ድለ

ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ውዕሎ መበል 16 ጉባኤ ሲኖዶስ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ውዕሎ መበል 16 ጉባኤ ሲኖዶስ  (Vatican Media)

ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ውዕሎ መበል 16 ጉባኤ ሲኖዶስ

ካርዲናል ሾንቦርን እውን ብወገኖም፥ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ምስማዕ እዩ ካብ ጉባኤ ኢየሩሳሌም ዝጀመረ . . . ምዃኑ ድማ ኣብሪሆም፥ ሲኖዳውነት ካብ ምስማዕ ካብ ሓባራዊ ምስትውዓል ዝመጽእ እዩ። . . . ምስማዕን ጽሞናን ዘተን መሰረት ዝገበረ እዩ

ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ ሽማግለ ጉዳያት ሓበሬታ ኣቦ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዛዕባ ዕለት 22 ጥቅምቲ ዝተኻየደ መበል 16 ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣማእኪሎም ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ንናይ ዝተፈላለያ ማዕከታት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ዕለት 28 ጥቅምቲ “ጽሙር ሰነድ” ሲኖዶስ ክዝርጋሕ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 25 ጥቅምቲ ሓርፋፍ መልኽቲ ናብ ህዝበ እግዚኣብሔር ከም ዝቐብን ዋዕላ መበል 16 ጉባኤ ሲኖዶስ እውን ነቲ መልኽቲ ብምላእት ከም እተቐበሎን ብዕድመ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሲኖዶስ ሓፈሻ ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ማሪዮ ግረች “እቲ ዝተመሓየሸን ተወሳኺ ሓሳባት ዘጠቓለለ ናብ ህዝበ እግዚኣብሔር ዝመሓላለፍ መልኽቲ” ምዃኑ ከም ዝሓበሩን ፓውሎ ሩፊኒ እውን እቲ ናብ ህዝበ እግዚኣብሔር ዝመሓላለፍን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝትርጎም መልኽቲ ዕለት 25 ጥቅምቲ ክጸድቕን ክሕተምን እውን ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ካርዲናል ሾንቦርን፥ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ኣብ ውህደት

ዶመኒካዊ ናይ ቬየና ሊቀ ጳጳሳት ናይ ሲኖዶስ ኣፈ ጉባኤ ካርዲናል ክሪስቶፍ ሾንበርን ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝነብርዎ ዘለዉ ተመኩሮ ብዕምቆት ብምርኣይ፡ ኣብ 1965 ዓ.ም. ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ናይ ቲዮሎጊያ ተመሃራይ ከም ዝነበሩን ብዛዕባ እቲ ሲኖዶስ እውን ብናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኢየሱሳዊ ካህን ካርድል ራህነር ዝተዋህበ ኣስተምህሮ ከም ዝሰሙዑን፡ ራህነር “ኣብ እምነት ተስፋን ፍቕርን ዕብየት እንተዘይተራእዩ ኩሉ ንኸንቱ እዩ” ዝበሎ ሓሳብ ዘኪሮም ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ እውን ብናይ ራህነር ቃል እምስሎ። ከም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ መጠን ድሕሪ 20 ዓመት ምዝዛም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ 1985 ዓ.ም. ኣብቲ ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተጸውዐ ሲኖዶስ ከም እተሳተፉን ብዛዕባ እቲ መሰረታዊ ኣምር ውህደት ዝምልከት ‘ሕጂ እንገብሮ ዘሎና ድሕሪ መበል 50 ዓመት ቅዋመ ሲኖዶስ ዝካየድ ብምዃኑ፡ ብልክዕ ‘ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውህደት ከመይ ጌርና ከም እንነብሮ፥ ውህደት ኣብ እምነት ውህደት ምስቲ ሓደን ስላሴን ኣምላኽ ኣብ መንጎ ምመናን ንካልኦት ክፉት ዝኾነ ውህደት’ ዝምልከት ምዃኑ የብርሁ። ነዚ ንምንባር ድማ እቲ ዝበለጸ መገዲ ሲኖዳውነት እዩ፡ ብዛዕባ እቲ ምስጢር ቤተ ክርስቲያን ዝዛረብ ራእይ ውሳኔ ብርሃነ ኣህዛብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዳግማይ ምሕሳብ እዩ ዝኸውን። ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ምስጢር እያ። ስዒቡ እውን ህዝበ እግዚኣብሔር እያ፡ ድሕሪኡ ጥራይ እዩ ብዛዕባ ስርዓተ መሰረት ቅዋም ኣባላት እትዛረብ።

