ድለ

ካርዲናል ሾንቦርን፥ ‘ሲኖዳውነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ናይ ምንባር ኣገባብ እዩ!’ ካርዲናል ሾንቦርን፥ ‘ሲኖዳውነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ናይ ምንባር ኣገባብ እዩ!’ 

ካርዲናል ሾንቦርን፥ ‘ሲኖዳውነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ናይ ምንባር ኣገባብ እዩ!’

እዚ ድሮ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ማእከላይ ዛዕባ እዩ ዝነበረ፡ ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ሕመርት ዕላማ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝኾነ ገና ብዙሕ እንመሃሮን እንገብሮ ኣሎና

ናይ ዜና ቫቲካን ርእሰ ዓንቀጽን ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ኦስትሪያ ንናይ ቪየና ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ክሪስቶፍ ሾንቦርን ብዝዕባ ዝመጽእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣማእኪሎም ነዘቕረብሎም ሕቶ ሰፊሕ መብርሂ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሲኖዳውነት ናይ ዓቕለሲያዊ ሱታፌ modus operandi - ኣገባብ ስራሕ እዩ፡ ኣብ ጉዳይ ምሕደራን ውሳኔታትን እውን ዘሳትፍ እዩ። ኣብ መዳያት ህይወት ቤተ ክርስቲያን! ሲኖዶስ ኣብ ሲኖዳውነት ኣብ ኣቕለሲያዊ ሱታፌ ኩሎም ኣባላት ሕዝቢ ኣምላኽ ከመይ ገይሮም ብሓባር ከም ዝጉዓዙ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ድማ ብወንጌላዊ መገዲ እዩ ዝንበር፡” ነዚ ዝበሉ ናይ ቪየና ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ክሪስቶፍ ሾንቦርን ምስ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ቶርኒየሊ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ቃለ መሕትት፡ እቲ ቤተ ክርስቲያን ሕጂ ትገጥሞ ዘላ መስርሕ ምስቲ ኣብ 1985 ዓ.ም. ኣብ ኤቅለሲያዊ ሱታፌ ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ዘሎ ምትእስሳር  ብምምልካት ትርጉም ሲኖዶስ ኣብ ዛዕባ ሲኖዳውነት የብርሁ።

እዚ ድማ Ut unum sint - ሓደ መእንቲ ኪኾኑ ዝብል ቃል ጐይታ መሰረት፡ ሕብረተሰብ ኣብ ቅድሚ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ናብ ሓድነት ከም ዝመጹ ንምርዳእ ይሕግዘና፥

