ድለ

መርሕ ቃል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን 2024 ዓ.ም.፥ ኣብ ዛዕባ ሰብ ሰርሖ ቀልቢ መርሕ ቃል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን 2024 ዓ.ም.፥ ኣብ ዛዕባ ሰብ ሰርሖ ቀልቢ 

መርሕ ቃል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን 2024 ዓ.ም.፥ ኣብ ዛዕባ ሰብ ሰርሖ ቀልቢ

ኣብ መንጎ ሰባት ዝግበር ርክብ ጥራሕ ክህቦ ዝኽእል ውዑይ መንፈስ ዝጎልዶ፡ ሰብ ሰርሖ ቀልብን ስልተ ቀመር - ስለተ ሓሳብ ምምራሕን ብግቡእ ምምሕዳርን ኣገዳሲ ይኸውን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 2024 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን መርሕ ቃል፥ “ሰብ ሰርሖ ቀልቢ ንኩለንተናዊ ሰብኣዉ ርክብ” ዝብል ክኸውን ከም ዝወሰኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ 2024 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን፡ “ሰብ ሰርሖ ቀልቢ፥ ንውሁድ ሰብኣዊ ርክብ” ዝብል ኣርእስቲ ክወሃቦ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝወሰኑ፥ እዋናዊ ኣብ ሰብ ሰርሖ ቀልቢ ዝተመርኮዘ ሰውራ፥ እደ ጥበባዊ መጋርበያ ብምጥቓም ምስ እዚ ዓይነት መሳለጥያ ምዝርራብ ባህርያዊ እናገበሮ ይኸይድ ምህላውን እዚ እውን ስሌት ካብ ሓሳብ ኣካል ካብ ሰብ ሰርሖ መሳለጥያ ዝተፈልየ ምዃኑ እዩ ዘረጋግጸልና፡ እዚ ሰብ ሰርሖ መሳለጠያ ኣብ ስርዓት ግጉይ ሓበሬታ ኣበርክቶ ክግበር ከም ዝኽእልን ከምኡ እውን ንጽምዋ ናይቶ ድሮ በይኖም ዘለዉ ሰባት እውን ዘግድድ ሓድሽ ብድሆታት የስዕብ። ኣብ መንጎ ሰባት ዝግበር ርክብ ጥራሕ ክህቦ ዝኽእል ውዑይ መንፈስ ዝጎልዶ፡ ሰብ ሰርሖ ቀልብን ስልተ ቀመር - ስለተ ሓሳብ ምምራሕን ብግቡእ ምምሕዳርን ኣገዳሲ ይኸውን፡ እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ስብ ብዛዕባ ኣጠቓቕማን ምዕባለን ናይዞም ምስ ማሕበራዊ መራኸቢታትን መርበብን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ዝኸዱ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ርክብ ሓላፍነታዊ ንቕሓት ምእንቲ ክህሉ እዩ። ርክብ ናብ ምሉእ ሰብኣዊ ህይወት ሰብ ዝቐንዐ ክኸውን ኣድልዪ ምዃኑ” ዜና ቫቲካን መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ጠቒሱ ይሕብር።

30 September 2023, 17:18