ድለ

2023.10.20 ጻብጻብ መበል 14 ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ፥ ነጋዶ ኣጽዋር ዳግማይ ሰብኣውነት ክስቆሮም ጻውዒት የቕርብ 2023.10.20 ጻብጻብ መበል 14 ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ፥ ነጋዶ ኣጽዋር ዳግማይ ሰብኣውነት ክስቆሮም ጻውዒት የቕርብ 

ጻብጻብ መበል 14 ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ፥ ነጋዶ ኣጽዋር ዳግማይ ሰብኣውነት ክስቆሮም ጻውዒት የቕርብ

. . . ካብ ዝተፈላለየ ከባብን ሃገርን ዝመጻና እውን እንተኾንና ብዙሕ ዘመሳስለና ነገራት ከም ዘሎ ነስተውዕል፥ ብቐዳምነት እምነት እዩ፡ ኣገዳሲ መዳይ ድማ ምልዋጥ ልቢ እዩ ናይ ምቕያር ድልውነት ከም ቤተ ክርስቲያን ክንዓቢ ዝብል ድሌት

ዕለት 20 ጥቅምቲ ዝተኻየደ መበል 14 ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ፥ ዛዕባ ተራ ጳጳሳትን ስልጣን ከም ኣገልግሎትን ሓባራዊ ሓላፍነት ዓለማውያን ምመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝሓቁፍ ክኸውን ኣብ ዝብሉ ኣርስታት ዝመኸረ ምዃኑ ዝተውሃበ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ስልጣን ኣብ ቤተ ክርስቲያን “ኣገልግሎትን ብጥራሕ እግርኻ ዝግለጽን ምዃኑን ከምኡ እውን ጉዳይ ግህሰት ኣብቲ ዕለት 19 ጥቅምቲ ድሕሪ ቐትሪ ዝተኻየደ ጉባኤ ሲኖዶስ ዘተ ዝተገብረሉ እርስቲ ኮይኑ፡ ቀጺሉ እውን ኣብቲ ዕለት 20 ጥቅምቲ ዝተኻየደ መበል 14 ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ 343 ተጋባእያን ከም እተሳተፉ ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ ሽማግለ ጉዳያት ሓበሬታ ኣቦ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ  ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 20 ጥቅምት ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ንናይ ዝተፈላለያ ማዕከታት ዜና ልኡካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍልጡ።

እቲ ዋዕላ ኣብ መዛተይ ሰነድ ቅጥዒ ለ - ፍቕዲ ሰለስተ ኣብ ዘሎ “ዛዕባ ተሳትፎ ሓላፍነትን ስልጣንን” ኣብ ዝብል እርስታት ከም ዝመኸረን ‘ምልካውነት ንምውጋድ’ ዝተኻየዱ ጻዕርታት ከም እተረጋገጸን “ስልጣን መጋበርያ ዕብለላ ዘይኮነስ ኣገልግሎት ምዃኑ ከም እተመልከተን፡ ስልጣን ዘለዎ ሰብ ንኹሉ ክቆጻጻር ዘይኮነ ናይ ምውካል ክእለት ክህልዎ ኣለዎ” ጳጳስ ናይ መወዳእታ ቃል ዘለዎ እውን እንተኾነ እንኰ ቃል ከም ዘይኮነ እቲ ዋዕላ ከም ዘስመረሉ ሩፊኒ ገሊጾም።