ብጹዕነትኩም ካብቲ ክልተ ሓፈሻዊ ጉባኤታት ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት እቲ ቀዳማይ ክጅመር ቀሪቡ ኣሎ፡ ካብዚ ናይ ሓባር ስራሕ እንታይ ዓይነት ውጽኢት ትጽበዩ? ኣብዚ ሲኖዶስ ብዙሕ ነገራት ክኸውን ይኽእል . . . እንፈልጦ ነገር የሎን። ፍራንቸስኮ ኣብ ሓደ ምናልባት ፍሉይ መገዲ ኣእትዮምና ኣለዉ፡ እዚ ድማ ምስማዕን መመያን ዝብል እዩ። እዞም ክልተ ነገራት እዚኣቶም ወትሩ ክፍጸሙ ዘለዎም ጉዳያት እያቶም፡ ንህይወት ቤተ ክርስቲያን መባእታዊ ነገራት እዮም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ግና ኣብቲ ናይ መመያ ሕቶ ኣዚዩ ዝያዳ ግሉጽ ኣተኩሮ ሂቦም እዮም። ጐይታ እንታይ የርእየና? ንዓና ንቤተ ክርስቲያን ሎሚ እንታይ ይበለናን እንታይ ይደሊ? ስለዚ ሲኖዳውነት ነዚ ናይ ምስትውዓል መገዲ ንምዕሟቕ ንምምሃር ንምምልላስ ዝግበር ፈተነ እዩ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቪየና ቅድሚ ሒደተ ዓመታት ናይ ሃገረ ስብከት ሲኖዶስ ኣኽቢርኩም ኢኹም፡ እንታይ እዩ ዝተፈጥረ? ቁርብ ክእርመካ እደሊ ምኽንያቱ ናይ ሃገረ ስብከት ሲኖዶስ ኣይኮነን ዝነበረ፡ ሲኖዶስ ሃገረ ስብከት ኣብ ሕጊ ቀኖና ዝተቐመጠ ኣዚዩ ንጹር ሕግታት ኣለዎ። ኣነ ሓሳብ ነይሩኒ ንብዙሓት ድማ ኣካፊልናዮም ካብ ሰበኻታትን ትካላት ሰበኻታትን ካብ ኩሉ ክውንነት ሃገረ ስብከት ዝመጹ 1,400 ክሳብ 1,500 ልኡካን ዘለዉዎ ዘሳተፈ እዩ ነይሩ። እቲ መሪሕ መትከል ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብተደጋጋሚ ዝጠቐስዎ ጉባኤ ሓዋርያት ኮይኑ እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት እነንብቦ እዩ። ስለዚ ንሃገረ ስብከት ኣብ ጉዕዝና ምስ ጎይታ ዘጋጠመናን ዝተረዳእናዮን ብስርዓት ክንዛረብ ኣብ ሰበኻይ ሓሳብ ኣቕረብኩ እዚ እዩ ዝተኸየደ።

ኣብቲ መስርሕ ዝተንከፈኩም ጦብላሕታ ዘሕደረልኩም? እቲ ኣገባብ ወይ ሜላ ናይ ግብረ ሓዋርያት እዩ ነይሩ፡ ናይቶም ክርስትና ዝተቐበሉ ኣረማውያን ዝነበሩ፥ ክጥመቑ ኣለዎም ወይስ ኣይጥመቑ? እንተ ተጠሚቖም ድማ ሕጊ ኣይሁድ ክስዕቡ ነይርዎም ድዩ ወይስ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ እምነት እኹል እዩ? ነዚ ዓሚቝ ጉዳይ እዚ ንምፍታሕ ተመክሮታት ሰሚዖም ንኽውስኑ ምስትውዓል ወይ መመያ ክገብሩ ነይርዎም። ጴጥሮስ ደሓር ፓውሎስን በርናባስን ተዛረቡ። ኣብ መወዳእታ ብዘሎ ነቲ ጉባኤ ሰሚዑን ጸለየን፡ ኣብ ምወዳእታ ድማ  “መንፈስ ቅዱስን ንሕናን ወሲንና ኣሎና” ኣብ ዝብል ድምዳመ በጸሐ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ መበል 50 ዓመት ቅዋመ ሲኖዶስ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ መደረ ከቕርብ ምስ ሓተቱኒ ሲኖዶስ እንታይ ማለት ምዃኑ ጽማሬ ክህብ ግድን ነይሩ፡ ብዛዕባ ጥንታዊት ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ተመክሮ ድማ ተዛሪበ። ኩሉ ብዛዕባ ተመኩሮ ናይታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ ከምኡ እውን እዚ መገዲ እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ እዩ - እቲ ናይ ዘተን  ምስማዕን መመያን መገዲ ምፍላጥ ዝብል እዩ፥ እዚ ድማ ነቲ ሕጂ እንገጥሞ ዘሎና መስርሕ ሲኖዶስ ጽቡቕ ይመስለኒ።