ካርዲናል ሾንቦርን ኣስዒቦም፥ “ድሕሪ ደጊም ኤውሮጳ ማእከል ቤተ ክርስቲያን ኣይኮነትን’ ከምቲ መዓልታዊ ኣብ ሲኖዶስ ዝረአ ዘሎ። . . . ኣብታ ኣረጊት ክፍለ ዓለም - ኤወሮጳ ሲኖዳውነት ኣብ ምንባር ቁሩብ ዝደሓረት እያ ስለዚ ክትበራበር ኣለዋ” ከም ኣብነት ድማ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ጳጳሳት ኤውሮጳ ውሁድ ድምጺ ኣስሚዖም ከም ዘይፈልጡ ክገልጽ እፈቱ ቢሎም፥ ኣብ ምብራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ሲኖዳውነት ድማ ምስ ሊጡርጊይ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ የብርሁ።

ካርዲናል ኣጉያር ረተስ፥ ቀጻልነት ሲኖዳውነት

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሓበሩ መክሲካዊ ካርዲናል ካርሎስ ኣጉያር ረተስ፥ ነቲ ብበነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ ሓደሽ ወይ ዳግማይ ስብከተ ወንጌል ንኽመክር ዝጸውዕዎ ሲኖዶስ 2012 ዓ.ም. ብምዝካር፥ ምትሕልላፍ እምነት ተበታቲኑ ማለት ኣባይቲ ስድራ ንሓድሽ ወለዶ እምነት ኣብ ምትሕልላፍን ብዛዕባ እምነት ኣብ ምዝራብን ከም ዝደኸመ እዩ ዘመላኽት” ነዚ እዩ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝዝትይ ቀዳማይ ሲኖዶስ ዝጠለቡ። ከምኡ እውን ንመእስያት ምዕያይን ንኣኣቶም ቀረባ ምዃኑ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘዘኻኽሩ ነዚ መሰረት ገይሮም ድማ ኣብ 2018 ዓ.ም. ንመንሰያት ዝተወፍየ ሲኖዶስ ጸዊዖም እዮም። . . .

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣማዞን ዝተወፍያ ዝጸውዕዎ ሲኖዶስ እውን ዘኪሮም በዚ መሰረት ድማ ኣገዳሰንት ለውጢ ከባቢ ኣየርን ምክልኻል ፍጥረትን ብምስትንታን ኣብ ስነ ምህዳር ተሃዋስነት ህጻናትን መንሰያትን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ የመላኽቱ። . . . መገዲ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዳውነት ምዃኑ ቅዱሰንቶም ብምስትውዓል ድማ ዛዕባ እቲ መስርሒ ሲኖዶስ ካብ 2021 ዓ.ም. ካብ ሰበኻታት ዝተብገሰ ክኸውን ገይሮም እዮም ሎሚ ድማ ኣብዚ ንርከብ ስለዚህ እቲ ኣብ መክሲኮ ዝተነብረ ተመክሮ የካፍሉ . . .

