ድለ

2023.11.13 Officiali della Segreteria per l'Economia 2023.11.13 Officiali della Segreteria per l'Economia  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ቁጠባ ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ምስ ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ካዕለዎት አካላት ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ቁጠባ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራኺቦም፣ ናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ማክሲሚኖ ካባሌሮ ሌዶ ድማ ንዕቤትን ብድሆታትን ናይቲ ዝተገብረ ተሓድሶ ላዕለዎት መዋቕራት ቅድስቲ መንበር ገሊጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዞም ለዕለዎት አካላትን ተሓባበርትን ንናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ቁጠባ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝሓለፈ ሰኑይ 13 ሕዳር ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዕጹው አኼባ ተራኺቦም ።

እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዓውዲ ስርዓተ ቁጽጽርን አብቲ ናይቲ ቅድስቲ መንበር ቍጠባውን፣ ገንዘባውን፡ ምምሕዳራ ሰብኣውን ንዋታውን አቕምታት ዝሰርሕ ላዕለዋይ አካል ቤተክርስቲያን ኢዩ ።

ናይዚ ቤትጽሕፈት ህየንተ ማክሲሚኖ ካባሌሮ ሌዶ ኣብ መእተዊ ናይዚ አኼባ አብ ዘቕረቦ ሓጺር ሰላምታ - "ናይ ቅድስቲ መንበር ቍጠባዊ ተሓድሶ ካብ ዝጅምር እተወልደ ተቕዋም ብምዃኑ፣ እዚ ተቕዋምና ገና ሓድሽ ኢዩ ዘሎ ፣ እዚ ተቕዋም እዚ ምስቲ በብደረጃኡ ዚግለጽ ዘሎ ትርጕም ናይቲ ተሓድሶ ላዕለዎት መዋቅርት ቅድስቲ መንበር፣ ብሓፈሻ ብሕድሪ ሂቡና ዝሎ ኣብ ቍጠባዊ ጕዳያት ርእሰ ምእኩል ተቕዋም ኮይኑ ንኽሰርሕ ኢዩ ።"

እቶም ህየንተ ናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ከም ዝገለጽዎ አብ ቝጠባ ነቲ ኣብ መንጎ ስርዓትን ቍጽጽርን ሚዛኑ ንምሕላው ዚግበር ቀጻሊ ጻዕሪ ኺድግፍ ከም ዚጽዕር ኣጕልሑ፣ እዚ ኸኣ ንድሩት ዓቕምን ዕቝባን ኣብ ግምት ብምእታው ኣድላዪ ምኹኑ እንከመልክቱ ፣ ኣብ ምምሕዳር ድማ ውጽኢታውን ቅልቱፍ ስጉምትታ ከም ዜድሊ ብምግላጽ ፣ እዚ ኸኣ ተልእኾ ጳጳስ ሮሜን ናይቲ አብ ክንዳኦም ኮይኑ ዝሕግዞም ላዕለዋይ አካል ቤተክርስቲያን ምዃኑን አነጺሮም ገለጹ።

ካባሌሮ ነቲ እዚ ቤት ጽሕፈት ቝጠባ፣ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ዘተኰረሉ ቐንዲ ተሓድሶታት ብምግላጽ ሳላ ዅሎም ሰራሕተኛታትን ተሓባበርትን እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ኽሳዕ ሕጂ ንእተገብረ ዕቤት ንምግላስ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሙ ኢዩ።

ኣስዕብ ኣቢሉውን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ መዓልታዊ ኣገልግሎት ንምቕጻል ኣበርክቶ ኽገብር ኣድላዪ ስለ ዝዀነ ብግሉጽነትን ብልግሲ ብዝመልኦን ጻዕሪ ኣብዚ ተልእኾዚ ምቕጻል ኣድላዪ ምዃኑ ገለጸ ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ካባለሮ ነቲ ድሮ ዝስርሓሉ ዘሎ ሓድስቲ ሜላታት ንምምሕያሽን ኣብ መጻኢ ቁጠባዊ መዋቕር ቅድስቲ መንበር ቀጻልን ውሕስነት ዘለዎን ንምግባር ኣብ እተፈላለየ ዓውድታት ገና ብዙሕ ዝዕየ ዕዮ ከም ዘሎ ገለጸ ።

ኣብ መደምደምታ ንቅዱስነትም ብምምስጋን በቲ ገና ዘይተዛዘመ ዘሎ መገዲ ንምስጓም ደገፍ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣድላዪ ምዃኑ ብምጕላሕ፣ ነቲ ቅዱስነቶም ምስ እዚ ቤትጽሕፈት ቝጠባ ዘለዎም ጥቡቕ ርክብ ደጊሙ ኣመስገኖም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ውን ብወገኖም ንነፍሲ ወከፍ አባል ኣብኡ ዝተረኽቡ ሰላምታ ቕድሚ ምቕራቦም ነቲ ድሮ ተጀሚሩ ዘሎ መገዲ፣ ማለት ነቲ ብዛዕባ ግሉጽነትን ጽፈትን ምቍጽጻርን ከምኡውን ነቲ በብግዜኡ እና ማዕብለ ዝኸይድ ዘሎ ውጽኢታውን ዝዀነ ኣሰራርሓታት ብንቅሓት ክሰርሑሉ ዓደምዎም ።

16 November 2023, 21:53