ድለ

ቅድስቲ መንበር፥ ቅልውላው ንናይ ሕቡራት ሃገራት ተወፋይነት ንልዕልና ሕጊ ከዳኽም የብሉን ቅድስቲ መንበር፥ ቅልውላው ንናይ ሕቡራት ሃገራት ተወፋይነት ንልዕልና ሕጊ ከዳኽም የብሉን 

ቅድስቲ መንበር፥ ቅልውላው ንናይ ሕቡራት ሃገራት ተወፋይነት ንልዕልና ሕጊ ከዳኽም የብሉን

"ንፍትሕን ሰላምን ሰብኣዊ ምትሕግጋዝን ኣገዳሲ መሰረት" እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብሓቂ ፍትሒ ንኩላዊ ሕውነት ንምዕዋትን ግርጭታት ብሰላማዊ መገዲ ዝፍትሓላ ሕጊ እቶም ዝያዳ ሓያላት ዘይስዕሩላ ዓለም ንምህንጽ መተካእታ ዘይብሉ ክብሪ እዩ”

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቻ ብደረጃ ዓለምን ሃገራውን ሓድሽ ዕጥቃዊ ግጭታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ልዕልና ሕጊ ክኽበር ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ልዕልና ሕጊ ኣብ ኣገልግሎት ሰብ ዝጸንዐ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ንምሕላው ዝዓለመ እዩ” ስለዚ “ኣብ ህጹጽ እዋን እውን እንተኾነ” ኣብ ኣተገባብራኡ “ፍሉይነት ወይ ከከም ምስ ኩነትቱ ዝብል ኣዘራርባ ክህሉ ኣይክልን” እንክብሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቻ ዕለት 19 ጥቅምቲ ኣብ ኔው ዮርክ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት (UNGA) ሓጋጊ ኣካል እቲ ውድብ ኣብ ዘካየዶ ሻድሻይ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንፍትሕን ሰላምን ሰብኣዊ ምትሕግጋዝን ኣገዳሲ መሰረት

ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረስ ሕቡራት ሃገራት ልዕልና ሕጊ ምሕያልን ምውህሃድን ዝብል ንጥፈታት ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ርእይቶ ዝሃቡ ኣብቲ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ እዚ ምሕያልን ምውህሃድን ልዕልና ሕጊ ዝብል መትከል  "ንፍትሕን ሰላምን ሰብኣዊ ምትሕግጋዝን ኣገዳሲ መሰረት" እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብሓቂ ፍትሒ ንኩላዊ ሕውነት ንምዕዋትን ግርጭታት ብሰላማዊ መገዲ ዝፍትሓላ ሕጊ እቶም ዝያዳ ሓያላት ዘይስዕሩላ ዓለም ንምህንጽ መተካእታ ዘይብሉ ክብሪ እዩ” ስለዚ እቲ ብደረጃ ዓለም ለኻውን ሃገራውን ዝቕልቀል ሓድሽ ዕጥቃዊ ግጭግታት ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃግራት “ንልዕልና ሕጊ ዘለዎ ተወፋይነት” ከዳኽም ከም ዘይብሉ ከተሓሳስቡ እንከለዉ፥

ኣብዚ እዋን እዚ ልዕልና ሕጊ ኣብ መላእ ዓለም ሓድሽ ብድሆታት የጋጥሞ ኣሎ። ብደረጃ ዓለም ነቲ ኣህጉራዊ ስሮዓት ዝህነጸሉ መሰረታዊ መትከላት ዝጻረር፡ ሓደስቲ ዕጥቃዊ ግጭታት ንዕዘብ ኣሎና። ብደረጃ ሃገር ነቲ ዝተቐመጠ ቅዋማዊ ስርዓት ብምጥሓስ፡ ብዝሒ ዓመጽ ዝመልኦ ምስግጋር ስልጣን ዘሰክፍ ኩነታት ምውሳኽ። ከምኡ እውን ጽዑቕነት ስፍሓትን በርገሳዊ ግጭታት እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ንዕዘብ ኣሎና። እዚ ፍጻሜታት እዚ ነቲ ልዕልና ሕጊ ዘሎና ተወፋይነት ከዳኽም የብሉን!

ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ነቶም ኣዝዮም ድኹማትን ተቓላዕትን ምሕላው

ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ወሲኾም እቲ ሓቀይና ሕመረት ልዕልና ሕጊ “ንማሕበራዊ ስኒት መተካእታ ዘይብሉ መሰረታዊ ክብርታትን መትክላትን ዘጠቓለለ” እውን “ብትግሃት ክድገፍን ክኽበርን” ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም፡ ብፍላይ ድማ "ንፍልልያት ዘይምጽውዋር ዘረጋግጽ ኣብ ህሉው ህሞት፡ ኣብ ድሌታትን መሰላትን ሰባት ዘተኮረ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልዕሊ እቶም ድኹማትን ተቓላዕትን፡ ማለት ኣብ ልዕሊ ድኻታት፡ ስደተኛታት፡ ኣረጋውያን ህሙማንን ዘይተወልዱን ግቡኦም ሸለል ክበሃል ዝድርኽ ባህላዊ ቅዲ  ክንነጽጎ ኣሎና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይመላኽት።

ሓደስቲ ስነ ኣሃዛዊ ዕደ ጥበብ ንልዕልና ሕጊ ዘስዕቦ ብድሆታት

ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ዕደ ጥበብ ቅልጡፍ ምዕባለ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ልዕልና ሕጊ ዘስዕቦ ሓደስቲ ብድሆታት ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ብምጥቃስ፥ “ኣሃዛዊ መጋበርያታት ኣብ ውሽጢ ስርዓተ ፍትሒ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ብቅዓትን ንምምዕባል ንነፍሲ ወከፍ ክብሪ ወዲ ሰብ ዝድግፍ ክኸውን ብስነ ምግባር ክምራሕ ኣለዎ፡” ብርግጽ ከምቲ ዋና ጸሓፊ ጉተረስ ዝገለጽዎ ብግቡእ እንተ ዘይተጠቂምካሉ፥ “ኣሃዛዊ ዕድ ጥበባዊ ምዕባለ ጉድኣት ከስዕብን ዘይማዕርነት ክሕይልን ንደቂ ኣንስትዮን ብዘይ መጠን ክጸልውን ኣድልዎ ከዕብይን ይኽእል” ምስ በሉ ኣብ መደምደምታ፥ “ናይ ዘመንና ዝተሓላለኸ ቅልውላዋት ንምፍታሕን ማዕረ ዕድላትን መሰልን ናጽነትን ኩሉ ብምሉእ ብምኽባርን ሰላማዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽን ልዕልና ሕጊ ምኽባር ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

21 October 2023, 17:26