ድለ

ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤም ‘ፍታሓዊ ሰላም’ ክህሉ ጻውዒት ተቕርብ ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤም ‘ፍታሓዊ ሰላም’ ክህሉ ጻውዒት ተቕርብ  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤም ‘ፍታሓዊ ሰላም’ ክህሉ ጻውዒት ተቕርብ

ቅድስቲ መንበር ንጠለባት ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዘማልእ ፍትሓዊ ሰላም ክህሉ ትጽውዕ። ብተወሳኺ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኩነታት ቃዛ ስክፍታአ ትገልጽ፡ ከምኡ እውን ነቲ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንህዝቢ ዝህቦ ናይ ሓገዝን ሓለዋን ኣገልግሎት ውሑስ ምግባር ከም ዘድሊ ተተሓሳብን ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ክቐርብ ጻውዒት ተቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 6 ሕዳር 2023 ዓ.ም. ኣብ ኔው ዮርክ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኩነታት ቓዛ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዝተሳተፉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቻ ኣብ ዘስምዕው መደረ፥ ኣብ ቓዛ ሓለዋ ሰላማዊ ህዝብን ጻዕሪ ፍትሓዊ ሰላምን” ወሳኒ ምዃኑ ገሊጾም፡ “ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓመጽ እናወሰኸ ብምምጻኡ ዘሕዝንን ዘሰብድን ሳዕቤናቱን ደረጃ ዘስዕቦ ኩለ መዳያዊ ስቓይን” ከም ዝነቐፉን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅድስቲ መንበር ነቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ብሓማስን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት ዝተዳለወ 1,400 ሰባት ዝቐተለ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ከም እትኹንን ደጊሞም ኣረጋጊጾም። ብጀካ እቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ካልኦት ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ብዙሓት እውን በቶም ዕጡቓት ሓይልታት ጅሆ ከም እተተሓዙ፥ ኣብ ቓዛ እስራኤል ኣብዚ ን31 መዓልታት ኣብ ልዕሊ ናይ ሓማስ ትሕተ ቅርጽታት ብዝፈነወቶ ናይ ግብረ መልሲ መጥቓዕቲ ዓሰርተ ሺሕ ሰባት ብጭካነ ከም ዝተቐትሉ ዝተፈላለያ ማዕክናት ከም ዝሕብራ የዘኻኽሩ።

ካብቶም ዝተቐትሉ 4,104 ብዙሓት ህጻናት ከም ዝኾኑን ብዙሓት ግዳያት እውን ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተቐቢሮም ከም ዘለዉ ናይ ቓዛ ሚኒስትር ጥዕናን ግብረ ሰናይን ከም ዝሓበረን፡ እቲ እስራእኤል ተካይዶ ዘላ ከበባ ነቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት እዚዩ ዘሰኽፍ ክኸውንን ነዳድን መግብን ሓይሊ መብራትህ ዝኣመሰሉ ኣድላዪ ዘበለን ናይ ምርካብ ዕድል የምክን ምህላዉን ነዚ መሰረት ብምግባር ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምቅላሕ፡ እቶም ጅሆ ዝኾኑ ናጻ ክልቐቑ ሓቲቶም ኣስዒቦም እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝበልዎ፥ “ግብረ ሽበራን ጸንፈይናነትን ጽልእን ዓመጽን ሕነ ምፍዳይን የጎሃህር ሓባራዊ ስቓይ ድማ የስዕብ” እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰብኣዊ ኩነታት ቓዛ

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣብ ቓዛ ስብኣዊ ኩነታት ጽንኩር ኮይኑ ኣሎ እንክብሉ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም፡ ህይወት ንጹሃት ፍልጥኤማውያን ከምኡ እውን ምምዝባል ኣማኢት ሰባት ብዘይ ኣፋላላይ እቲ መሰረታዊ ድሌታቱ ዝተሓረመ ህዝቢ ዝረአ ዘሎ ስቓይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝነቐፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅድስቲ መንበር ቶኽሲ ደው ክብል ጻውዒት ተቕርብ

ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፥ “ከምቲ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግጭት ንሰላማዊ ሕዝቢ ሓለዋ ክግበር” ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ኣባይቲ ሕክምናን ትካላት ክንክን ጥዕናን መዓስከራት ስደተይናታትን ኣቢያተ ትምህርትን ከምኡ እውን ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ቀጽሮምን ብማንም ዒላማ ከይኮኑ ግድን እዩ” ቢሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም

ነቲ ውግእ ከተቋርጽዎ እልምነኩም ኣለኹ፡ ኣጽዋር ምጥቋም ኣቋርጹ። እቶም ኵሉ መገድታት ንሰላም ክፍተን፡ ውጉኣት ክድሕኑን ሓገዝ ናብቲ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ኩነታት ናብ ዝርከብ ህዝቢ ቓዛ ክበጽሕ፡ ኮሎም ጅሆ ዝኾኑ ድማ ናጻ ክልቀቑ ጻውዒት አቕርብ"

ከም ዝበሉን “ሰብኣዊ ሓደጋ ንኸይገድድ ዝከኣል ምግባር የድሊ፡ ሓገዝ ናብ መላእ ህዝቢ ክበጽሕን ውጉኣት ዘድሊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ክረኽቡን ሰብኣዊ መተሓላልፎ ክህሉ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጸልማት እዋን ክቡር ጸጋ እዩ

ቅድስቲ መንበር ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ንዝርከቡ ስደተይናታት ፍልስጥኤም ክቡር ጸጋ ኮይኑ ክቕጽልን ብፍላይ ድማ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ኣዚ እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፥ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምድንፋዕ ሰብኣዊ ምዕባለን ንፍልስጥኤማውያን ስደተይናታት እንኮላይ ነቶም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሰፈሩ ስደተይናታት ሰብኣዊ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ጥራይ ዘይኮነስ ሰላማዊ መጻኢ ዝከኣልን ዝብጻሕን ምዃኑ ኣዚዩ ዘድሊ ናይ ተስፋ ምንጪ ምዃኑ ተረጋግጽ ቢሎም እዚ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ እውን ዘገልግል ክኸውን ሓሳብ ተቕርብ” ቢሎም፥ “ኣብ ቅድሚ እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ተስፋ ምቑራጽ ትምህርቲ ንነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ፍልጥኤማዊ ስደተይና ‘ናይ ገዛእ ርሱ መጻኢ ክቕርጽ’ ዕድል ክህቦን ኣብቲ ናይ ምትእስሳር ባህሊ ንምዕባይ ዝግበር ህጹጽ ዕማም ክሳተፍን ክሕግዝ ይኽል እዩ” እዚ እውን ንኹሉ ዓይነት ግብረ ሽበራ ንምቅላስ ዝሕግዝ ምዃኑ ቅድስቲ መንበር ትኣምን፡” ነቶም “ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ድሮ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ኩሎም ኣባላት ናይ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣባላት ንዝክርን ክብሪ ንህብ ንቤተሰቦም ድማ ዝስምዓና ሓዘን ንገልጽ” ከም ብዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መንግስታት ንፍትሓዊ ሰላም ተወፋይነት ከሕድሱ ንጽውዕ

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ሰበ ስልጣን ፍልስጥኤምን እስራኤልን ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ምስ ሕብረተሰብ ዓለም ፍትሓውን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ሰላም ንኽህሉ ተወፋይነቶም ደጊሞም ከረጋግጹ ግድን ምዃኑ ገሊጾም፥ “ዋላ እኳ ኣብዚ እዋን እዚ መገዲ ዘተ ኣዚዩ ጸቢብ እተመሰለ አብዛ ንክርስቲያንን ኣይሁድን እስላምን ኣዚያ ፍቕርቲ ዝኾነት ምድሪ ሸፊኑ ዘሎ ዑደት ዓመጽ ነባሪ መወዳእታ ንምግባር እቲ እንኮ ተግባራዊ ኣማራጺ እዩ” ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ጠቒሶም፥ “ኣመንቲ ኣብዚ ግጭት እዚ ናይ ሓደ ወገን ጥራይ ክኽዕኑ ንሱ ድማ ናይ ሰላም ወገን” ክኾኑ ይግባእ ቢሎም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 November 2023, 15:36