ድለ

2023.10.13 Sinodo dei Vescovi - Santa Messa 2023.10.13 Sinodo dei Vescovi - Santa Messa  (Vatican Media)

ካርዲናል ኣምቦንጎ ፦ ሲኖዳውነት ምስ እከይ ናይ ምክፍፋል ንምቅላስ ይሕግዘና

ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሊቀ-ጳጳሳት ኪንሻሳ ብፁዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ንኣባላት ሲኖዶስ አብ ዕለታዊ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ቃል አምላኽ ንክርስትያን ምእመናን ምስ እከይ ናይ ምክፍፋልን ዘይምስምማዕን ምስ ቤተ-ክርስትያን ኮይኖም ክቃለሱ ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ንግሆ ዓርቢ ዕለት 13 ጥቅምቲ መኽፈቲ መደብ ሻምናይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ በቶም ናይ ሃገረ ኮንጎ ሊቀ-ጳጳስት ብጹዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዱስ ቅዳሴ ኣብ ቫቲካን ተኸፊቱ።

ብፁዕነቶም ንኣባላት ሲኖዶስ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ቃል አምላኽ ነቲ ኣብ ኪደት ዘሎ ጉባኤ ሲኖዶስ ከም "ጊዜ ጸጋን ምስትውዓልን" ከምኡ ውን "ሓድሽ ጴንጠቆስጠ" ከም ምዃኑ ገሊጾም።

ሲኖዶስ "ብርግጽ ነዛ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሓድነት ናይ አባላታን፡ ኣብ ንጡፍ ተሳትፎ ናይ ኵሎም ምእመናን አብ ህይወትን ተልእኾን ቤተ-ክርስትያን ከሐድሳ ኢዩ" ብምባል መስከሩ።

ምእንቲ ንሓጢኣት ቤተ-ክርስትያን ምሕረት አምላኽ ንምሕታት

ብፁዕ ካርዲናል ኣምቦንጎ ነቲ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ መጽሓፈ ትንቢት ኢዮኤል ብምጥቃስ አብ ዝገብርዎ አስተንትኖ፣ እቲ ነቢይ ኢዮኤል እተዛረቦ ቃላትን ከምኡ ውን እቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስን ዘለዎም ምምስሳል ገለጹ።

ቤተ-ክርስቲያን አብዚ ግዜ እዚ ብዘንኪ ጾታዊ ዓመጽን፡ ንስልጣን ብዘይ አግብባ ምጥቃምን፡ ዕርበት ሕልናን፡ ከምኡ ውን ምስ ቑጠባዊ ብልሽውና ብዝተተሓሓዘ “ከቢድ ናይ ተኣማንነትን፡ ትብዓትን ቅልውላው” የገጥማ ምህላው ገሊጾም።

“ካብ ኩለን አህጉርት መጺእና አብቲ ምልኩዕ ሓድነትን ብዝሓውነት ባህልታትና፣ ከም ሓንቲ ስድራ ሰሚርና አብ ዘሎናሉ፣ አብ ቅድሚ እዚ አብ ርእሲ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ መንበረ ታቦታ ምእንቲ ድኻምነታትና አብ ክንዲ መላእ ቤተክርስቲያን ብንስሓ ክንሓዝንን ክነብእን ውን ይግባእ ኢዩ” በሉ።

ቀጺሎም ውን ብፁዕነቶም "ክንበክን ክንሳሕን ንኣምላኽ ስለ ሓጢኣትና ምሕረት ክገብረልና ኽንልምኖን ኢና መጺእና። እንተዀነ ግን እቲ ዝበለጸ መገዲ ጣዕሳን ብኽያትን ከአ መንገዲ ንስሓ ብምስዓብን ተሓድሶ ብምግባርን፣ ንመንገዲ ዕርቅን፣ ፈውስን፣ ፍትሕን ክፉታት ንኽንከውን ትብዓት ምስ እንገብር ጥራይ ኢዩ።"

አጽዋር ሲኖዳውንት ኣንጻር እከይ ናይ ምክፍፋል

ካርዲናል ኣምቦንጎ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ምስ ድያብሎስ ዝገበሮ ቓልሲ ዝዛረብ ናይ ዕለቱ ንባብ እንካብ ወንጌል ሉቃስ ውን ኣስተንተኑ።

እዚ ንባብ እዚ "ድያብሎስ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዓለምና ከም ዘሎን ንጡፍ ከም ዝዀነን ኢዩ ዘዘኻኽረና " ከምኡውን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከይተረፈ ምክፍፋልን ዘይምስምማዕን ብምዝራእ "ወትሩ ንዕዮ ኣምላኽ ከበላሽዎ ኢዩ ዝጽዕር" ድማ በለ።

"እቲ እኩይ ዘይምርድዳእ ኢዩ ዝዘርእ።"

እዞም ሊቀ-ጳጳሳት ኪንሻሳ አስዒቦም "ስለዚ ኸኣ ኢና ነቲ ሓድነት፡ ብሓባር ምጕዓዝ፡ ብጸሎት ምምማይ፡ ሕድሕዳዊ ምስማዕን ከምኡውን ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝብለና ነገራት ጽንምባል ዝብሉ ኣጽዋር ሲኖዳውነት ዝኾኑ ተጠቒምና ምስቲ እኩይ ብትብዓት ክንቃለስ ዘሎና" ብምባል ስብከቶም ዛዘሙ።

14 October 2023, 16:27