ድለ

2023.10.05 ሩፊኒ፥ ቀዳማይ ጸብጻብ “ቤተ ክርስቲያን ንሓድሕድና ጽን ክንበሃሃል ኣብ ደውታ ትርከብ” 2023.10.05 ሩፊኒ፥ ቀዳማይ ጸብጻብ “ቤተ ክርስቲያን ንሓድሕድና ጽን ክንበሃሃል ኣብ ደውታ ትርከብ” 

ሩፊኒ፥ ቀዳማይ ጸብጻብ “ቤተ ክርስቲያን ንሓድሕድና ጽን ክንበሃሃል ኣብ ደውታ ትርከብ”

“ስለዚ እቲ ናይ ፍጻሜ ጸብጻብ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ሲኖዶሳት ናይ መወዳእታ ሰነድ ንላዕሊ ንናይ ሲንዶስ መጋባርያ ዕዮ ሰነድ ዝመስል ነገር ክኸውን እዩ።”

ኣቦ መንበር ሽማግለ ሓበሬታ ባይቶ ሲኖዶስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ዕለት 5 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጽርሓ ጉባኤ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ሓበሬታ ልኡካን ጋዜጠይናታት ብዛዕባ ተጋባእያን ሲኖዶስ ብናይ ስራሕ ጉጅለ ተመዳዲቦም ዘካይድዎ ዘተ መግለጺ ሂቦም መዓልታዊ ዛዕባ ነናይ ዕለቱ ውዕሎ ጋዜጣዊ መግለጺ እውን ክህቡ ምዃኖም ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ተጋባእያን ሲኖዶስ ናብ 35 circuli minors – ብንኡሳን ናይ ዕዮ ጉጅለ ተወዳዲቦም ዕዮኦም ድማ ዕለት 5 ጥቅምቲ ከም ዝጀመሩን ሓቢሮም፥ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 4 ጥቅምቲ ነቲ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ ዕዮ ናይቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ንኸበግሱ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ምስማዕ ቀዳምነት ዝወሃቦ ከም ዝኾነን “ካብ ንደገ ምዝራብ ንውሽጥኻ ጽን ምባል - ካብ ቤላቤለው ንጹም” ዝበልዎ ጠቒሶም፡ ሓድሕዳዊ ምልላይ መመያ ከምኡ እውን ምስጢር ምኽባር፡ ስለዚ ድማ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብዘን ኣርባዕተ ሰሙን ንኽትሰምዕ ደው ክትብል እያ” ኢሎም።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ወንጌልን ዝተሰረተ ‘ምስማዕ’

እቲ "ሓበሬታ" ይብሉ ህየንተ ሩፊኒ ልክዕ ከምኡ “ዝሰምዕ” እዩ፣ ነዚ ምስማዕ ዝስዕብን ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ወንጌልን እንርእዮ፣ ምስማዕን ምስትውዓልን ዘፍቅድ "ስቕታ" እዩ ዝኸውን  "ቤተ ክርስቲያን ከም ዓቢይ ተቛም ብእምነት፡ ኣብ ሓድነትን ብጸሎት ገዛእ ርእሳ ንእትነብሮ ናይ ጽሞና ህሞት ስቕታ ኣገባብ ሓበሬታ እውን ነዚ ዘኽብርን ዝነበርን ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልታዊ ውዕሎ ሲኖዶስ እቲ ዘድሊ ሓበሬታ ብመልክዕ ጋዜጣዊ መግለጺ ክቐርብ ምዃኑ ኣዘኻኪሮም ኣብዚ መደብ እዚ እውን ዝምልከቶም ኣካላት ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ዝጽምበርዎ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡

መስርሕ ናይተን ናይ ስራሕ ጉጅለታት

ኣብቲ ብሓባር ምስ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊት ሸይላ ፒረስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ናይተን ናይ ዕዮ ጉጅለታት መዛተዪ ድማ እቲ ናይ ሲኖዶስ ሰነድ መጋበርያ ዕዮ ምዃኑ ኣፍሊጦም። እቶም ኣዚዩም ተሃዋስያን ጉዳያት ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ናብ ዘተ ከም ዘይቀርቡን ኩሉ ከከም ደረጃታት ብመጋበርያ ዕዮ ሲኖዶስ ዝምራሕ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተኻየዱ ዘተን ዘጋጠሙ ጸገማትን ኣብ መንጎ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያንን ኩላዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብ ዝድህስስ እዩ።

ናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ ዕዮ ጉጅለ ናይ ገዛእ ርእሱ ጸብጻብ ዘቕርብ ኣካል ክህልዎ እዩ። ማለት ድሕሪ ምይይጥ ናብ ባይቶ ሲኖዶስ ከቕርብን ኣብ ጉባኤ ክዛረብ ድዩ ሓሳቡ ከቕርብ ዝደሊ ድማ ብቐጥታ ናብ ናይ ሲኖዶስ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሕቶ ከቕርብን ብጽሑፍ ክሕብርን ይኽእል። ስለዚህ ብዙሕ ናጽነት ከምዘሎን . . . እቲ ዘገድስ እቲ ተሳታፊ እንታይ ይብል ዘይኮነስ ቤተ ክርስቲያን ብመንፈስ ውህደት እንታይ ከም እትውስን እዩ ዘገድስ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ደረጃ ብደረኻ ምኻድ

"ከም ጋዜጠይናታት መጠን፡ ዝኾነ ነገር መወዳእታኡ ክንሓስቦ ምፍታንና ንቡር'ዩ፡ እዚ ግን ግጥም ኩዕሶ እግሪ ወይ ፖለቲካው ምርጫ ኣይኮነን፡ ግን መወዳእታ እንታይ ክኸውን እዩ ኢልካ መልሲ ክትህብ ኣይትኽእልን ኢኻ ምኽንያቱ ብሓቂ ኣብ መጀመርታ ጥራይ ኢና ዘለና።" ፍራንቸስኮ ወትሩ ከም ዝበልዎ ሲኖዶስ መስርሕ እዩ፣ ብዝያዳ እዚ ብዛዕባ ሲኖዶዳውነት ዝምልከት ክሳብ 2024 ዝቕጽል መስርሕ እዩ።

"ደረጃ ብደረጃ ክንከይድ ንፈትን" እንክብሉ ሩፊኒ ተማሕጺኖም፡ ደረጃ ብደረጃ ምጉዓዝ ዝሓትት ጉዞ ኣገባብ ሲኖዶስ ምዃኑ ብንጹር ከምዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥  "እዚ ናይ ምምይያጥ ሲኖዶስ ኣይኮነን። ኣብ ማእከል ኢና ዘለና፡ ስለዚ ነዚ ጉባኤ ንመወዳእታ ዝቕጽል ጉባኤ ጽላሎት ክኸውን እዩ ቢልካ ካብ ምሕሳብ ምቑጣብ የድሊ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

እንታይነት ናይ ፍጻሜ ጸብጻብ

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ዝቐርብ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ፡ "ዘቀራርብን ዝፈላልይን ሓሳብ" ዘጠቓልል'ኳ እንተኾነ፡ ሕጂ'ውን ናይ ምብጽሒ ነጥቢ ዘይኮነስ "ንኽተሎ ዘለና መንገዲ" ዝውክል'ዩ ኢሉ።

"ስለዚ ካብቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ዝሓለፉ ሲኖዶሳት ንላዕሊ ናይ ሲኖዶስ መጋበርያ ዕዮ ንምድላው ንዝግበር መስርሕ  ዝመስል እዩ፥

“ስለዚ እቲ ናይ ፍጻሜ ጸብጻብ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ሲኖዶሳት ናይ መወዳእታ ሰነድ ንላዕሊ ንናይ ሲንዶስ መጋባርያ ዕዮ ሰነድ ዝመስል ነገር ክኸውን እዩ።”

ስለዚ ሲኖዶስ "ኣካል" እዩ ኣንክብሉ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም ኣብኡ ዝግለል ሰብ የለን። “እተን ናይ ስራሕ ጉጅለታት ብንጡፍ ተሳትፎ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናብ ምርድዳእ ይሰጋገራ፡ ንጭቡጥ ስጉምትታት ብዝምልከት ናይ ምትእስሳርን ምፍልላይን ነጥብታት፡ ወጥሪን ክፉት ሕቶታትን፡ ርድኢታትን ሓሳባትን ከቕርባ ይኽእላ። ምስ ዝለዓሉ ሕቶታት ብምትእስሳር ክኸውን ኣለዎ" እንክብሉ ምስ ገለጹ፥

ቤተክርስትያን ብምልእታ ኣብ ምስማዕ እያ ዘላ።" ከምኡ'ውን ኣብ ምርድዳእ"።"እቶም ኣብዚ ዘለዉ ኣባላት ነዚ ክገብሩ እዮም ኣብዚ ዘለዉ። ወይ ነዚ ንኣምኖ ኢና፡ ወይ ድማ ንጉባኤ ዝኾነ ዋጋ ኣይንህቦን ኢና። ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ርእይቶ ኣይኮናን ንዛተ ዘለና። እወ ወይ ኣይፋልን ኣይኮነን፡ ግን እዩ።" ቤተ ክርስቲያን ብምልእታ ትሰምዕን ትፈልጥን እያ።"

06 October 2023, 16:57