ድለ

ናይ ስልኪ ርክብ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ምስ ናይ ኢራን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ናይ ስልኪ ርክብ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ምስ ናይ ኢራን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ  

ናይ ስልኪ ርክብ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ምስ ናይ ኢራን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ

እቲ መዕለቢ ዘርየክብ ግጭት ፍልስጥኤማውያንን እስራኤላውያንን ፍታሕ ዝረክብ ክልተ ጎረባብቲ ህዝብን መንግስትን ዝብል ናይ ቅድስቲ መንበር መርገጺ ኣቃሊሖም

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ብስልኪ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ንምውጋድ ኣብ ዝብል ሓሳብ ከም እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ እስላማዊት ረፓብሊክ ኢራን ሑሴን ኣሚር - ዓብደላሂያን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ብስልኪ ክራኸቡ ከም ዝሓተቱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ በዚ መሰረት ሎሚ ዕለት 30 ጥቅምቲ ንጎሆ እቲ ናይ ስልኪ ርክብ ምክያዱ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ዘተ፡ “ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብዛዕባ ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዝፍጸም ዘሎ ግጭት ዘሕድሮ ዘሎ ዓቢይ ስክፍታ” ገሊጾም እቲ ግጭት ካብ እናገደደ ዝኸይድ ከምኡ እውን እቲ መዕለቢ ዘርየክብ ግጭት ፍልስጥኤማውያንን እስራኤላውያንን ፍታሕ ዘርክብ ክልተ ጎረባብቲ ህዝብን መንግስትን ዝብል ናይ ቅድስቲ መንበር መርገጺ ኣቃሊሖም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ነባሪ ሰላም ዘውሕዝ እውን ምዃኑ ዘለዎም ጽኑዕ እምነት ከም ዝገለጹ የመላኽት።

30 October 2023, 16:11