ካብቶም ዝተዘተየሎም ኣርስታት፡ “ግደ ጓሶት ኣብ ኣገልግሎት ድኻታት” ዝብል ኮይኑ በቲ ምሸት ማለት ዕለት 19 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝተካየደ ዘተ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ኣውያት ናይቶም ኣብ ጎደናታት ዝሳቐዩ” ኣቓልቦ ክወሃቦም ከም ዘለዎ ኣጉሊሖም እዮም። ብተወሳኺ ተጋባእያን “እቶም ጳጳሳት ኣብቶም ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር ኣብቲ ንሚሊዮናት ሰባት መከራ ዘስዕብ ‘እናተኾላለፈ ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ኲናት ዓለም’ ኣበርክቶ ዝገብር ስምዒታት ሰብኣውነት ዳግማይ ንኽለዓል ልቦም ክልወጥ ጻውዒት ከም ዝቐረበ ዝሓበሩ ሩፊኒ ኣስዒቦም፥ “ሓባራዊ ሓላፍነት” ሓደ ካብቶም ኣብ መደረታት ብተደጋጋሚ ዝተገልጸ ሓሳብ ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም፡ “ተሳትፎን ምህውውሃድን” ዝብል ርድኢት ክወሃቦን ኣብዚ መዳይ እዚ ንተወፋይነት ዓለማውያን ምመናን ዋጋ ምሃብ ኣገዳስነቱ ከም እተሰመረሉ የመላኽቱ።

ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ ሽማግለ ጉዳያት ሓበሬታ ዋና ጸሓፊት ሺላ ፒረስ፥ ኣብቶም ዓለማውያን ምእመናን እውን ከይተረፈ ‘ንስልጣን ብዘይ ግቡእ ምጥቃምን ናይ ሕልና ቁጠባውን ጾታውን ዓመጽ ዝኣመሰሉ ተግባራት ከም እተራእየን ግህሰት ድማ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተኣማንነት ዝሃስይ እውን እዩ፡ ስለዚ ብርቱዕ ምቁጽጻር ዘድልዮ ምዃኑ የብርሃ።

ሲኖዳውነት ምስ “ምስማዕን ዘተን” ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ ግህሰት ንምክልኻል ክሕግዝ ይኽል ምስ በላ ኣስዒበን ብዛዕባ ጽገና ብዝምልከት ኣብ ቁጠባውን ሃብቲ ገንዘብን መሓውራት ዝለዓለ ግልጽነት ንምምዝጋብ ዘድሊ ለውጢ ይግበር ምህላውን . . . ናብ ሲኖዳውነት ንኽንምለስ እዚ ድማ ናብ ናይ ህዝባዊ ባይቶ ናብ ዝብል ኣመለኻኽታ ከይድርኽ ምጥንቃቕ ከም ዘድልን ከም ጉባኤ ጉስነት ዝኣመሰሉ ድሮ ዝነበሩ መሓውራት ምድልዳል ህጹጽ ምዃኑ ድማ የመላኽታ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣሃዛዊ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ሃዋሁ ጉኒ ጎኒ ህላወ መንሰያትን ነቶም ኣብ ወሰናስን ዘለዉ ንምቅራብ ሓቀይና ናይ ተልእኾ ቦታ ምዃኑ ኣዘኻኺረን ኣብ ክውንነት ድማ ነዞም መንሰያት ኣብቲ ድሮ ዘለዉሉ ማለት ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምርካብ ከም ዘድሊ ገሊጸን።

ሊቀ ጳጳሳት ግሩሻስ፥ ህንጸትን ምልዋጥን

ናይ ቪልኒየስ ሊቀ ጳጳሳት ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ህብረትን ናይ ሊትዋንያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጂንታራስ ግሩሻስ እውን ብወገኖም፥ ነቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ፕራግ ዝተካየደ ኣህጉራዊ ኣኼባ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዘኪሮም፡ በኣረኣእያ ሊቀ ጳጳሳት ጉርሻስ፥ . . . ህንጸት ዝብል ቃል፥ “ቤተ ክርስቲያን ምዃን ብሓባር ምንባር ሱታፌን ክህሉ ዝሕግዝ መገዲ” ምዃኑ ኣስሚሮም። ተመክሮ ሲኖዶስ ንባዕሉ ነዚ ኩሉ ብጭቡጥ ዝግንዘብ ምዃኑ የመላኽቱ። . . . ካብ ዝተፈላለየ ከባብን ሃገርን ዝመጻና እውን እንተኾንና ብዙሕ ዘመሳስለና ነገራት ከም ዘሎ ነስተውዕል፥ ብቐዳምነት እምነት እዩ፡ ኣገዳሲ መዳይ ድማ ምልዋጥ ልቢ እዩ ናይ ምቕያር ድልውነት ከም ቤተ ክርስቲያን ክንዓቢ ዝብል ድሌት ምዃኑ እውን ይሕብሩ።

