ዘለወን ሒደት ኣብያተ-ትምህርቲ" ምዃና ኣጕልሑ። ኣብ ርእሲዚ ውን እቲ አብዚ ተቕውም እዚ ዝካየድ ስልጠናታት በቲ ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ቫቲካን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ እተፈላለያ ናይ ሮማ ተቅዋማት እውን አፍልጦ ዘለዎ "ሰፊሕ ናይ ቤተ-ምርምር ንጥፈታት" ውን ኢዩ ድማ በሉ። እቲ አብዚ ተቅዋም እዚ ዝሰልጠነ በዓል ሞያ  ቤተ-መጻሕፍቲ ከአ ነቲ "ኣብ ትምህርታዊ መዳያት ነቲ አብ መንጎ ተማሃሮን መምህራንን ዘሎ ንጡፍ ርክብን" ነቲ "ስርዓተ ትምህርቲ ዝጥቀመሉ ኣብ ንጥፈታት ቤተ-መጻሕፍቲ ዝግበር ቀጻሊ ስልጠናታትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ ዝወሃብ ምርምርን ዝልክዓሉ ጭቡጥ ተመክሮ" ዘለዎ ምዃኑ ገሊጾም ። ኣብ መወዳእታ ሊቀጳጳሳት ዛኒ ነቲ "ንእተፈላለየ ትግሃትን ንጥፈታትን ናይዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ብቐጻሊ ዝድግፍ" ናይ ቅድስቲ መንበት ብዛዕባ ጉዳይት ባህሊ ዝግደስ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት አመስገኑ።  ከም እንደገና ውን  ምቹእ ባይታ አብ ዝተረኽበሉ ኩነታት ነቲ ናይ ኣሰራርሓ መኻይዱ ከም ዘመሓይሾ አመልከቱ። ሊቀ-ጳጳሳት ዛኒ አስዒቦም እዚ ሕጂ ዝሎ መዋቕር ናይዚ ተቅዋም ስሉጥ እኳ እንተዀነ፣ አብ ቀጻሊ ምስቲ ምዕቡል ተክኖሎጅያዊ ስልጣኔታት ብዝተሓሓዘ ገለ ለውጥታት ክገብር ከም ዘለዎ ለበዋኦም አቕረቡ ።

መዛግብትን ኣብያተ- መጻሕፍትን ኣዕኑድ ዓለምለኻዊ ስሕበት

ኣብ መወዳእታ እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ሊቀ-ጳጳሳት ዛኒ ኣብ እዚ ተቕዋም እዚ ኣብ ዓለም ቀዳማይ ቤት ትምህርቲ ስነ -ቤተመጻሕፍቲ ቫቲካን ከም ምዃኑን ከምኡ ውን ቤት ትምህርቲ መዛግብትን ስነ-ጽሑፋትን ቫቲካን ብ2024 መበል 140 ዓመት ዝኽሪ ምስረታኡ ኸም ዘኽብር ውን ኣዘኻኸሩ። ዜና ቫቲካን ከም ዝገለጾ "ቤተ መዛግብቲ ቫቲካንን ቤተ-መጻሕፍቲ ቫቲካንን ነቲ እንዕቅቦ ናውቲ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እተሰርሐ ተግባራዊ ክእለታት አብ ምዕባይ ዓለምለኻዊ ስሕበት ከም ዝረኸበ" የመላኽት። ቤተ መጻሕፍቲ ቫቲካን ንባዕሉ ሃገራዊ ወይ ናይ ሓደ መንበረ ጠበብ ቤተ-መጻሕፍቲ እኳ እንተ ዘይኰነ ግን ከአ ክልቲኡ ኢዩ፣ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ፍልይ ዝበለ ሰነዳት ዝውንን ቤተ መጽሕፍቲ እውን ኢዩ ። ኣብ መወዳእታ ዛኒ እቲ ናይ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣገልግሎት ዘለዎ ጥቕሚ ድሕሪ ምግላጾም ብዛዕባ ኣባላት ናይቲ ተቅዋምን ከምኡ ውን ብዛዕባ እቲ እዚ ቤት ትምህርቲ ዝህቦ ስልጠናታትን ንኣካለ ስንኩላን ሰባት አብ ግብምት ብዘእተወ ኣገባብ ኽመሓየሽ ዘለዎም ሰናይ ምንዮት ገሊጾም ።

28 November 2023, 15:39