ውጽኢት ናይ ሃገረ ስብከት ጉባኤታት እንታይ እዩ ነይሩ? ኣብ ሃገረ ስብከት ክንገብሮ ዝፈተንናዮ ኣብ መንጎና ዘሎ ሕብረት ንዓሚቝ ጉስነታዊ ተበግሶታት ከም ዘተባብዐ ርዱእ እዩ። ኣብቶም ጉባኤታት ኣይመረጽናን ውሳነታት ኣየፍረናን ወይ ጽሑፍ ኣይዘርጋሕናን፡ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ብመንጽር ተመክሮታትና ጥራይ ኢና ተኻፊልና፡  እዚ ድማ ኣገባብ ናይዘን ሓሙሽተ ሃገረ ስብከታት ጉባኤታት እዩ ነይሩ፡ ኣዚዩ እወታዊ ተመክሮ እዩ ነይሩ። ኣብ ጽንኩር እዋን ብሰንኪ ግህሰትን ቅልውላው ተኣማንነት ቤተ ክርስትያንን። ብሓቂ ግን ሓያል ተመክሮ እምነትን ሕብርትን ነይሩና እዚ ድማ ብርግጽ ተስፋ ከይቆረጽና ንቕድሚት ክንስጉም ሓጊዙና እዩ።

“ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት፡” እዚ ካብ ተሃዋስነት ሰባት ርሑቝ ክረአ ዝኽእል ኣርእስቲ ብመጠኑ እደ ጠባዊ ኣርእስቲ እዩ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ትብሉ? ኣብ ናይ 1985 ዓ.ም. ሲኖዶስ ከም ጳጳስ ዘይኮነስ ከም ናይ ቲዮሎጊያ ምሁር ተሳቲፈ ነይረ። ኣብዚ ድሕሪ ዕስራ ዓመት ምዕጻው ጉባኤ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ሓደ ካብቶም ዝተሓባበሩ ሊቃውነቲ ስነ መለኮት ኮይነ ተሳቲፈ፥ ሱታፌን ሓድነትን ኣብ ዝብል ኣገዳሲ ቃል ጉባኤ ቫቲካን መርሓ ነገር ገይሩ ዝመኸረ እዩ ዝነበረ። እቲ ሲኖዶስ እቲ እውን፡ ፍሉይ መርሕ ቃል ኣይነበሮን ግን ዳርጋ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሱታፌን ሓድነትን ዝምልከት እዩ ዝነበረ ከም መለለዪ ቤተ ክርስቲያን፡ ከም ባህርይ ቤተ ክርስቲያናዊ ህይወት። ስለዚ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ድማ ተመሳሳሊ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ፡ ዲሲኖዳውነት እዚዩ ቀሊል እዩ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሲታፌ መጋበርያ ዕዮ እዩ። ኣብ ጉዳያት ምሕደራን ውሳኔታትን ኣብ መዳያት ህይወት ቤተ ክርስቲያን ተሳትፎ እውን እዩ። እቲ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝምልከት ሲኖዶስ ቤት ክርስቲያናዊ ሱታፌ ብሓባር ኣባላት ህዝበ እግዚኣብሔር ብወንጌላዊ መገዲ ምጉዓዝ ዝገልጽ ሲኖዶስ እዩ። ብርግጽ ድሕሪ 1965 ዓ.ም. ካብ ዝተኻየዱ ዝበዝሑ ሲኖዶሳት ዝያዳ ፍሉይ ዝኾነ ሲኖዶስ እዩ ከብሃል ይከኣል፡ ንኣብነት ብዛዕባ ንስሓ ወይ ስድራ ቤት ኣብ 2014 – 2015 ዓ.ም. ዝተገብረ ንዘክር፡ እዚ ሲኖዳውነት ዝብል ርእሰ ጉዳይ ግን ኣብ ምርዳእ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተወሳኺ ስጉምቲ እዩ . . . ሲኖዳውነት ሓቢርካ ጉዕዞ ኣብ እዋናዊ ዓለም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ታሪኽ እውን ከም ዝፍጸም ኣይንረስዕ፡ ስለዚ ሲኖዳውነት ማለት እውን ናይቶም ብእምነት ዝቐደሙና ጉዕዞ ምዝካር ማለት እዩ።