እናቴ ፋዱል፥ ኣብ መንጎ መከራን ተስፋን

ከምኡ እውን ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሓበራ ኣባል ናይቲ ኣብ ሶርያ ብኣባ ፓውሎ ዳሎሊዮ ኢየሱሳዊ ካህን ዝተምስረተ ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ ዝኽተል ገዳም ዳር ሙሳ ኣብቲ ሲኖዶስ ዝሳተፋ ዘለዋ ሶርያዊት መነኮስ እናቴ ሁዳ ፋዱል፡ ውልቃውን ከም ቤተ ክርስቲያናውን ብኩናት ለበዳ ርእደ መሬት ዝተጸለወ ተመክሮአን ከምኡ እውን እቲ ንሰን ዝርከባሉ ሰበኻ ንሰለስተ ዓመት ብዘይ ጳጳስ ከም ዝጸነሔን  እቶም ሕጂ ዝተመደቡ ጓሳ ኣብቲ ዘካይድዎ ዘለዎ ሓዋርያዊ ጉስነት መንሰያት ንምስታፍን ዘተ ክህሉ ብዝብል መደባት ዘካይድዎ ጉስነት . . . ዝብሉ ነጥባታት መሰረት ገይረን ድሕሪ ዘቕረበዎ ሓሳብ ኣስዒበን እቲ ኩሉ ኣብቲ ሲኖዶስ ዝትንከፍ ዘሎ ነጥብታት ኩሉ ብሓባር ምጉዓዝ ብዝብል ቅዲ ዝድህሰስን ነቲ መበገሲ ዝኸውን መገዲ ንምልላይ ምዃኑ የመላኽታ።

ናይ ቶኪዮ ሊቀ ጳጳሳት፥ በጠማምታ ግብረ ሰናይ

ቀጺሎም ኣብቲ ዝተወሃበ ጸብጻብ ዝሓበሩ ናይ ቶኪዮ ሊቀ ጳጳስት ኣቦ መንበር ናይቲ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረዲኤትን ዝሓቁፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ታርቺሲዮ ኢሳኦ ኪኩቺ . . . ኣብ እስያ ብዙሕ ቋንቋታትን ብዙሕ ክውንነታትን ከምዘሎ ብምምልካት ምስ ኩሉ ህዝቢ ንምጉዓዝ ዘድሊ ሓደ መገዲ ጥራይ ከም ዘይኮነን እዚ ድማ ሲኖዳውነት ተመሳሳልነት ማለት ዘይኮነስ ንውልቀ ሳባትን ባህልታትን ብግቡእ ምኽባር ዝሓትት ምዃኑ የመልክቱ።

ቀጺሎም፥ “ነፍሲ ወከፍ ግብረ ሰናይ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዳውነት ጉዕዞ መሰረታዊ እዩ፡ ኩለን ውዳበታት ናይ ገዛእ ርእሰን ካቶሊካዊ መንነት ኣለወን። ምስ ዝተፈላለዩ መሻርኽቲ ብንጥፈት ይተሓባበራ፡ ስለዚ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝግበር ዘተ ዓቢ ዋጋ ኣለዎ . . .

