ድለ

ፓሮሊን፥ ሽበራን ዓመጽን ጸንፈይናነትን ንናይ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ሕጋዊ ኣስተንፍሶ መጥቃዕቲ እዩ ፓሮሊን፥ ሽበራን ዓመጽን ጸንፈይናነትን ንናይ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ሕጋዊ ኣስተንፍሶ መጥቃዕቲ እዩ 

ፓሮሊን፥ ሽበራን ዓመጽን ጸንፈይናነትን ንናይ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ሕጋዊ ኣስተንፍሶ መጥቃዕቲ እዩ

ዝምድና ፍልጥኤማውያንን እስራእኤላውያንን ኣብ ፍትሒ መስረት ዝገበረ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ርጉእ ሰላምን ሰላማውን ፍረ ዘለዎን ሓባራዊ ህይወት ክረጋገጽ ዝኽእል”

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ኣብ ሰነዳት ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12ን ዝምድና ኣይሁድን ክርስቲያንን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ መኽፈቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝረአ ዘሎ መዓታዊ ፍጻሜታት ዝስምዖም ሓዘን ገሊጾም፥ “ሽበራ ዓመጽ ዓረመናዊ መጥቓዕትን ጸንፈይናነትን ነቲ ሕጋዊ ባህጊ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዝጻረርን ዘዳኽምን እዩ። ኣጽዋር ስቕ ብምባል ኣመክንዮ ክስዕር ምግባር” የድሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካሪዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ኣብ ሰነዳት ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12ን ዝምድና ኣይሁድን ክርስቲያንን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ንሰለስተ መዓልቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ንኽከፍቱ ዕለት 9 ጥቅምቲ ዘስምዕዎ መደረ፥ ዝሓለፈ ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብሓማስ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕን ፍንፉንን መጥቃዕቲ፡ ር.ሊ.ጳ. ዕለት 8 ጥቅምቲ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዘሕደረሎም ጓሂ ዝገለጽሉ ጉዳይ መሊሶም ብምዝኽኻር፡ ንሶም እውን እዚ ዝረኣ ዘሎ ሓድሽ ናይ ዓመጽ ማዕበል ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ምኽንያት ሓዘኖም ብምግላጽ ኣበጊሶም፥ “ቅዱስ ኣቦና ዕለት 8 ጥቅምቲ በቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝርአ ዘሎ ዓመጽ ዝፈጠረሎም ጓህን ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ስቓይ ተኻፋሊ እየ” እንክብሉ ብዝገለጽዎ ሓሳብ መደረይ ከበግስ ፈጺሞ ኣይምሓሰብኩን። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ግን የገድደና። ስለዚ ናይ ቅዱስነቶም ጓሂ ደጊመ አቃልሕ . . . ቀዳም ዕለት 7 ጥቅምቲ ብኣይሁድ እምነት “በዓለ ሺምካት ቶራሕ - ናይ ቶራህ ሓሴት” ዝበዓለሉ ዕለት ዝወረደ መጥቓዕትን በቲ ዓመጽ ንዝሞቱን ዝቖሰሉን ዝተጨውዩን ኣብ ሓደጋ ንዘለዉን ቅርበተይ እገልጽ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እቲ ውግእ ትጭነቕ፥ ብዓሚቝን ከቢድን ስክፍታ ድማ ትከታተሎ ኣላ፡ ኣብዚ ኲናት ብዙሓት ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጋዛ እውን ህይወቶም ይስእኑ ከም ዘለዉን ብዙሓት ይመዛበሉን መቑሰልቲ እውን የጋጥሞም ኣሎ” እንክብሉ ገሊጾም። ቅርበቶምን ጸሎቶምን ንኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ንኹሎም በርገሳውያን እውን ደጊሞም ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 8 ጥቅምቲ ‘ኲናት ኩሉ ግዜ ስዕረት ክብረት ሰብን ናብ ተኻኣሊ ሰላማዊ ፍታሕ ንኸይብጻሕ ዝዕንቅጽን እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም፥ እቲ ዘሕዝን ይብሉ ብጹዕነቶም፥ “ግብረ ሽበራ ዓመጽ ባርባራውነትን ጸንፈይናነትን ንሕጋዊ ባህጊ ፍልስጥኤምን እስራኤልን የዳኽም - ኣጽዋር ምዕባስን ኣመክንዮ ክስዕር ምግባር፡ ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ቅኑዕ መገዲ ደው ኢልካ ምስትንታንን ዘገልግል ቅድመ ኩነት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ንሓባራዊ ሰላማዊ ናብራ መሰረት ምንባር

