ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፦ ር. ሊ. ጳ. ናብ ዱባይ ክገብርዎ ዝነበሮም ምብጻሕ ምሉእ ብምሉእ ንኺሓውዩ ሰረዝዎ ካርዲናል ፓሮሊን፦ ር. ሊ. ጳ. ናብ ዱባይ ክገብርዎ ዝነበሮም ምብጻሕ ምሉእ ብምሉእ ንኺሓውዩ ሰረዝዎ  (ANSA)

ካርዲናል ፓሮሊን፦ ር. ሊ. ጳ. ናብ ዱባይ ክገብርዎ ዝነበሮም ምብጻሕ ምሉእ ብምሉእ ንኺሓውዩ ሰረዝዎ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ጎኒ ጎኒ እቲ ኣብ ናይ ኢጣልያ ቤት-ምኽሪ ሕዝባዊ ባይቶ ዘስምዕዎ መደረ፣ ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እናተመሓየሸ ይኸይድ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጽ፣ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺሓውዩ ነቲ ኣብ መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር አብ ዝኻይድ አኼባ ንምስታብ ናብ ዱባይ ዝሓሰብዎ መገሻ ከም እተሰረዘ ኣመልኪቶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ኵነታት ጥዕና ቅዱስ ኣቦና አብ ጽቡቕ ኩነታት ኢዩ ዘሎ፣ ረስኒ እኳ እንተ ዘይብሎም ምስ ናይ ሥርዓተ ምስትንፋስ ጸገማት ብዝተተሓሓዘ ዘስዓበሎም ረኽሲ ሳንቡእ ግን አለዎም ። ሕክምናዊ ደገፍ ይግብረሎም አሎ፣ ዘድልዮም መድሓኒናታት ውን ይወስዱ አለዉ" እንክብል ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና አመሓዳሪ ዝሓለፈ ሰሉስ ምሸት ብዛዕባ ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ አፍሊጡ።

ኣብቲ ዕለት እቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን አብ ዘውጽእዎ መግለጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ዘጋጠሞም ሕማም ሥርዓተ ምስትንፋስን ነድሪ ሳንቡእን ይሓው ኸም ዘለው ኣረጋጊጾም ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሰሉስ ምሸት አብ ዝወጸ መግለጺ ነቲ ናብ ዱባይ ክገብርዎ ዝመደቡ ጕዕዞ ክስርዝዎ ከም ዝወሰኑ አመልኪቶም ።

"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ሕክምናዊ ክንንክን ኢዮም ዘለው፣ ጽቡቅ ለውጢ ውን የርእዩ አለዉ፣ እንተኾነ ግን በቲ ካብ ሓካይም ዝተዋህቦም ምኽሪ ብዘይምስማዕ ንገዛእ ርእሶም ንሓደጋ ከቃልዑ አይደለዩን " ድማ በሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ንመበል 28 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት አየር ንምስታፍ ጽባሕ ዓርቢ ዕለት 1 ታሕሳስ ናብ ዱባይ ክኸዱ ከም መደብ ተተሒዙ ነይሩ።

ካርዲናል ፓሮሊን ጐኒ ጐኒ እቲ አብ ናይ ኢጣልያ ቤት ምኽሪ ሕዝባዊ ባይቶ ብዛዕባ ክቡር ውርሻ ዝሓለፉ ኢጣሊያዊ ጳጳስን ልኡኽ ወንጌልን ዝኾኑ አቡነ ሉዊጂ ሴኮ መደረ አብ ዘስምዑሉ አጋጣሚ ንጋዜጠኛታት አብ ዝሃብዎ መግለጺ - "ቅዱስነቶም ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ንኽሓውዩ ነዚ ምርጫ እዚ ከም ዝወሰኑ ኢዩ ዝመስለኒ፣” በልዎም።

ካርዲናል ፓሮሊን ከምቲ ዋና ኣመሓዳሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን ዝሓልፈ ሰሉስ ምሸት ዘውጽኦ መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ አብ ዱባይ ዝግበር ምይይጥ ብኸመይ አገባብ ከም ዝሳተፉ ቅድስቲ መንበር ተጽንዖ ከመ ዘላ ኣረጋገጹ ።

ብፁዕነትም አብ መግለጺኦም "ንዓየሉ ኢና ዘሎና፣ ካብ ፓሪስ ኣትሒዘ አብ ኩሎም እቶም ስዒቦም ዝተገብሩ ኣኼባታት እዚ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕ ኩነታት ኣየር ተሳቲፈ ኢየ። ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ክሳተፍ ይሓስብ አሎኹ ፣ እንተዀነ ግን እቲ ዝገብሮም ምብጻሕ ሓጺር ከም ዝኸውን ዘጠራጥር አይኮነን ።”

እዞም ዋና ጸሓፊ መንግሥቲ ቫቲካን ከም ዝገለጽዎ ወከልቲ ሃገረ ቫቲካን አብ ዱበይ ንኽልተ ሰሙን ዚኣክል ከም ዚጸንሑ ኣመልከቱ ። "አነ ግና ኣብቲ ቐዳማይ ክፋል ናይቲ ጉባኤ ጥራይ እየ ክሳተፍ" ድማ በሉ።

ክልኤአውን ሃይማኖታውን ዘተታት

እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ዘተ ውስጠ-ሃይማኖታት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ኺሶ አብቲ አብ ዱበይ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ክሳተፉ ኢዮም።

ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ ካርዲናል ኣዩሶ አብቲ ናይ ውስጠ-ሃይማኖታት ዝግበር ዘተታት ንኽሳተፉን ከምኡ ውን አብቲ ኣብ ከባቢ ኸተማ ኤክስፖ ዝካየድ ምርቓ መደብ ምርኢት ናይ እተፈላለያ ሃይማኖታት አጋጣሚ ብምግባር ሓደ ሰነድ ንኽፍርሙ ከም ምዃኖምን ገሊጾም ።

ወሲኾም ውን ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ቀዳም ዕለት 2 ታሕሳስ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኽልተ ክልኤአዊ አኼባታት ክሳተፉ ብዘይምኽአሎም ዝተሰምኦም ጣዕሳ አመልከቱ።

"አብቲ አጋጣሚ ብዙሓት ፖለቲካውያን መራሕቲ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክረኽብዎም ሓቲቶም ኢዮም " ድሕሪ ቢሎም፣ "ከም ዕድል ኮይኑ ግን እዚ ክኸውን አይከአለን።" ይኹን እምበር "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኹሎም እቶም ክረኽብዎም ዝሓተዉ አካላት ብዙሓት እኳ እንተ ኾኑ ነዚ ዘምለጦም ኣጋጣሚ ንኽትክኡ ከም ዝጽዕሩ ምግላጾም ድሮ እዚ ጽቡቕ ምልክት ኢዩ" ከም ዝብሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት ።

30 November 2023, 14:40