ድለ

2023.10.09 Sinodo dei Vescovi - IV Congregazione Generale 2023.10.09 Sinodo dei Vescovi - IV Congregazione Generale  (Vatican Media)

ካርዲናል ሆለሪኽ አብ ጉባኤ ሲኖዶስ ብዛዕባ 'ዜንጸባርቕ ሕብረት' አስተንቲኖም

አብ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት አብቲ ናይ መዛተዪ ሰነድ ዝርከብ ቅጥዒ ለ-1 መሰረት ብምግባር፣ ብፁዕ ካርዲናል ዣን-ክሎድ ትማሊ ሰኑይ ንግሆ አብ መኽፈት 4ይ ሓፈሻዊ ጉባኤ አስተንትኖ አቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 4 ክሳዕ 29 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ሃገረ ቫቲካን "ሕብረትን ተሳትፎን ተልእኾን ንሲኖዳዊት ቤተክርስቲያን " ዘርእስቱ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ይካየድ ኣሎ፣ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ትማሊ ሰኑይ አብ ዝነበሮም ውዕሎ ብዛዕባ እቲ ካልኣይ ክፋል ናይቲ መዛተዩ ሰነድ ከስተንትኑ ጀሚሮም።

ሰኑይ ንግሆ ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ኣብቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምስታፍ ዕለታዊ ጉባኤ ጀሚሮም ።

ማሮናዊ ፓትርያርክ ዘኣንጾክያ ዝኾኑ ብፁዕ ወቅዱስ ካርዲናል በቻራ ቡትሮስ ራይ "መገዲ ሲኖዶስ ነቲ አብ ዓለምና ዘሎ ቅልውላው ምላሽ ንኽህበሉ ይሕግዘና ኢዩ" ብምባል አብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ገሊጾም።

ብድሕሪ እዚ እቶም ተጋባእቲ ናብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዚርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተመሊሶም  ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቀጺሎም ውዒሎም ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዘስተንተኑሉ ቅጥዒ ሀ ብምዝዛም፣ ናብቲ ክልአይ ክፋል ናይ መዛተዪ ሰነድ ጉባኤ ዝኾነ ቅጥዒ ለ አተኵሮኦም ብምግባር አስተንትኖኦም ቀጺሎም ።

ዜንጸባርቕ ሕብረት

እቶም ናይዚ ጉባኤ ሲኖዶስ ጠቕላሊ አፈ-ጉባኤ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ዣን-ክላውደ ሆለሪኽ መተአታተዊ ናብ ቅጥዒ ለ-1 ዝኾነ መግለጺ አቕሪቦም።

ኣብታ ቐዳመይቲ ቅጥዒ "ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመት ምስ ተመክሮ ህዝቢ ኣምላኽ ‘ብሕብረት ምጉዓዝ’ ብዝብል እተገበረ ምስክርነታት ከም ብሓድሽ ተራኺብና ኢና" ከምኡውን "ነታ ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን ከአ አብ አተኹሮና ብምምጻእ አብ ንጹር ዝኾነ መረዳእታታት ክንበጽሕ ጽዒርና" ብምባል ተዘክሮኦም አካፈሉ።

በዚ ካልአይ ክፋል እምበአር፣ ብዛዕባ እታ "ካብተን ንህዝቢ ኣምላኽ ብምስማዕን እዚ ጉባኤ እዚ ክዓየሉ ተጸዊዕሉ ዘሎ ሰለስተ ሕቶታት አብታ ቀዳመይቲ ሕቶ ዘተኮረ ክኸውን ኢዩ" በሉ።

ኣርእስቲ ናይዛ ቅጥዒ "ዜንጸባርቕ ሕብረት" ዝብል ኮይኑ፣ እቶም ካርዲናል አብ መግለጺኦም፣ አብዚ አርእስቲ እዚ እቲ ቐዳምነት ኪወሃቦ ዘለዎ ነገር - "ከመይ ጌርና ኢና ናይቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ሕብረትን ንሓድነት ናይ ኵሎም ደቅሰብን ምሉእ ምልክትን መሳርሕን ክንከውን እንኽእል?" ንዝብል ሕቶ አብ ምስትንታን ክኸውን ኢዩ ኢሎም።