 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ሲኖዶስ ብጸሎት ድምጺ መንፈስ ቅዱስ ምስማዕ ሓድሕድ ምስማዕን መመያን ማለት እውን ምዃኑ ይሕብሩ። ካብ ናይ ህዝባዊ ባይቶ ዕዩ ዝተፈልየ ኣብ እወታዊ - ማዕርነት ዘይተመርኮዘ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ስነ መጎት ኣብላጽን ህዳጣንን ዝምዘን ኣይኮነን . . .  ናይ ሓደ ባይቶ ስራሕ እወታዊ ነገር እዩ ኢልካ። ኩለን ባይቶ ሓቀይና ባይቶ ባይቶኣዊ ደሞክራሲ ዘለወን ሃገራት ነመስግን . . . ብርግጽ ባይቶ ንመንፈስ ቅዱስ ብንጹር ኣይጽልይን ወይ ኣይልምንን። ኣብ ገለ ገለ ባይቶታት ድማ ናይ ጸሎት ልምዲ እኳ እንተሎ ሳሕቲ እዩ። . . . እንተኾነ ግን ብዛዕባ እቲ በነዲክቶስ መበል 16 ናብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ባይቶ ኣብ ዘቕረብዎ ዘደንቕ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ ንሓስብ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣብ ደሞክራሲያዊ ባይቶ እውን ከይተረፈ ገለ ዓይነት ምስትውዓል - መመያ ከም ዘሎ ኣርእዩ እዩ። ብዛዕባ ሕልና ቶማስ ሞር ተዛሪቦም ነይሮም፡ ፈለማ ግና ብዛዕባ እቲ ባይቶ ለንደን ዝገበሮ ውሳኔ ማለት ብዛዕባ እቲ ጊልያነት ምስ ሰብኣዊ ኽብረት ከም ዝጻረር ኣብ ባይቶኣዊ ምይይጥ እተገብረ ምዕባለ ገሊጾም ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ብዛዕባ ዕዮ ባይቶ እወታዊ ሓሳብ ከቕርብ እፈቱ . . . እቲ ሲኖዶስ ባይቶ እኳ እንተ ዘይኮነ ዕዮ ባይቶ ጽቡቕ ኣይኮነን ማለት ግን ኣይኮነን።

እቲ ኣብ መንጎ ሲኖዶስን ባይቶን ዘሎ ፍልልይ ክትገልጹልና ምኸኣልኩም ዶ?  እቲ ፍልልይ ሲኖዳውነት ማለት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ህይወት ኩሉ ግዜ ብናይ ባይቶ ትርጉም ኩሉ ሰብ ብተመሳሳሊ መገዲ ከምቲ ኣብ ምልካዊ ስርዓት ወይ ዴስነት ዝፍጸም ከም ወጥሪ ናብ ሓድነት ክመርጽ ኣለዎ ብዝብል ባይቶኣዊ ትርጉም ዘይኮነስ፡ ንሓድነት ዝወስድ ወጥሪ ምዃኑ እዩ። ዳርጋ ኣብ ሓደ ድምጺ ክሳብ ዝበጽሕ ኣብ ምድላይ ሓቂ ኣብ ምድላይ ሰናይ ንቕድሚት ዝኸይድ ድምጺ መንፈስ ቅዱስ ምስማዕ እዩ። እቶም ዝፈልጦም ጉባኤታትን ሲኖዶሳትን ከይተረፈ ዝገብርዎ እዚ እዩ። ሕጊ ሲኖዶስ ብዛዕባ ድምጺ እውን ይዛረብ እዩ። ክልተ ሲሶ ዝብል ወሳኒ ድምጺ። ሲኖዶስ ኣማኻሪ ደኣ እምበር ሓጋጊ ባይቶ ኣይኮነን . . . ድምጺ መንፈስ ቅዱስ ንምስማዕ ዘገልግል እዩ። . . . ከምቲ ብዛዕባ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ዝበሃል . . . ሓደ ልብን ሓደ መንፈስን ከም ዝነበሮም። እዚ ስኒት እዚ ምልክት መንፈስ ቅዱስ እዩ።

