ድለ

2023.11.24 ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ‘ናይ ወንጌል ሓሴት’፥ ር.ሊ.ጳ. ምስ ድኻታት ሱር በታኻዊ ምትሕግጋዝ 2023.11.24 ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ‘ናይ ወንጌል ሓሴት’፥ ር.ሊ.ጳ. ምስ ድኻታት ሱር በታኻዊ ምትሕግጋዝ 

ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ‘ናይ ወንጌል ሓሴት’፥ ር.ሊ.ጳ. ምስ ድኻታት ሱር በታኻዊ ምትሕግጋዝ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ‘ናይ ወንጌል ሓሴት’ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝኽሪ ዓስራዕ ዓመት ምኽንያት ኣብ ሮማ ኣብታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብፍላይ ቅዱስነቶም ዓሚቝ ምልዋጥ ወንጌላዊ ተክልእኾ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ ተኻይዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፥ ኣርጀንቲናዊ ናይ ጠበቓን ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ንጡፍን ኹዋን ግራቦይስ ሱማሪሰድ፥ “እታ ሓዋርያዊት ምዕዳን - ህይወትካ ምእንቲ ድኻታት ኣሕሊፍካ ምሃብ” ዝብል ጻውዒት ምዃና ኣብሪሆም፡ ቅዱስነቶም በታ ሓዋርያዊት ምዕዳን ኣቢሎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኵላዊ ናይ ሓዋርያዊ ጉስነቶምን መርሓ ግብሪ ከም ዘቕረቡ ብሓጺሩ ኣብቲ ናይ ውሁድ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዕለት 24 ሕዳር ንዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ‘ናይ ወንጌል ሓሴት’ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ናይ ወንጌል ሓሴት፥” ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል መልክዓ ፍኖት

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ናይ ኵለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማይክል ቺዘርንይ፥ ካብ ናይ ወንጌል ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ክሳብ እተን ድሒረን ዝለገስወን ዓዋዲ መልኽትታትን “ስቡሕ ኣንተ” ከምኡ እውን “ኩላትና ኣሕዋት”  ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ እንታይ ይመስል ከም ዘብርሁን ኣብ ምሉእ እቲ ቅደም ተኸተል ዘሎ “ኣሳሪ ሓሳብ” ናይ ቤተ ክርስቲያን “ልኡካነ ወንጌላውነት ባህርይ” ማለት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ገዛእ ርእሳ ተዓጽያ ክትጸንሕ ከም ዘይትኽእል ምስ ናይ ሎሚ ዓለም “ዘተን ርክብን” ክህልዋ ዝብል ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩን ድሕሪ እቲ ዓውደ ጉባኤ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ነዚ ሓሳብ እዚ ደጊሞም ብምቅላሕ፡ ኢየሱስ እምነትና ክንነብርን ወንጌል ናብ ዓለም ንኽብጽሕ እዩ ዝደልየና - ብድሆታት ብምስጋር ብሓጎስ” ኢሎም፡ “እምነትና ኣብ ኣብ ዕጽው ቤት ክንነብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ከምኡ እውን ኣብ ዕጹው ማዕጾ . . . ወንጌል ንዓለም የድልያ እዩ እቲ ኢየሱስ ዘቕርቦ ሓርነት የድልያ እዩ . . . ‘ናይ ወንጌል ሓሴት’ ድማ ናይታ ስብከተ ወንጌል ዘድልያ ዓለም መልክዓ ፍኖት እዩ” ኢሎም።