ካርዲናል ኣቨሊነ፥ ምስማዕ ጽምዋን ጸሎትን ናጽነትን

ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሓበሩ ኣብ ፈረንሳ ናይ ማርሲልያ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ዣን ማርክ ኣቨሊን፥ ናይቲ ናይ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ጸብጻባት ኣብ ምትኽኻብ ዝዓዪ ሽማግለ ኣባል ከም ዝኾኑን በዚ መሰረት ድማ ኣብቲ ዝእከብ ዘሎ ጸብጻባት ዝርአ ሓጎስ ሕዳሴ ገሊጾም፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ሰባት ክራኸቡ ምድላይ ምስኦም ሓድሕዳዊ ምልውዋጥ ተመክሮታት ምክያድ ንህልው ኩነታት እውን ምክትታል፡ ስለዚ እቲ ኣብ ሕድሕድዊ ምስማዕን ጸሎትን ጽሞናን ዘተኮረ ጉባኤ ሲኖዶስ ንህልው ኩነታት ዓለም ኣዚዩ ቀረባ ምዃኑ ይሕብሩ። ኣብ ከምዚ ኩነት እዚ ቤተ ክርስቲያን መልእኽቲ ፍቕሪ ኣምላክ ብዝያዳ ሓይሊ ናብ ዓለም ናይ ምዝርጋሕ ሓላፍነት ከተሐይል የተባብዕ” . . . ብዛዓብ ናይ ሓባር ሓላፍነትና ዘንጸባርቕ ናይ መወዳእታ ውሳኔታትና ብዙሕ ትጽቢታት የለዓዕል ኣሎ።” እዚ ናይ መወዳእታ ሰሙን ጉባኤ ሲኖዶስ ወሳኒ ከም ዝኸውን ድማ ኣረጋጊጾም . . . ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ክንሰማማዕ ፍልልያት ንኽንፈትሖን እንፍትነሉ መዓልታት እዩ፡ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ዝዘራእናዮ ፍረ እንዓጽደሉ ክኸውን እዩ ዝብል ተስፋ ኣሎኒ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እናቴ ሪጎን፥ ዓለም ንኹሉ ሰብ ዝሓሸት ክትከውን እንታይ ክገብር ይኽእል

ናይ ማሕበር ደናግል ሃዘነ ማርያም ዓባይ ሓለቓ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ መምህር ኣብቲ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝሳተፋ ዘለዋን ኣብቲ ናይ ዕለት 22 ጥቅምቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሓበራ እናቴ ሳሙኤላ ማርያ ሪጎን፥ . . . ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ንኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተንክፋሉ ጸጋ ከም ዝኾነን ሓቢረን ንትሕትና ዝዕድም ናይ ኣተሓሳስባን ኣረእኣእያን ዓቢይ ቅንስል እዩ . . . ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ጻዕሪ እምነት ጻዕሪ ኣብ ግብረ ሰናይ ተስፋ ኣብ ኢየሱስ ዝብሎ ናይ ውህደት ምልክት ኣሎ . . . ሎሚ ከም ብሓድሽ  ክርስቲያን ምዃን ነዚ ዝምስክር እንተዝኽውን ለውጢ ምሃለወ . . . ከም ዝበላ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ሲኖዶስ ‘ጽሙር ሰነድ’ ዕለት 25 ጥቅምቲ ክዝርጋሕ እዩ

ካብ ጋዜጠይናታት ዝቐረበ ሕቶ መሰረት ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ ሽማግለ ጉዳያት ሓበሬታ ኣቦ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ምትኽኻብ ሓሳባት ተኻይዱን ነዚ ብሓደ ዝጠርንፍ ጽሙር ሰነድ ክዝርጋሕ ምዃኑን ከም ዝሓበሩን እቲ ድሕሪ እዚ ሲኖዶስ እዚ ኣብ ሲኖዳውነት ኣማእኪሉ ኣብ 2024 ዓ.ም. ዝካየድ ብመንጽር ትሕዝቶን ቅርጽን ናይ 2023 ዓ.ም. ዝክየድ ድዩ ንዝብል ሕቶ ድማ ካርዲናል ረተስ፥ እቲ ዝተዘተየሉን ዝተመኮረን ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ መገዲ ክህሉ ከም ዝኽእል ክሕብሩ እንከለዉ ካርዲናል ሾንቦርን እውን ብወገኖም፥ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ምስማዕ እዩ ካብ ጉባኤ ኢየሩሳሌም ዝጀመረ . . . ምዃኑ ድማ ኣብሪሆም፥ ሲኖዳውነት ካብ ምስማዕ ካብ ሓባራዊ ምስትውዓል ዝመጽእ እዩ። . . . ምስማዕን ጽሞናን ዘተን መሰረት ዝገበረ እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

