ድለ

2023.10.06 መግለጺ ዛዕባ ካልኣይ ውዕሎ ሲኖዶስ፥ ስደተይናታትን ደቂ ኣንስትዮን ድኻታትን 2023.10.06 መግለጺ ዛዕባ ካልኣይ ውዕሎ ሲኖዶስ፥ ስደተይናታትን ደቂ ኣንስትዮን ድኻታትን  (Vatican Media)

መግለጺ ዛዕባ ካልኣይ ውዕሎ ሲኖዶስ፥ ስደተይናታትን ደቂ ኣንስትዮን ድኻታትን

ጽገና ቤተ ክርስቲያን ዝብል ጉዳይ ( . . . ) እቶም ንርእሶም ኣብ ኣገልግሎት ዘወፈዩን ዘእተዉን ንቤተ ክርስቲያን ጽገና ንቕኑዕ ናይ ግዜ ምልክታትን ትንበያን የገልግሉን ንዘመንና ብጽሩይ ልቢ የንብቡ - ክርስቶስ ዘይመስል ኩሉ ነገር ከም ቤተ ክርስቲያንን ከም ኣመንትን ከምኡ’ውን ምስ ወንጌል ዘይቃዶ” ኩሉ ነገር ምቕንጣጥ

ኣቦ መንበር ሽማግለ ሓበሬታ ባይቶ ሲኖዶስን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ዕለት 6 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ንናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ሓበሬታ ልኡካን ጋዜጠይናታት ብዛዕባ ናይ ዕለት 6 ጥቅምቲ ሳልሳይ ውዕሎ ተጋባእያን ብነኣሽቱ ናይ ዕዮ ጉጅለታት ተወዳዲቦም ዘካየድዎ ዘተ ኣማእኪሎም መግለጺ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዝተኻየደ ዋዕላ፥ ካህናት ደናግል ዓለማውያን ምእመናን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ጳጳሳትን ካርዲናላትን ደቂ ኣንስትዮን ኮታ መልክዕ ኩሎም ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ዝውክል ቤተ ክርስቲያን ከም ስድራ ቤት ዝቖመት ምዃና ዘርእይን ዛዕባ ጸሎትን ተራ ደቂ ኣንስትዮን ናይ ዓለማውያን ምእመናን ዝተቐብኡን ዘይተቐብኡን ‘ኣገልግሎት’፡ ማእከላይነት ቅዱስ ቁርባንን ቃል ኣምላኽን፡ ከምኡ እውን ኣገዳስነት ድኻታት “ከም ኣማራጺ ንቤተ ክርስቲያን”። መዓት ስደትን ግህሰትን ኣብ ኩነታት ስደትን መከራን ዝነብሩ ክርስቲያን እውን ዝተመያየጠ ምንባር ሓቢሮም።

ኣብቲ ብንኡሳን 35 ጉጅለታት ተወዲቡ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ብጠቕላላ 351 ኣባላት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ከም እተሳተፉ ኣመላኺቶም፡ ዛዕባ ‘መዓልታዊ ውዕሎ ሲኖዶስ ብዝተኻእለ መጠን ሓበሬታ ክንህበኩም ኢና’ እንክብሉ ድማ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 ጸብጻባትን 22 ውልቃዊ ምትእታታዋትን

እቲ ናይ ዕለት 6 ጥቅምቲ ዋዕላ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተረኽብሉ ኣብ ክልተ ህሞት ተኸፋፊሉ ዝተኻየደ ምንባሩን እቲ ቀዳማይ ካብቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት “ጸብጻባት” ዝተወሃበሉ ብጠቕላላ 18 ጸብጻባት ዝሓዘ ኮይኑ፡ እቲ ካልአይ ህሞት 22 ውልቃዊ ሓሳቦም ዘቕረብሉ ከም ዝነበረ ኣመላኺቶም፡ ኣብዚ ምዕራፍ ነፍሲ ወከፎም ድማ ሓሳቦም ንዝቕረቡ ናይ ሰለስተ ደቓይቕ ግዜ ከም እተወሃቦምን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ድሕሪ ኣርባዕተ ዝቐረበ ርእዮቶን ሓሳብን ጽሞናን ጸሎትን ከም ኣተፈጸመ ገሊጾም።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ቃል ዝገለጽ መጽሓፍ

ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዋዕላ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ብቋንቋ ጣልያን ዝተደርሰ ትርጉም ግሊዘይናን ስፓይናን ዘለዎ ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ዘስምዕዎ መደረ ከምኡ እውን ኣብ ቡዌኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ናይ ካርዲናል ማሪዮ ቦርጎሊያ ብዛዕባ ቅድስናን ብልሽውናን ዝምልከት ዘስምዕዎ መደረ ገና መቕድም ዘይሓዘ መጽሓፍ ንተጋባእያን ከም እተዓደለ ሓቢሮም።

ሸይላ ፒረስ፥ ብዙሕነትን ብሓባር ናይ ምጉዓዝ ድሌትን

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጉባኤ ጳጳሳት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊትን ናይ ሲኖዶስ ሽማግለ ሓበሬታ ዋና ጸሓፊት ሸይላ ፒረስ፥ እቶም ናይ ዕዮ ጉጅለታት “ኣዝዩ ሲኖዳውነት” ዘንጸባርቕ ምዃኑ ኣብሪሀን “ተጋባእያን ክፋለጡ ከም ዝጀመሩን . . . ናይ ብሓቂ ብሓባር ንጓዓዝ ከም ዘሎና ዘመላኽት እዩ” ልዕሊ ኩሉ ብርግጽ “ወጥሪ እውን ዝጎደሎ እዃ እንተኾነ “ሓጎስ” ዝፈጥር ሃዋሁ እዩ።

እቲ ኣዚዩ መሳጢ መዳይ፡ . . . ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ካብ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ዝመጹ ሰባት ኣብ ሓደ ጉጅለ ምጥርናፎም እዩ፡ “ንኣብነት ኣብቲ ኣነ ዘለውኽዎ ጉጅለ ካብ እስያ ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝመጹ ሰባት ኣለዉ፡ ብዙሕነነታውን ሕውነታውን መንፈስ ዘንጸባርቕ ድማ እዩ። እዚ እውን ብሓባር ናይ ምጉዓዝ ድሌት ምህላዉ ይምስክር” ኢለን።

ንኹሉ ዝሓቁፍን ማእስር ዕርክነትን

ፒረስ ከም ዶክተር ሩፊኒ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ክፍሊ ግዜታት ገለ ካብቶም ዝተቕልቀሉ ኣርእስታት ዘርዚራ ብፍላይ ድማ “ቤተ ክርስቲያን ከም ንኹሉ ሰብ እትቕበል ስድራ ቤት” ዝብል ነጥቢ ብኣጽንዖት ይገልጻ፡ ዶክተር ሩፊኒ፥ “ማእስር ዕርክነት” ንምድልዳል - ኣብተን ንኣሽቱ ጉጅለታት ዕዮ ዝውለድ ምሕዝነት ንቤተ ክርስቲያን እንታይ ከም ዘድልያ ንኽንርዳእ ተእኣኪብናን ርእስና ወፊናን ኢና።” ጸገማ ዘሎን ዝነበረን ዝህሉን እኳ እንተኾነ እቲ መወከሲ ነጥቢ እቲ መከራ ዝተቐበለ ስጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝኸውን ብዙሕ ዕንቃፋታት ከም ዝእለይ ኣፍልጦ ከም ዘሎን ዘነጸረ እውን እዩ ኢሎም።

ዝተዘተየሎም ኣርእስታት

ኣብቶም ንኡሳን ጉጅለታት ትኹረት ዝተገብረሎም ነጥብታት፥ “እረማ ናይ ቤተ ክርስቲያን መሓውራት ከም ሕገ ቀኖና፡ ዓቐን ‘ኩርያ ሮማና - ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት’ ሕጂ እውን ምቛምን’ ዝብል ምንባሩ ሓቢሮም፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ‘ቤተ ክርስቲያን ክልተ ሳንቡእ’ ዘለዋን በቲ ክልተ ሰናቡእ ከተስተንፍስ ከምዘለዋ ዝበልዎ ታሪኻዊ ሓረግ ብምጥቃስ፡ ኣብ ርእሰ ጉዳይ ዝምድና ምብራቕን ምዕራብን እውን ዘተኮረ ከም ዝነበረን ብዛዕባ ተርእዮ ስደትን ኣድላይነት ምስናይን ከም እተሰመረሉን ኣብ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምድንፋዕ ኣብ ዝተፈላለየ መስርሕ ንጡፍ ተሳትፎአን ኣገዳስነቱን ከም እተሰመረሉ እውን ገሊጾም፡ ተመሳሳሊ ስክፍታ ብዛዕባ መንእሰያትን ድኻታትን ብዝምልከት እውን ከም እተመያየጠን ኣብዚ መዳይ እዚ ዝረኣ ዝሕታለ ክስገር እውን ምሕንጽንታ ከም ዝቐረበ የመላኽቱ።