ድምጺ መንፈስ ቅዱስ ንምስማዕ እንታይ ይግበር ድምጹ ምስማዕ ብጭቡጥ እንታይ ማለት እዩ? ር.ሊ.ጳ. ምሂሮምና እዮም ድሮ እውን ነዚ ትምህርቶም እዚ ነዕሙቖ ኣሎና . . . ኣገባብ መንፈስ ቅዱሳዊ ዘተ። . . . ንሓድሕድካ ብምክብባር ብምቕባል ናብ መመያ ንምብጻሕ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ንምርዳእ። ከምኡ እውን ኣብቲ ፍቕርቲ ኣማዞን ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ከም ዝበለዎ . . . ዝያዳ ምስትውዓል የድሊ! ኣብ ውሳኔ ንምብጻሕ ኣድላዪ ምስትውዓልን መመያን ከም ዝገበርና ብኸመይ ንፈልጥ፡ እዚ ብርግጽ ናይ ር.ሊ.ጳ. ምሕደራ ጥበብ እዩ። ግን ከኣ ናይ ሲኖዶስ ስኒት ናይ ኣባላቱ እዩ። ስለዚ ድማ ኣብዚ መስርሕ ምስማዕ፡ ቤተ ክርስቲያን ምዃንና ሓያል ተመክሮ ክንገብር ኢና ዝብል ግምት ኣሎኒ፡ ብርግጽ ብዙሕ ሕቶታትን ኣርእስታትን ዝርዝር ጉዳያት ዝሓዘ እውን እንተኾነ ኣብዚ ወይ ኣብቲ ጉዳይ ንምዝታይን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ብዙሕ ግዜ ክህሉ እዩ፡ ግን ኩሉ ግዜ ብመንጽር ናይ ምስማዕ መንፈስ እዩ ዝካየድ።

ብርግጽ ሓድሽ መለለዪ ናይዚ ሲኖዶስ፡ ነተን ኣብ ከባቢ ዘለዋ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሰፊሑ ንምስታፍን ንምስማዕን ንማሕበረሰባት ዋላ ነቶም ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝረሓቑን ዘሳተፈ ዕድል ምንባሩ እዩ። እዚ ኣገባብ እዚ ኣገዳሲ ድዩ፡ እንተኾይኑ ስለምንታይ? እወ ድምጺ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ዘየለዉ ርሒቖም ዝጓዓዙን እውን ምስማዕ ኣገዳሲ እዩ፡ ምኽንያቱ እዚ ነቲ ህልው መቓልሕ ብዝበለጸ ንኽንፈልጥ ስለ ዘኽእለና። ደሓር ከኣ ድምጺ ምእመናን ምስማዕ። ኣብ ጉዳይ እምነት ምእመናን ምስማዕ ከም ዘድሊ እትሕብር ንእሽቶ ዮሓንስ ሄንሪ ነውማን ዝጸሓፋ መጽሓፍ ጥራሕ ምንባብ እኹል እዩ። እዛ ኣብ ግዜ ቀዳማይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተጻሕፈት ንእሽቶ መጽሓፍ ንኹነታትና ኣብ ምድላይ ሲኖዳውነት ኣዝያ ኣገዳሲት እያ።