እናቴ ባሮን፥ ተፈጥሮኣዊ ኣፍሪቃዊ ሲኖዳውነት

ኣየርላንዳዊት ናይ ማሕበር ደናግል ንግስተ ሓዋርያት ዓባይ ሓለቓን ናይ ማሕበራት ደናግል ዓበይቲ ኣሕሉቕ ቤት ምኽሪ ኣደ መንበር እናቴ መርይ ተረዛ ባሮን፡ ሲኖዳውነት - ይብላ - ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ልእኽቲ ወንጌል ኮይነን ኣብ ዘገልገልገላሉ እዋን ዝንበር ዝነበረ መንፈስ ምዃኑን ከቢብና ኮፍ ኢልና ኩላትና ብሓባር ውሳነታት ንወስድ ዋላ ምስቶም ትምህርቲ ዘይነበሮም ዝበሃሉ፡ ካብ ልብና ብሓባር ንዝትይ ነይርና፡ ነፍሲ ወከፍ ድምጺ ሓደ ዓይነት ክብደት ነይርዎ። . . .

ኩሉ ሰብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናቱ ተራ ኣለዎ

እናቴ ፋዱል፥ ኣብ ሲኖዳውነት ኣብ ምስክርነት ናይ ሓባር ህይወት ዘለዎ ኣበርክቶ ኣብሪሀን፡ ኣብ ሶሪያ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ቤተ ክርስቲያን ነቲ ማሕበረሰብ ከም ዘይሓደገቶ ብጸሎትን ብዝተፈላለየ መዳይ ቀረባኡ ብምዃን ህላወኣ ክስምዖ ከም ዝገበረት ከዘካኽራ እንከለዋ፡ እናቴ ባሮን እውን ገዳማዊ ህይወት ወይ ውፉይ ህይወትን ሲኖዳውነት ብኸመይ ከም እትነብር ይሃንጽ፡ . . . ይብላ።

ኣብ መኣዲ ሲኖዶስ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ምህላዉ መለለዪ ጽባቔ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ . . . ነዚ ጽባቔ እዚ ንኸይትጎድእ ክትብሎ ዘሎካ ኣብ ዝምልከቶ ቦታ እምበር ካብዚ ወጻእካ ምዝራብ ቅኑዕ ኣይኮነን ናይ ሓሳብ ምፍልላይ ከም ዘሎ ንጹር እዩ። ኣብ ባህላዊ ድሕረ ባይታ እውን ዝምርኮስ ፍልልይ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ ደረጃ እዚ ናይ ሓባር ውሳኔ ንምቕራብ ኣንጊህና ኣሎና” ይብላ። ሊቀ ጳጳሳት ግሩሻስ ኣስዒቦም፥ ድሮ ብሕጊ ቀኖና ሲኖዳውነት ዝኾኑን ሕጂ ብኣድማዒ መገዲ ክትግበሩ ዝኽእሉን ብርክት ዝበሉ መሓውራት ከም ዘለዉ ይገልጹ፡ ናይ ቶኪዮ ሊቀ ጳጳሳት ነቲ ኣብ እዋን ኮቪድ - 19 ዝነበረ ተሞኩሮ ዘኪሮም ኣብቲ ኣዋን ንሰባት ኣብ ሓደ ኣኪብካ ብሲኖዳዊ መገዲ ክጓዓዙ ንምግባር ብዙሕ ዕድል ኣይነበረን እንክብሉ . . .

ሊቀ ጳጳሳት ጉሩሻስ ኣብ መወዳእታ እቲ ሓድነት ኣብ ኣገባብ ሲኖዳውነት ምዃኑ ገሊጾም፥ ሃምነናዊ መደምደምታ ኣይኮናን ንደሊ ዘሎና ብዙሓት ውሳኔታት ዝደልዩ እኳ እንተመሰሉ ካብቲ ውሳኔታት ግን እቲ መስርሕ እዩ ዝያዳ ዘገድስ፡ እናቴ ፋዱል ድማ ወሲኸን ምስማዕን ምክፋልን ምስትውዓልን ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ወሳኒ ቃላት እያቶም ምስ በላ በዚ ኣገባብ እዚ እቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲክን ኣፍሊጡ።

21 October 2023, 17:20