‘ጽገና’ ቤተ ክርስቲያን

ካብቶም ኣብቲ ጉባኤ ሓሳብ ንኸቕርቡ ዕድል ዝተወሃቦም፡ ካብ መስቀል ቅዱስ ዳሚያኖ ዝተወስደ ጽሕፉ ንሱ ድማ ቤተ ክርስቲያነይ ሓድሳ ዝብል ጽሑፍ ኣብቲ ጉባኤ ዝካየደሉ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተነቢሩ ከምዘሎ እውን ኣዘኻኺሮም፡ ጽገና ቤተ ክርስቲያን ዝብል ጉዳይ ( . . . ) እቶም ንርእሶም ኣብ ኣገልግሎት ዘወፈዩን ዘእተዉን ንቤተ ክርስቲያን ጽገና ንቕኑዕ ናይ ግዜ ምልክታትን ትንበያን የገልግሉን ንዘመንና ብጽሩይ ልቢ የንብቡ - ክርስቶስ ዘይመስል ኩሉ ነገር ከም ቤተ ክርስቲያንን ከም ኣመንትን ከምኡ’ውን ምስ ወንጌል ዘይቃዶ” ኩሉ ነገር ምቕንጣጥ ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ከምቲ “ካብ ነቐፌታዊ ነጥብታት” ዝነበረ ሓደጋ” ኣብ ክንዲ ኣገልግሎት ምንባር ዘድሊ ሓይሊ ምእካብ።”

ኣባላት ሲኖዶስ “ሲኖዳውነት ኣካል ምዃናውነት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ” የረጋግጹ፡ ኣብዚ ከም እተሰማምዑን ሓሳባቶም “ናብቶም ኣብ ሲኖዶስ ክሳተፉ ዘይክእሉ እንተስ ብሰንኪ ስደት ወይ ብሰንኪ ከቢድ ምኽንያት ቅውላው ኣብ ዓለም” እውን ከም ዝገበሩ ሩፊኒ ሓቢሮም።

ዛዕባ ዩክሬይን

ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣቓልቦ ናብታ ኣብ ዩክሬይን “እትሳቐ ዘላ ቤተ ክርስቲያን” ብምግባር ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም “ኣብ ኲናት” ዘለዉ ሰባትን . . . ምስቶም ኣብ ስቓይ ዘለዉ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ምዃን ቅርበትን ሕብረትን ምርግጋጽ ከም ዘድሊ ድማ ከም እተሰመረሉን . . . ኣብቲ ኣኼባ “ንምልላይ” ዝድግፍ ሃዋሁ እውን ከም እተፈጥሩ የመላኽቱ።

ሕቶ ንሩፊኒ ዛዕባ ቃለ መሕትት ካርዲናል ሙዩለር

ዛዕባ እቶም ኣብ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ልሂቅ ህየንተ ካርዲናል ገርሃርድ ሉድቪግ ሙዩለር ዝምልከት ንዝቐረበ ሕቶ፥ ንሱ ድማ ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተለቪዥን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ምስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበለዎ ማለት፥ “ኣባላት ሲኖዶስ ካብ ዘረባ ተቖጢቦም ኣብ ምስማዕ ከተኩሩ እንክብሉ - ካብ ቤላበለው ምጿም” ዝተሓላለፈ ይመስል፡ ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ትእዛዝ ዘይምኽባር ‘ዘስዕቦ መቕጻዕቲ” ኣሎ ድዩ” ዝብል ሕቶ ክኸውን እንከሎ፥ “ኣብ ስቕታ ምስትውዓል” ከም ዘድሊ ተሓቢሩ እዩ፣ . . . ስለዚ ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ንገዛ ርእሶም እገዳ ዝሃቡ ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም። ር.ሊ.ጳ. ነቶም ተጋባእያን ዝሓተትዎ ውልቃዊ መስትውዓል ኣሎ። ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ ጉባኤ ንዓኻትኩም ክንገልጽ እንኮለና ነቲ ምስትውዓልን ሱቕታን ዝብል ጉዳይ ዝመሓላለፍ ኣይኮነን፡ ስለዚ እዚ ምስትውዓል እዚ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝሕደግ ጉዳይ እዩ” እንክብሉ ብዝሃብዎ መልሲ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 October 2023, 17:17