እምነት ሕዝበ እግዚኣብሔር ምስማዕ እንታይ ማለት እዩ? እዚ ናይ እምነት ስምዒት - ጦብላሕታ እዩ! ብርግጽ እዚ ኣብ ኣህዛዊ ጭብጥታት ኣይግለጽን እዩ። ኣብዚ ናይ ስምዒት እምነት ናይ ምስማዕ ስራሕ እንተድኣ ዘይተጋህና ንመንፈስ ቅዱስ ንሰምዕ የሎናን። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ስምዒት እምነት ህዝቢ ኣምላኽ ዝነብርን ዝግንዘብን ሕመረት ናይ ቤት ክርቲያን እምነት ስለ ዝኾነ። ውልቃዊ ተመክሮ እየ ዝሓስብ። መንእሰይ ተማህራይ ቲዮሎጊያ ኣብ ዝነበርክሉ እዋን . . . ክንመሃር እንኮለና ንክርስቲያናዊ እምነት ሱር በተኻዊ ሕቶታት ዘእቱ እዩ ነይሩ፡ ገዛ ምስ መጻእኩ ብዛዕባ እዚ ንኣደይ ኣዕሊለያ ንሳ ድማ ሰምዓትኒ ድሕሪ ቁርብ ግዜ ድማ ብመጠኑ ብዘገርም መገዲ ትጥምተኒ እሞ፥ “ኢየሱስ ህያው ወልደ እግዚኣብሔር እንተዘይኮይኑ ግን እምነትና ባዶ እዩ” በለትኒ። እዚ ገርሀይና እምነት ኣደይ ብዙሕ ግዜ እየ ዝዝክሮን ዝነገሮን . . . ነዚ እዩ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ህዝባዊ ሃይማኖታውነት ኣብ ኣምነት ህዝቢ ዘሎ ሓቂ ዘዘኻኽሩና . . . ንእምነት ህዝቢ ኣምላኽ ንምስማዕ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን ምባል ጌጋ እዩ። ከምቲ ሃንስ ኪዩንግ ዝብሎ፥ “ንእምነት ህዝቢ እግዚኣብሔር ንምስማዕ ብትሕትና ኣብ ኣገልግሎት ገዛእ ርእሱ ዘይህብ ቲዮሎጊያ - ባዶ ፍልጠት ጥራሕ እዩ ዝኸውን” ስለዚ ብብዝሒ ምእመናን ከምኡ እውን ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝረሓቑ ሰባት ዘሳትፍ ኣገባብ መመያ ንቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ እዩ።

ካልእ መለለዪ ናይዚ ሲኖዶስ ተሳትፎ ኣባላት ዘይጳጳሳት ኮይኑ፡ ርኡይ ቁጽሪ ዘለዎም ዓለማውያን ምእመናን ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቖፈ እዩ። ናይዚ ሲኖዶስ ተክለ - ሰብነት ይቕየር ኣሎ። ብናትኩም ኣርኣእያ ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን እዩ? ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብ ሲኖዶስ ከም ክኢልታት ከም ሰማዕቲ ዝሳተፉ ዓለማውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ወትሩ ነይሮም እዮም። ሕጂ ንመጀመርታ ግዜ ዝረአይ ብዝሒ ዘለዎም ዓለማውያን መእምናን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ምሉእ ኣባላት ሲኖዶስ ምህላዎም እዩ። ናይ ሲኖዶስ ተክለ ሰብነት ብመሰረቱ ዝተለወጠ ኣይመስለንን ምኽንያቱ ብርግጽ ናይ ጳጳሳት ሲኖዶስ እዩ። እቶም ዝበዝሑ ሕጂ እውን ጳጳሳት እዮም። ምኽንያቱ እቲ ናይ ሲኖዶስ ትውፊት ቅድሚ ኩሉን ልዕሉ ኩሉን ናይ ሓደ ዞባ ናይ ሓደ ህዝቢ ወዘተ ዝውክሉ ናይ ጳጳሳት ኣኼባ ስለ ዝኾነ። እዚ ተሳትፎ ዓለማውያን ሰባት ግን ብርግጽ ልልያን መመያን ንምምሕያሽ ኣገዳሲ እዩ፡ . . . ኣብዚ ግዜ እዚ ንዞም ጽምጽታት ንምስታፍ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ንኸይድ ኣሎና። ሕጂ እውን ኣብዚ ሲኖዶስ ክኢላታት ክህልዉ እዮም። ካብተን ካልኦት ኣሕዋት ኣቢያተ ክርስቲያን ዝመጹ ልኡካን ክህልዉ እዮም። በቃ ዘሀብትም እዩ ዝመስለኒ፡ ብድሕሪኡ ነቲ ብጳውሎስ ሻድሻይ ቅድሚ ልዕሊ 55 ዓመት ዘቖምዎ ሲኖዶስ ክንዝክር ይግባእ። ናይቲ ኣብ ዙሪያ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እትእከብ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ድምጺ ኮይኑ እዩ ዝሕሰብ።  ድምጺ ምሃብ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ እዚ ድምጽታት እዚ ናይ ህዝቢ ናይ እምነት ስምዒት እዩ፡ ኣብ  መወዳእታ ንዝያዳ ርድኢት ናብ ር.ሊ.ጳ. ዝመሓላለፍ ትጽቢታ ህዝቢ ኣምላኽ እዩ።፥ እዚ ሓድሽ ተሳትፎ ብመሰረቱ ንትርጉም ሲኖዶስ ኣይቅይሮ እዩ።

