ድለ

ብሓባር ምጕዓዝን ንመንፈስ ቅዱስ ጽንምባልን

አብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ናይቲ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ሲኖዶስ፣ ዋና ጸሓፊ ናይ ሲኖዶስ ጳጳስትን ጠቕላሊ አፈ-ጉባኤ ሲኖዶስን ንመንፈስ ሲኖዶሳዊ መስርሕን አመልኪቶም መግለጺ አቕሪቦም ንተሳተፍቲ ኣባላት ድማ ነቲ ኣምላኽ ኣብዚ ሳልሳይ ሽሕ ክፍለ ዘመን ንቤተ-ክርስትያን ዘለዎ ፍቓድ ምእንቲ ኽርድኡ ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ንኽብሉ መጸዋዕታ አቕረቡሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 04 ጥቅምቲ አብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ 6ይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣደራሽ፣ ንአባላት ስሩዕ መበል 16 ሓፈሳዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት መኽፈቲ ቃል ድሕሪ ምስምዖም፣ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳስት ዝኾኑ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግሬችን፣ ጠቕላሊ አፈ-ጉባኤ ሲኖዶስ ዝኾኑ ብጹዕ ካርዲናል ዣን-ክሎድ ሆለሪኽን፣ ንዕላማታትን መንፈስን ከምኡ ውን አገባባትን ናይቲ ሰለስተ ዓመታት ዝወሰደ፣ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ 2021 ዓመተ ምሕረት እተአወጀ ሲኖዶስ ጳጳሳት አመልኪቶም መግለጺታቶም አስሚዖም።

ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን ጽን ኢላ እትሰምዕ ቤተ-ክርስትያን ኢያ

ብጹዕ ካርዲናል ግሬች ነቲ አብ ደረጃ ሰበኻውን፡ ናይ ጳጳስት ጉባኤን፡ ሲኖዶስ ምስራቓውያን አብያተክርስቲያናትን ከምኡ ውን አብ ደረጃ ክፍለ-ዓለማትን አመልኪቶም፣ ነቲ አብ ምጅማር ዝነበሩ ዕቃቤታትን ገለገለ ጸጋማትን ከምኡ ውን ዝነበሩ ጊጉይ ርድኢታትን ገዲፍካ እዚ ጕዕዞ እዚ ንቤተክርስቲያን “አብቲ ብሓባር ናይ ምጕዓዝ ዝብል ተመኵሮ” ዓቢይ ትምህርቲ ኮይኑ “ብዝበለጸ ንኽትዓቢ” አኽኢልዋ ኢዩ እንክብሉ መግለጺኦም አቕረቡ።

"ቤተ-ክርስትያን ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ትርከብ አላ፣ ብግልጺ ንምዝራብ ከኣ ህጹጽ ብድሆታት ማለት ትምህርተ መለኮታዊ ወይ ስነ-አቅላሲያዊ ባህርይ ዘለዎም ዘይኮኑስ፣ የግዳስ ኣብዚ ዘመን እዚ ቤተ-ክርስትያን ከመይ ገይራ ምልክትን መጋበርን ፍቅሪ ኣምላኽ ንኹሎም ደቅሰባት ንሰብኣይን ንሰበይትን ክትከውን ከም እትኽእል ዝብል ብድሆ ኢዩ።"

"ሎሚ - እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ መደረ 'ሲኖዶዊት ቤተ ክርስትያን እታ ጽን እትብል ቤተክርስትያን ኢያ ' እንክብሉ ዝተዛረብዎ ራእይ ናይ ቤተክርስትያን ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ ክንምስክር ንኽእል ኢና ። " ክብሉ ብጹዕ ካርዲናል ግረች መስኪሮም።