ኣህጉራዊ መጋበርያ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ነቲ ኣብ መንጎ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ናይ ሓባር ህይወት ጸገም ዝኾነ ንምፍታሕ ዝሕግዝ መሰረት ምዝርጋሕ የድሊ። እቲ ጸገም ክሳብ ዘይተፈትሐን ቀመር ሰላም ክሳብ ዘይተረኽበ እቲ እንርእዮ ዘሎና ዓመጽ ኩሉ ግዜ ንባዕሉ ክደጋገምን ናብ ሓደጋ ከውድቕን እዩ” እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ታሪኽ ዝመሃረና እይንመስልን

ካብ ታሪኽ እክንዲ ንመሃር ኣብ ታሪኽ ዝሓለፈ ምረት ዝደጋገም ዘሎ እዩ ዝመስል፡ ኣብ 1900 ዓመታት ዘጋጠመ መዓት ኣካል ሕሉፍ ታሪኽ መሲሉና ነይሩ፡ ዘይድግም! ኣብ ክንድኡ ኩሉ እቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ንደግሞ ምህላውና ብዘሰንብድ ሓዘን ከነስተብህል ይግባእ። ህልው ኩነታት ዓለም ርኢኻ ካብ ታሪኽ ዘይተመሃርናን ታሪኽ ዘይመሃረናን ንመስል” ከም ዝበሉ የመላኽት።

ኩሉ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክባት ምትግባር

“እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነት ከመይ ጌርና ንኣርሞ?” ቢሎም - ቅድሚ ኩሉ ነዚ ፍጹም ብዘገርም መገዲ ዝተበገሰብ ግጭት ንምድራት ናይ ኩሉ ሰብ ተወፋይነት ክህሉ ግድን እዩ። . . . ኩሉ መጋበርያ ስነ ሜላዊ ክልኣዊ ርክባት ተግባራዊ ምግባር” ኩላትና በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ስምዒታውነት ኣብ ልዕሊ ኣመክንዮ ነንግስ ዘሎና እዩ ዝመስል። ነዚ ድማ ክንሰግሮን ኣብዚ ኩሉ ዓቐበት ኮይኑ ዝረኣየናን ዝመስለናን እውን እተኾነ ‘ካብዚ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ወጺእና ብሓባር ነቲ ኩነት ብምስትንታን ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ኣገባብ ክርኣ ዘተባብዕ ምዃን የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ፍትሒ ምንባር

ኣብ መወዳእታ ካርዲናል ፓሮሊን፥ “ኣብ ፍትሒ ክንነብር ዘኽእለና ኩነታት ክንረክብ ኣሎና” ምኽንያቱ ከምቲ ፒዮስ መበል 12 ኣቐዲሞም ዝበለዎ፥ “ሰላም ፍትሒ እዩ።” ስለዚ ድማ “ነዚ ዘሕዝን ጸገም ናይ ምፍታሕ መግዲ ድለዩ። ዝምድና ፍልጥኤማውያንን እስራእኤላውያንን ኣብ ፍትሒ መስረት ዝገበረ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ርጉእ ሰላምን ሰላማውን ፍረ ዘለዎን ሓባራዊ ህይወት ክረጋገጽ ዝኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

10 October 2023, 14:38