እናቴ ሪጎነ ኣስዒበን፥ እቲ ሲኖዶስ ዝጥቀመሉ ዘሎ ምስማዕ ዝምብል መሌ ኣብ ኩሉ ሸነኽ ኣብ ስራሕ ኣብ ስድራ ቤት ኣብ ማሕበራትን ገዳማውያን ማሕበረሰባት ዳግማይ ክረኽቦን ናቱ እውን ክግበሮ ይግባእ። ኩሉ ዝበለጸ መታን ክኸውን። ካርዲናል ሾንበር እውን ብወገኖም ቀደም እውን ኣብ ሲኖዶስ ክሊላታት ዓለማውያን ምእመናን ይዕድሙ ነይሮም እዮም ሎሚ ግን ዓቢዩን እቲ ዝነበረ ዝምድና ዝቐረበን ዓሚቝን ክኸውን ጀሚሩ ኣሎ። ስለዚ እቲ ሲኖዶስ ሲኖዶስ ጳጳሳት እውን እንተኾነ ዝዓበየ ተሳትፎ ምመናን ደቂ ኣንስትዮን ሰብ ውፉይ ህይወትን ዘለዎ ሲኖዶስ ጳጳሳት እዩ። እንክብሉ እቲ ሲኖዶስ ጳጳሳዊ ምዃኑ ክዝንጋዕ ከም ዘይብሉ የመላኽቱ።

እቲ ሲኖዶስ ምግምማዕ ክፈጥር ይኽል ዝብል ፍርሒ ኣሎ ድዩ ንዝብል ሕቶ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ካርዲናል ሾንበርን እንክምልሱ፥ ምግምማዕ ንክርስትያናዊ ምስክርነት ዕንቅፋት እዩ - ቢሎም - ሓደ ቆጵጣዊ ኦርቶዶክሳዊ ባሕታዊ ዝበልዎ፥ “ምግምማዕ ዘሕፍር እዩ እንተኾነ ግን ሓደሓደ ግዜ ገለ ገለ ሰባት ነቲ ሓድነት ብጽቡቕን ንጽቡቕን ክጥቀምሉ ኣብ ዘይክእልሉ እዋን  ንጽቡቕ ሓድነት ደቂ ሰባት እንክብል ይፈቕዶ ይኸውን” ዝበሎ ይጠቕሱ።

መክሲካዊ ጳጳስ ረተስ፥ ናይ ሃገሮም ተመክሮ መሰረት ገይሮም፥ ብዙሕነት ዕንቅፋት ክኸውን የብሉን ዝተፈላለየ modus operandi - ኣገባብ ኣሰራርሓ እዩ፡ ኩሎም ግን ጻዕሮም ንሰናይ ቤተ ክርስቲያን ዘተኮረ እዩ” እንክብሉ ብወገኖም መልሲ ከም ዝሃቡን ካርዲናል ኣቨሊን እውን ኣስዒቦም ይብሉ፥ እቲ ሲኖዶስ ዓቢይ ናይ ሓድነት ህሞት እዩ። . . . እቲ ሓድነት ድማ ክርስቶስ እዩ።

. . . ኣብ መወዳእታ ኣብ መንጎ እዋናዊ ስልጣናዊ ትምህርትን ኣበርክቶ ሊቃውንቲ ስነ መለኮትን ናይ ህዝቢ እምነትን ዘሎ ርክብ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ምጅማር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝበልዎ ብደረጃ ርድኢት ዓበይቲ ምዕባለታት ኣሎ ዶ? ንዝብል ሕቶ ካርዲናል ሾንቦርን ክምልሱ እንከለዉ፥  ምዕባለታት ኣሎ እንተኾነ ግን ዘይልወጥ እምነት እውን ኣሎ። . . . ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ስላሴ ምስርጢረ ስጋዌን ከምኡ እውን ቅዋመ ቅዱስ ቁርባን ዝምልከት ትምህርቲ ክቕይሮ ዝከኣል ኣይኮነን . . . ባህልታት ይፈላለዩ እንተኾነ ግን ሕመረት ናይ እምነት ካብ ዘመነ ሓዋርያት እውን ጀመሩ ኣዚዩ እናማዕበለ እውን እንተኸደ ዝቕየር ኣይኮነ እንክብሉ ብዝሃብዎ መልሲ ዛዕባ ዋዕላ 16 ጉባኤ ዚኖዶስ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 October 2023, 15:13