ሳዕቤን ናይዚ ሰፊሕ ተሳትፎ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝዝረበሎም ብዙሓት ኣርእስታት ኣብቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ናይ ዝመክር ሲኖዶስ መጋበርያ ዕዮ ምትእትታዎም እዩ፡ ንኣብነት ፍሉይ ጽገናታት ዝያዳ ተሳትፎ ዓለማውያን ሰባት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ህይወት ቤት አክርስቲያን ወይ ድማ ምስ ግብረ ገባዊ ቲዮሎጊያ ዝተኣሳሰሩ ገለ ጉዳያት ዳግማይ ክሕሰበሎም ዝብል ሕቶ፡ ኣብ ሲኖዶስ ክሳብ ክንደይ ጽልዋ ይህልዎ ትብሉ? ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ክህበላ ኣይክእልን፡ እንርእዮ ጉዳይ እዩ ዝኸውን። እቲ ዝተረዳእክዎ ነገር እንተሃልዮ ኣህጉራዊ ሲኖዶስ ከምኡ እውን መቓልሕ ናይ ሓያሎ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ዓለም ብርግጽ ኣብ ሕቶ ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ዘተኮረ ምዃኑ እዩ፡ እዚ ድሮ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ማእከላይ ዛዕባ እዩ ዝነበረ፡ ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ሕመርት ዕላማ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝኾነ ገና ብዙሕ እንመሃሮን እንገብሮ ኣሎና። ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ሓደ ካብ ምልክታት ዘመን ምዃኑ ኣብ መላእ ዓለም ዝቕልቀሉ ዓበይቲ ሕቶታት ሓደ ምዃኑን እዚ ርእሰ ጉዳይ እዚ ርግጽ ክህሉ ምዃኑን ኣቐዲሞም ገሊጽምዎ ነይሮም እዮም። እንተኾነ ግን እቲ ዝርዝር ናይቶም ብውዑይ ክትዕ ዝካየደሎም ኣርእስታት ብፍላይ ኣብቲ ምዕራባዊ ዓለም ንመላኣ ቤተ ክርስቲያን ኣዚዩ ማእከላይ ምዃኑ ይጠራጠር። ኣብነት ክህበኩም፥ ኣብቲ ኣብ ኣማዞን ዝነበረ ሲኖዶስ ብዛዕባ እቲ “ዝተረጋገጸ ስብእና” ዝብል እዚ ኸኣ ንዝተመርዓወ ክህነት ምሃብ ዝብል ውሳነ ንኽብጻሕ ካብ ዝተወሰኑ ጉጅለታታ ሓያል ጸቕጢ ነይሩ። ኣብ ሲኖዶስ ዝተባህለ እዩ። ካብተን ብዙሓት ካህናት ዘለወን ሰበኻታትን ሃገራትን ስለምንታይ እዮም ናብ ኣማዞን ዘይከዱ? እዚ ኸኣ ነቲ ሽግር ሕጽረት ካህናት ንምፍታሕ እዩ፡ ስለዚህ ሓደ ሓደ ግዜ ዝያዳ ምስትውዓል ምግባር ጥራሕ እዩ ዘድሊ። በዚ መንጽር እዚ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ኣብዞም ጉዳያት እዚኣቶም ብሓባር ንምስትውዓልን መመያን ክግበረሎም ዝሕግዝ ዕድል ከም ዝኸውን ርግጸይና እየ።

ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ማሕበራዊ ሕይወት ዝንጽል ባህሊ ኣብ ምዕራባውያን ሕብረተሰብ ይግስግስ ኣሎ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ስድራ ቤት ዝፍጸም ዝነበረ ምትሕልላፍ እምነት ዝተቛረጸ ይመስል። ኣብዞም ጽሑፋት እዚኣቶም ከመይ ጌርና ኢና ናብ ምእዋጅ ወንጌል ንምለስ? ኣብዚ ዝቕጽል ሲኖዶስ ብኸመይ ክሕግዝ ይኽእል? ምትሕልላፍ እምነት ኣብ ስድራ ቤት እዩ ዝጅምር፡ ሓቂ እዩ ኣብ ስድራ ቤት እንተዘይኮይኑ ምትሕልላፍ እምነት ዘይከኣል ዘይኮነስ ኣዚዩ ዝኸበደ እዩ ዝኸውን፡ በዚ ምኽንያት እዚ ናይ 2014 – 2015 ዓ.ም. ድርብ ሲኖዶስ ብዛዕባ ስድር ቤት ኣብ ምታሕልላፍ እምነት ዘለዊ ግድ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ዘመላኽት። ምትሕልላፍ እምነት ዝፍጸም ግና ዕዮ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ እዩ፡ እምነት ምትሕልላፍ ካብ እግዚኣብሔር እዩ። ዝጽውዕ ዝዕድምን ጎይታ እዩ፡ ኣብ ልቢ ሰባት ዝዋሳእ ከምቲ ኢየሱስ ምስ ተንሳእኩ ንኹሎም ሰባት ናብ ገዛእ ርእሰይ ክስሕቦም እየ ዝበሎ፡ እዚ ስሕበት ኢየሱስ ኣብ መላእ ዓለም ንጡፍ እዩ፡ ግን ነዚ ጻውዒት እዚ ነዚ ስራሕ ጐይታ ንምስላጥ ድማ ዝሕግዙ ሰባት የድልዩ። ብርግጽ ዓለማውነት ዓቢ ብድሆ እዩ፡ ግን ሕጂ እውን ብዛዕባ ዓለማዊ ሕብረተሰብ ዘገርም ነገራት ዝተዛረቡ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ረፓብሊካዊት ቸክ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ዝበለዎ እዩ። እዚ ድማ ሓቂ እዩ። ኣብዚ እውን መንፈስ ቅዱስ ክዋሳእ ውጽኢታዊ ክኸውን ዕድላት ኣሎ፡ ስለዚ ዓለማውነት ማለት እምነት ግብረ ገብን ካብ ማሕበራዊ ጉዳያትን ህይወት ህዝብን ዝንጽል ጉድለት ጥራይ ዘይኮነስ እወንታዊ ጎድኒ እውን ኣለዎ። ስለዚ ድማ ጎይታ ንጡፍ እዩ እንብል። እዚ ወንጌል እዩ ናይ ህይወት ሓይሊ እዩ። ንህይወት ዘነቓቕሕ እዩ። በዚ መንጽር እዚ ሲኖዶስ እዚ ምስ ኩሉ እቲ ድሮ ዝቐርብ ዘሎ ነቐፌታታት ንሱታፌ ቤተ ክርስቲያን ንቕድሚት ንምስጓም ዝወስድ መገዲ ከም ዝዝኸውን ርግጸይና እየ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

21 September 2023, 16:15