እዚ ጉባኤ እዚ ንቤተ-ክርስትያን መርአያ ሲኖዶውነታ ክኸውን ኣለዎ

ስለዚ ኣብዘን ዝሓለፋ ኽልተ ዓመታት ህዝቢ ኣምላኽን ጓሶቶምን ዘሕለፍዎ ጽዑቕ ተመክሮ፣ ነዚ ጉባኤ እዚ "ንቤተ-ክርስትያን ሓያል ምልክት ሲኖዳውነትን፡ ንቃል ኣምላኽ ብብርሃን ቅዱስ ትውፊት ንምስማዕን ጽን ንኽትብልን፣ ነቲ ሎሚ ዘሎ ፍቓድ ኣምላኽ ንኽትርዳእን" ከምኡውን "ንቤተ-ክርስትያን ከም ሓንትን እንኮን ገይሮም ከርእይዋ" ጻውዒት ዘቕርብ ኢዩ።

"ለዕሊ ኹሉ ድማ እቲ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ዝበሎ፣ አብዚ ኩነት እዚ ንጹር ኮይኑ ኢና ንረኽቦ - 'ቤተክርስትያን ማለትን ሲኖዶስ ማለትን ተመሳሳሊ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ።'” እንክብሉ ብጹዕ ካርዲናል ግሬች፣ ሲኖዶስ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ዙርያ ጳጳስ ናይ ሮማ ዘሎ ኤጲስቆጶሳዊ ሕብረት ኢዩ ዘልክት፣ ነቲ ሕብረት አብያተ ክርስቲያን (አቅላሲያዊ ሕብረት)፣ ከምኡ ውን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከአ እዚ ሲኖዶስ እዚ ነቲ አብ መንጐ ሕዝቢ አምላኽን ጓሶቶምን ዘሎ ሕብረት የመልክት። ብምባል ብጹዕነቶም አስፊሖም ገሊጾም።

ዚርአ ምልክት ሓድነት

ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣስዕብ ኣቢሎም እዚ ጉባኤ እዚ "ዝርአ ምልክት" ሕብረት ኪኸውንን ንቤተ-ክርስትያንን ንዓለምን ኣብ ምግልጋል መሳርሒ ኪኸውንን ከም እተጸውዐ አመልኪቶም።

"አብዚ ዘሎና፣” ይብልይ ብጹዕነቶም “ምስ ጴትሮስን ትሕቲ ጴጥሮስን፣ ነቲ ንብምሉኡ መስርሕ ሲኖዶስ ዘበገሰ መሰረታዊ ሕቶ ብቐጻሊ ጽን ክንብሎ ኢና መጺእና ዘሎና - ‘. . . መንፈስ ቅዱስ ከም ሶኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን መጠን ከመይ ዝብለ ስጕምትታት ክንወስድ ኢዩ ዝዕድመና ዘሎ?' ቢልና ጽንክንብል ኢና ተጋቢእና ዘለና።”

ካርዲናል ግሬች አብ መደምደምታ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ17 ጥቅምቲ 2015 ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ሲኖዶስ ንዝበልዎ ቃል ብምጥቃስ "ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ' ብሓባር እትጕዓዘሉ ዘላ መንገዲ ሲኖዳውነት፣ እዚ ጉባኤ እዚ እምበአር እቲ ኣምላኽ ካብዛ ናይ ሳልሳይ ሽሕ ክፍለ ዘመን ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን ዝጽበዮ ዘሎ መገዲ ድዩ?' ብምባል ንገዛእ ርእሱ ኣብ ኣድማሳዊ ደረጃ ብምቋም ጽን ክብል ዝሕተቶ ዘሎ ኢዩ ።” ብምባል መደረኦም ዛዚሞም ።

ንመሪሕነት መንፈስ ክፉት ምዃን

አሲዒቦም ድማ ብጹዕ ካርዲናል ሆለሪኽ ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ መስርሕ ሲኖዶስን መንፈስ ናይዚ ጉባኤ እዝን ተወሳኺ መግለጺ አቕረቡ ።

ብጹዕነቶም ንኣባላት ሲኖዶስ ቀንዲ ቀላሲ ናይዚ ሲኖዶስ እዚ እቲ "ንክርስቶስ ኣብ መንጎና ህልው ዝገብር" መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ ከምኡውን "ንመሪሕነት እዚ መንፈስ እዚ ምሉእ ብምሉእ ክፉት ብዝዀነ ልቢ ምስ እንቕበል ጥራይ ኢና ነቲ እተጸዋዕናሉ መጸዋዕታ ምላሽ ክንህበሉ እንኽእል" ብምባል ኣዘኻኸሮዎም።

