ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ስምምዕ ጅሆ ዝተተሓዙ ‘ኣዚዩ ኣገዳሲ’ ናብ ቅድሚት ዘብል ስጉምቲ እዩ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ስምምዕ ጅሆ ዝተተሓዙ ‘ኣዚዩ ኣገዳሲ’ ናብ ቅድሚት ዘብል ስጉምቲ እዩ 

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ስምምዕ ጅሆ ዝተተሓዙ ‘ኣዚዩ ኣገዳሲ’ ናብ ቅድሚት ዘብል ስጉምቲ እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ጅሆ ናጻ ምልቅቃቅ ዝብል ነጥቢ ብሓጎስ ብምቕባል “ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ” ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 22 ሕዳር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “እቲ ዕለት 22 ሕዳር ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ጉዳይ ምቁራጽ ቶኽስን ምፍታሕ ኣስታት 50 ጅሆ ዝተተሓዙን ዝብል ዝተኸተመ ስምምዕ ዘይተኣደነ ኣገዳስነት ዘለዎ ናብ ቅድሚት ዘብል ስጉምቲ እዩ” ኢሎም።

ካርዲናል ፓሮሊን ነዚ ዝበሉ ሮማ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ቸሲ ንናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ንድፈ ህንጻ ውርሻታት ዝምልከት ኣብ ዝተዳለወ መደብ ጎድኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ነቲ ስምምዕ እወታዊ እንክብሉ ገሊጾም - ምኽንያቱ፥ “ነቶም ጅሆ ዝተተሓዙን ዕጥቃዊ ምትእትታው እስራኤልን” ዝምልከት ብምዃኑ፡ “ነዚ ጉዳይ ክንፈትሖ እንተጀመሪና ውዱእ ስምምዕ ክህሉን ነዚ ደማዊ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዘተ ክብገስ ዝገብር ክኸውን ይኽእል ዝብል ተስፋ ኣሎኒ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ዕለት 22 ሕዳር ዘካየድዎ ርክብ

ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም ብዛዕባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዕለት 22 ሕዳር ምስ ኣባላት ስድራ ቤት ብሓማስ ጅሆ ዝተተሓዙን ኣስዒቦም እውን ኣብ ቃዛ ተዓጊቶም ንዘለዉ ዝውክሉ ኣባላት ስድራ ቤት ፍልጥኤማውያን ተቐቢሎም ዘካየድዎ ርክብ፥ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምጥፋእ ዓሌት ዝብል ቃል ተጠቒሞም እዮም” ከም ዝህበሃልን እዚ ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሎም፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ መተዮ ብሩኒ ኣብዚ ነጥቢ እዚ ኣመልኪቶም፥ “ቅዱስ ኣቦና ነዚ ቃል እዚ ተጠቂሞምሉ እንተኾይኖም ኣይፈልጥን” ብዝኾነ ግን ነቲ ኣብ ጋዛ ዘጋጥም ዘሎ ዘስካሕክሕ ኩነታት ዝውክል ቃላት ተጠቂሞም እዮም” እንክብሉ ከም ዝመለሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካርዲናል ፓሮሊን እውን ብወገኖም፥ “ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዝፈልጦ ነገር የሎን ስለዚህ ቅዱስነቶም ነዚ ቃል እዚ ክጥቀሙሉ ዘይሕሰብ እዩ፡ እዚ ቃል እዚ ንገለ ፍሉያት ኩነታት ዝምልከት ብምዃኑን ብደረጃ ዓለም እውን ኣዚዩ ልክዕ ዝኾነ ሳዕቤን ዘለዎ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ፓሮሊን ሓደ ካብቶም ዕለት 22 ሕዳር ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዝተራኸቡ ኣባላት ስድራ ቤት ጅሆ ዝተተሓዙ ር.ሊ.ጳጳሳት ንሓማስ ከይጠቐሱ እዮም ግብረ ሽበራ ዝብል ቃል ዝተጠቀሙ እንክብል ዝተዛረቦ ቃል ጠቒሶም፡ ኩሉ ሳዕ ንኹሉ ምሕጓስ ኣጸጋሚ እዩ” እንብሉ መልሲ ከም ዝሃቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “መብዛሕቲኡ ግዜ ቅዱስ ኣቦና በገባብ ሓፈሻዊ እዮም ዝዛረቡ። ስለዚ ክርድኦ ዝደሊ ክርድኦ ይኽል እዩ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ክንምርምር ዘድሊ ኣይመስለንን - ቢሎም - እዚ ድማ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣገባብ እውም ምዃኑ እየ ዝኣምን። እቲ ር.ሊ.ጳ. ዝገበርዎ ምትእትታው እንተ ርኢና ንሰባትን ንኹነታትን ብስምን መጸውዕ ስም ስድራ ቤትን እናጠቐሱ ናብ ዝርዝር ኣየብሉን እዮም . . . ስለዚ ቅዱሰንቶም ዝብልዎ ኩሉ ንጹር እዩ፡ ክርድኦ ዝደሊ ድማ ክርድኦ ይኽእል እዩ” እንክብሉ ወሲኾም ከም ዘብርሁ ኣፍልጡ።

24 November 2023, 16:17