ድለ

Guerra Medioriente - Bombardamenti israeliani sui territori palestinesi Guerra Medioriente - Bombardamenti israeliani sui territori palestinesi  (ANSA) ርእሰ ዓንቀጽ

ምስቶም ግዳያት ደው ብምባል 'ኣይፋል' ንውግእ ምባል

ንልዕሊ ሓደ ዘመን አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ንውግእ ከም ዝነጽግዎ ገሊጾም እዮም ። ግጭት አብ ዝሃለወሉ ኩሉ እዋናት ቅድስቲ መንበር ምስቶም ብኽልቲኡ ወገን ዚሳቐዩን ንሳዕቤን ዓመጻ ዋጋ ዝኸፍሉን ንጹሓት ግዳያት ደው ክትብል ኢያ እትጽዕር።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ንልዕሊ ሓደ ዘመን ቅድስቲ መንበር ብሰንኪ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ውግእ ራዕዲታትን ከምኡውን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ እተራቐቐ ኣዕናዊ ኣጽዋራትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣዋጃት ንውግእን "ኣይፋል" ብምባል ብጽኑዕ ክእውጅ ጸኒሓ አላ ። ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በንዲክት መበል 15 ኣንጻር እቲ ዓብዪ ውግእ እተገብረ "ዘይጠቅም ጃምላዊ ቕትለት" ዘቕረብዎ ትንቢታዊ ጻውዒት ኣትሒዙ፣ ኽሳዕ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ሰብኣውነት ከም እተሳዕሩ ገይሮም ብምግላጽ ብዛዕባ ውግእ ደጋጊሞም ዘመሃላለፍዎ መልእኽትታት፣ ከምኡ ውን ስልጣነ አስተምህሮት ናይ ሮማ ጳጳስት "ግቡእ ውግእ" ዝበሃል ከም ዘየለን ከምኡውን መሰል ርእሰ-ምክልኻል እውን ከይተረፈ ብኣግባብ ክኸውን ከም ዘለዎ ከምቲ ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን እትምህሮ ኣነጺሮምን ኣዕሚቘም ገሊጾሞ ኢዮም።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ጨካን ውግእ ካብ እትጅምር ኣትሒዞም፣ ከምኡ ውን ድሕርዚ ኣብ ቐረባ ሰሙናት ጉጅለ ሓማስ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን እስራኤላውያን ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ስዒቡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ጋዛ ንዝነበረ ሓያሎ ኣባይቲ ኣዕነወ፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ንጹሃት ፍልስጥኤማውያን ከኣ ቀተለ፣ ከም መርገጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ከኣ ነቐፌታ ተለዓዒሉ አሎ ። እዚ መርገጺ እዚ ንነዊሕ እዋን ገለ ገለ ሰባትን ከም መርገጺ ሃገረ ቫቲካን ብምኽንያት እቲ መጠኑ ዝሓለፈ ክሌአዊ ስነ ሜላዊ ርክባት ንጌጋታትን ድራኸታትን እቶም ዚጋጨዉ ዘልዉ ጕጅለታት ገምጋም ክትህበሉ ኸም ዘይከኣለትን ገለልተኛ ክተከውን ከም ዝመረጸት ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። 

ስለዚ ቅድስቲ መንበር አብ ቅድሚ እቶም ዝካይዱ ዘለዉ ውግአት "ገለልተኛ" ክትከውን ወይ "ማእከላዊ" ዝኾነ መንገዲ ከም ዘይመረጸት ጌርና ክውሰድ የብሉን። ኣብ ክንድኡስ ወትሩ ኣድልዎ ዘይብላ ክኸውን ብማለት ኣብቲ ግጭት ከይአተወት ወይ ሓደ ጸግዒ ዝሓዘት ከይመስል ንኹሉ "ብማዕረ ክትቐርብ" ኢያ እትጽዕር ። ማለት ምስቶም ውግእ ዜለዓዕሉ ዘይኰነስ ምስቶም ዚሳቐዩ፡ ምስቶም ብሳዕቤትን ውግእ ዋጋ ዚኸፍሉ ዘለው ሰላማውያን ሰባት፡ ምስቶ ዝቕተሉን ምስ ዝጉድኡን ዘለውን ምስ ኣዴታትን ኣቦታትን እቶም ዝሞቱ ወተሃደራትን ከምኡውን ምስቶም ግዳያት ግብረ-ሽበራ ዝዀኑ ዘለዉ ንጹሃት ሰባትን ደው ብምባል ዘለዋ መርገጺ አነጺራ ኢያ ።

መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ነቲ መለለዪ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ውግኣት ጥራይ ዘይኰነስ ብሓፈሻ ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ዘሎ እውን ብምንጻግ ነዚ መርገጺ ናይ ቅድስቲ መንበር እዚ ክስዕብዎ ደአምበር ካልእ አማራጺ የብሎምን ። ነቲ ውግእ ደው ንምባልን ብዛዕባ ፍትሓዊ ሰላም ንምምይያጥን ኢልካ ንዝግበሩ ዘተታት መትረባት ምስ ኵሉ ንምክፋት ደአ እምበር ማዕጾኻ ዘይምዕጻው፣ ከምኡ ውን ብዛዕባ እቶም ንጹሃት ዝኾኑ ግዳያት ምሕሳብን፣ ብዛዕባ እቲ ግጭት ዜምጽኦ ሰፊሕ ጠንቅታት ብምሕሳብ፣ ናይ ጽልእን ሰይጣናዊ ቃላት ዘይምጥቃም ክበሃል ከሎ ነቲ ኩነታት ጭቆናን ጨቋኒ አካል ከም ዘየሎ ሸለል ምባልን፣ ሕጋዊ መሰል ንርእስኻ ምክልኻል ከም ዘሎ ምንጻግን ከም ማለት ዘስምዕ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ንመጻኢ ንጹሃት ሰባት ምክልኻልን፣ ነቲ ድኹም ብልጭታ ተስፋ ናይ ሰላም ዘይምጥፋእን፣ አብ ክሌአዊ ስነ-ሜላዊ ርክባት ብምእማን ንዅሉ ደቀቕቲ ምልክታት ተስፋ ክፉት ብምዃን ንኹሉ ክመጽእ ዝኸል ነገራት ዘይምዕጋት፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ብዛዕባ መወዳእታ ናይቶም ግዳያትን ስንኩላን ካብ መረበቶም እተመዛበሉን ምጭናቕ ማለት ደአ እምበር ። ብዘይካዚ ካብ ውልታዊ ኣተሓሳስባን ካብ ወገንተይና ዝኾነ ኣተሓሳስባን ምውጻእ ማለት እዩ።

ነቲ ግብረ-ሽበራውያን ጉጅለ ሃማስ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን እስራኤላውያን ዘውረድዎ ኢሰብኣዊ መጥቃዕቲ ምዅናን፣ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ሰራዊት ቴል-አቪቭ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቃዛ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ንብዙሓት በርገሳውያን ሰባት ግዳያት ዝገበረ ዘሕዝን ፍጻመን ዝገበሮ ኢሰብአዊ መዓትን ጥርጣሬታትን ሕቶታትን ክለዓዕል ይኽእልዶ?

ተዓወት ክበሃል ዘይግቡእ ብዝሕ ግጭታት ኣሎ፣ እዚ ሕጂ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት ከአ ሓደ ካብኡ ኢዩ፣ ከመይሲ ክልቲኦም ወገናት ሓላፍነት ክስከሙ ኸለዉ ክልቲኦም ወገናት ከኣ ምኽኑይ ዝኾነ ኩነት የብሎምን ።

ብዛዕባ እዚ ዘሎ ቐጻሊ ውግኣት ጸብጻብ ክንህብን ከነስተንትንን ከሎና እቲ ንዅሎም ደቅሰብ ናብ ዓለምለኻዊ ውግእን ርእሰ-ጥፍኣትን ከስዕብ ከም ዝኽእል ብምጥንቃቕ እዞም ሕጂ ዘለዉ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዝበልዎ ትንቢታዊ ቓላት ከም መሪሕ መስመር ብምግንዛብ ኢዩ ። ሓቅታትን ካብ ግላዊ ርእይቶታት ብምፍላይ ከምኡ ውን ንርኢቶታትና ካብ ርኢቶታት ካልኦት ብምፍላይ ኣብ ጋዜጠይናነት ክንጽመድ ኢና እንጽዕር ዘለና። ብዛዕባ እቲ ንናይ ካልኦት ርኢቶታት ጸብጻብ ምሃብ ማለት ንናይ ዜና ዘገባ ይግባእ ኢዩ ዝበልናዩም ርኢቶታት ምክፋል ማለት ውን አይኮነን።  ኣብ ክንድኡስ ነቲ ኣዝዩ ጥንቁቕን ብዙሕ ሚዛናዊ ዝኾነን ካብ ርኢቶታት ዝሓቐን ድምጺ ብምጕላሕ ነቲ ኩነታት ክትርድኦ ምጽዓር ማለት ኢዩ ።

21 November 2023, 16:03