ወንጌላዊ ተልኾ ኣብ ሲኖዳውነት ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ ብምዝኽኻር ከአ እቶም ኣባላት ሲኖዶስ ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ንምርዳእ ትጋባእቲ ጠመተኦም ካብቲ ዘለውዎ አዳራሽ ጳውሎስ 6ይ አሳጊሮም "ናብ መላእ ዓለም አተኵሮኦም ኬስፍሑ" ኸም እተጸውዑ አመልከቱ፣ እዚ ኸኣ ለበዳ ናይቲ ክፉእ ዝኾነ ካብ ለውጢ ዅነታት ኣየር ክሳዕ ስደት ውግእ ከምኡውን  ሕሉፍ ወገናውነትን ከምኡ ውን ናይ ሓሻሽነት መልክዕ ናብራን ዘተኮረ ክኸውን ከም ዘለዎ ዋና አፈ-ጉባኤ ሲኖዶስ አግፊሖም ገለጹ።

"ሰዋስው ሲኖዳውነት"ምጽናዕን መመያን ምልምማድን

ኣብዚ ኩነት እዚ ቤተ-ክርስትያን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሲኖሳዊት ክትከውንን "ሰዋስው ሲኖዳውንት" ክትመሃርን ትጽቢት ይግበረላ ኣሎ። ብጹዕ ካርዲናል ሆለሪኽ አስዒቦም - "ልክዕ ከምቲ ሰዋስው ቋንቋታትና እናማዕበለ ብዝኸደ መጠን ለውጥታት ዘምጽእ ሰዋስው ሲኖዳውነት እውን ይቕየር ኢዩ። ስለዚ ምልክታት ግዜና ምንባብ ነቲ ‘መሰረታዊ ሕግታት ካቶሊካውነትና’ ከይቀየርና ኣብዚ ግዜና ሰዋስው ሲኖዳውነት እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ከነለሊ ክሕግዘና ኢዩ።” በሉ።

ብጹዕ ካርዲናል ሆለሪኽ  ንአባላት ሲኖዶስ ዕማማቶም ብብዝተፈላለዩ መሰረታዊ ስርዓታት ዚምራሕ ባይቶኣዊ ኽትዕ ዘይኰነስ "ሓባራዊ ናይ ምስትውዓል ዕዮ እዩ " ብምባል ደጊሞም ኣዘኻኸርዎም ።

ንዚቕጽል ሲኖዶስ ዚኸውን ንድፊ ካርታ

እቶም ናይ ሲኖዶስ ጠቕላሊ አፈጉባኤ መደረኦም አብ ምዝዛም እዚ ሲኖዶስ እዚ ዚዓዮም ዕዮን ዕማማትን ንዓመታኡ ኣብ ጥቅምቲ ዝካየድ ካልኣይን ናይ መወዳእታ ጉባኤ ዝኸውን "ንድፊ ካርታ" ንኼዳሉ ኸም ዜኽእሎ ዘለዎም ተስፋ ገለጹ። ከምዚ ድማ በሉ - "እዚ ንድፊ ካርካ እዚ ኣብ መንጎናን ልዕሊ ዅሉ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኣምላኽን ሓባራዊ ምርድዳእ ከም ዝበጻሕና ዝሕብር ክኸውን ኣለዎ፣ እዚ ድማ ንድምጺ መንፈስ ቅዱስ ምላሽ ንምሃብ ስጕምትታት ክወስድ ዘኽእለና ክኸውን ኢዩ ። እንተዀነ ግን አበይ አበይ ዓሚቝ አስተንትኖ ከም ዘድልዮን ከምኡውን ነዚ መስርሕ ምስትንታን እዚ እንታይ እንታይ ክሕግዞ ከም ዝኽእል ክገልጽ ኣለዎ።” ክብሉ መደረኦም ዛዚሞም።

05 October 2023, 16:24