ምእንቲ ድኻታት ህይወትካ ኣሕሊፍካ ምሃብ

ቀጺሎም መደረ ዘስምዑ ኣርጀንቲናዊ ጠበቓን ምምህርን ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ንጡፍ ኣብ ኣርጀንቲና መስራቲ ዝተፈላለ የ ማሕበር ሰራሕተይናት ኹዋን ግራቦይስ፥ ፥ “ናይ ወንጌል ሓሴት” ብውሕሉል ኣገባብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድኻታት ዘለዎም ሓለፋን ምንታኦም ህይወትካ ኣሕሊፍካ ኣብ ምሃብ ምዃኑ የመላኽቱ ቢሎም፡ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ኣቀራርባ “ሱር በተኽ” ምዃኑ የጉሊሑ፡ ንምሉእን ዓሚቝን ምልዋጥ ዝጽውዕ ክርስትና ህይወትካ ክሳብ ንምሃብ ዝብል ጻውዒት ምዃኑን እዚ ድማ ከፍርሃና ከም ዘይብሉ ‘ኢየሱስ ኣብ ምንባር’ ዝግለጽ ኮይኑ፡ “ውልቃዊ ልምድታትና ምቾታትና ኮታ ነቲ መዓልታዊ  ሕይወትና ዘደንዝ ኩሉ ገዲፍና ንድኻታትን ዝተገለሉን ክንደሊ ከም ዘሎና ዘተሓሳብ እዩ። እዚ እውን ቀሊል ኣማራጺ ከም ዘይኮነ” ዘመላኽት ምዃኑ ብሰፊሕ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

‘ናይ ወንጌል ሓሴትን’ ሲኖዳውነትን

ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳይ ሲኖዶስ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊት እናቴ ናታሊ በኩርት እውን ብወገነን፥ “ናይ ወንጌል ሓሴት” ንሲኖዳውነት ብሓቂ መሰረ ምዃኑ ገሊጸን፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዛዕባ መንሰያት ዝመኸረ ሲኖዶስ “ኩሉ ኣገባብ ኣብ ‘ናይ ወንጌል ሓሴት’ ዘመርኮሰ ከም ዝነበረን ነዚ እውን ብሰፊሕ ኣብሪሀን ብፍላይ ድማ “ንናይ ዘመንና ምልክታት” ንቑሕ ምዃን ዝብል ኣብ ቝጽሪ 51 ዘሎ ሓሳብ መሰረት ገይረን ከም ዘረድኣን ከምኡ እውን ሲኖዳውነት ዝብል ሓሳብ ኣብ መወዳእታ ‘ናይ ወንጌል ሓሴት’ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘሎ ኣርባዕተ መትከላት፡ “ግዜ ካብ ቦታ ይዓቢ፡ ሓድነት ኣብ ልዕሊ ግርጭት ይዕወት፡ ክውንነታት ካብ ሓሳባት ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑን ከምኡ እውን ምሉእነት ካብ ክፋል ዝዓቢ ምዃኑ” ዝብል ኣርባዕተር መትከላት ጠቒሰን ሲኖዳውነት ምስ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘለዎ ዓሚቝ ምትስሳር ከም ዘብርሃ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ወንጌልን ማሕበራዊ ምንቅስቓሳትን

ስዒቦም መደረ ዘስምዑ ኢጣሊያዊ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ንጡፍ ሉካ ካሳሪኒ፡ ናይ ወንጌል ሓሴት ክርስትና ኣብ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ክገብሮ ዝኽል ፍሉይ ኣበርክቶ ዘዘኻኽር ምዃኑ ገሊጾም፡ ቤተ ክርስቲያን ምስ ካልኦት ተጸንቢራ ንሰላምን ፍትሕን ጎስጓስ ክትገብር ቅኑዕ እኳ እንተኾነ ዘይ መንግስታዊ ትካል ኮይና ክትቐርብ ወይ ገዛእ ርእሳ ከምኡ ገይራ ክትገጽል የብላን ምኽንያት ብመንፈስ ቅዱስ እትዓይን እትምራሕን እንተንቀሳቐስን ስለ ዝኾነት። ብዛዕባ ኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ክትዛረብ ክትፈርሕ የብላን ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ‘ኩላትና ኣሕዋት’ ዘርእስታ ዓዋዲት መልኽቶም፥ “ሰብኣውነት ብሓባር ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ከንብር ዝተጸውዐ እዩ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣስትብሂሎም፡ ዓለም ብውግእ ዝተበታተነት ገርካ ካብ ምርኣይ ርሒቕካ ኩነታት ዓለም ክርስትና እምነት ንምንባርን ንምምስካርን ደራኺ ምዃኑ ምስትዓልን ኣብ ልዕሊ ኲናትን ምብትታንን ሰብኣዊ ሕውነት ምርግጋጽ ከም ዘድልን ሰብኣዊ ሕውነት ኪኖ ናይ ኣጋጣሚ ፍልልያት ክምስከር ከም ዝግባእ የዘኻኽሩን ይምህሩን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

27 November 2023, 09:47