ካርዲናል ሆለሪኽ አስዒቦም ነዚ ጉባኤ እዚ አብ ዝስዕቡ መዓልታታ እንታይ ክገብር ይጽበዮ ከም ዘሎ አስፊሖም ገሊጾም ።

"ሎሚ ድሕሪ ቐትርን ጽባሕን ንግሆን  ብመሰረት እቲ ድሮ ኣብ መንፈስ እንገብሮ ዘሎና ዘተን ሓባራዊ ሜመያን እተመኮርናዮ ሜላ ኣብ ንኣሽቱ ጉጅለታት ኮይና ኽንዓዪ ኢና። ንሓድሕድና ጽን ክንበሃሃል ኢና፣ ከምኡ ውን ንመንፈስ ቅዱስ ክንሰምዖ ጽን ክንብል ኢና ።

ከምዚ ድማ በሉ - "ነቲ ናይ ጕጅለ ጸብጻብ ከነዳሉን፣ እቲ ጸሓፊ ናይ ጉጅለ ኣብቲ ዓቢ ጉባኤ ከቐቦ ዘለዎ ጸብጻብ ከነዳሉን ክንጅምር ኢና፣ ኣብቲ ጕጅለኹም ናብቲ ዓቢይ ጉባኤ ከቕርቦ እትደልዮም ነጥብጣት አሚቍ አተኵሮም ብምግባር ስርሑሉ እዚ ድማ ዓሚቝ ሓባራዊ ሜመያ ንምግባር ክሕግዘና ኢዩ፣” ክብሉ ተማሕጸኑ።

4ይ ሓፈሻዊ ጉባኤ

ድሕሪ መእተዊ ካርዲናል ሆለሪኽን ካልኦት ካብ ኣባላት ሲኖዶስ ኣብቲ ኣብ ቅጥዒ ለ-1 ዝቐረበ ኣርእስትታት እተፈላለየ ሓሳባትን አስተንትኖታትን ምስክርነቶም አስዑ።

ክቡር አባ ቲሞቲ ራድክሊፍ ከአ ብዛዕባ እታ አብ ዔላ ያዕቆብ ዝነበረት ሳምራዊት ሰበይቲ እንካብ ወንጌል ዮሓንስ 4፡ 7-30 ጠቒሶም ሰፊሕ አስተንትኖ አቕሪቦም ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ዱርሃም ኣብ ክፍሊ ትምህርተ መለኮትን ስነ-ሃይማኖትን  መምህር ካቶሊካዊ ትምህርቲ ማሕበራዊ ኣተሓሳስባን ልምድን ዝዀነት ዶ/ር ኣና ሮላንድስ “ሕብረት - ከም መርዓ ናይቲ ገንሸል” ዝአርእስቱ ዓሚቕ ስነ መለኮታዊ አስተንትኖ አቕሪባ።

ተሓባባሪ ፕረዚደንት ናይቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያንን እተገብረ ሓባራዊ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ንስነ-መለኮታዊ ምይይጥ ዝዀኑ ብፁዕ ሊቀጳጳስት አቡነ ጆብ (ጌቻ) ዘፒሲዲያ ብዛዕባ እቲ አብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ዘሎ ተመኩሮ ናይ ሲኖዶሳዊ ጉዕዞ ምስክርነቶም አካፊሎም።

ኣብ ርእሲ እዚውን ክቡር አባ ካላረንስ ዳቨዳሳን በዓል ማሌዥያ “ናይቲ ምስ አምላኽ ዘለና ሕብረትን ከምኡ ውን አብ መንጐ ደቅሰባት ዘሎ ሓድነትን ከመይ ቢልና ብምልአት ምልክትን መሳርሕን ክንከውን ንኽእል?” አብ ዝብል አርስቲ አስተንትኖ አቕሪቦም ።  ካብ ሆንግ ኮንግ ዝኾነት ሲው ቫኔሳ ቸንግ እትበሃል ካቶሊካዊት ምእመን ብዛዕባ “ሲኖዶሳዊ ባህልሊ” ብፍላይ ከአ ብዛዕባ “ሲኖዳውነትን እስያውያን ባህልታትን” አብ ዘተኮረ ምስክርነታ አካፊላ።

ብድሕሪ እዚ አብቲ ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ዝነበረ ጉባኤ እቶም ነኣሽቱ ጕጅለታት ብዛዕባ እታ ሓዳስ ካልኣይ ክፋል ናይ መዛተይ ሰነድ ዝኾነት ቅጥዒ ለ-1 ክዛተዩ ተጋቢኦም።

10 October 2023, 17:25