ድለ

2023.09.08 Conferenza Stampa Veglia preghiera 30 settembre 2023.09.08 Conferenza Stampa Veglia preghiera 30 settembre 

ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ማእክልነት ጸሎት ንምጉላሕ ዝኣመተ ጸሎት ዋዜማ

ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት እናቴ ናታሊ ቤክዋርት፥ እቲ ናይ ጸሎት ዋዜማ፥ “ኣብዛ ተበታቲና ዘላ ዓለም ንሓድነትን ሰላምን ተወፋይነት ዝብል መርሕ ቃል ዘጉልሕ” ምዃኑ ኣመልኪተን

መራሕቲ ሲኖዶስ እቲ ንዕለት 30 መስከረም ቅድሚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ  ዝካየድ ኵላዊ ጸሎት ዋዜማ ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ማእከልነት ጸሎት ዘጉልሕን ኣብ መንጎ ሲኖዳውነትን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝግበር መስርሕ ዘጉልሕ ምዃኑ ዕለት 8 መስከረም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብዛዕባ እቲ መደብ ናይ ዋዜማ ጸሎት ምእንቲ ሲኖዶስ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ቀዳም ዕለት 30 መስከረም ዝካየድ ኵላዊ ጸሎት ዋዜማ - ቅድሚ ምኽፋት ሓፈሻዊ ጉባኤ - “ክልተ መሰረታዊ መዳያት ህዝቢ ኣምላኽ፥ ማለት ማእከልነት ጸሎትን ኣገዳስነት ዘተ ምስ ካልኦት ብሓባር ኣብ መገድታት ሕውነት ብክርስቶስን ናብ ሓድነትን ክንስጉም ዘለዎ ኣገዳስነትን ዘመላኽት እዩ”

ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ማእክልነት ጸሎት ንምጉላሕ ዝኣመተ ጸሎት ዋዜማ
ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ማእክልነት ጸሎት ንምጉላሕ ዝኣመተ ጸሎት ዋዜማ

ኣገዳስነት ጸሎትን ኣብ ውህደት ምትእስሳርን

ነቲ ናይ ዋዜማ ናይ ጸሎት መደብ ምእንቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ መግለጺ ካብ ዝህቡ ናይ ሲኖዶስ ጉዳያት ዝኸታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት እናቴ ናታሊ ቤክዋርት፥ እቲ ናይ ጸሎት ዋዜማ፥ “ኣብዛ ተበታቲና ዘላ ዓለም ንሓድነትን ሰላምን ተወፋይነት ዝብል መርሕ ቃል ዘጉልሕ” ምዃኑ ኣመልኪተን “ሓድነት ክርስቲያን ዘለዎ ኣገዳስነትን ህጹጽነትን ዘርእይ ኮይኑ፥ ንሲኖዶስ ንመንፈስ ቅዱስ ብሓላፍነት ንምቕራብ ዝኣመተ እዩ” ከም ዝበላ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ጸሎት ዋዜማ፥ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዓሰርተ ክልተ ዝተፈላለይ ትዊፊታት ክርስትና መራሕቲ ክሓብሩ ከም ዝኾኑ ሓቢረን፥ ንሳቶም ድማ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ በርጠለዎስ ቀዳማዊ ከምኡ እውን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳሳት ጃስቲን ወልባይን ካልኦት ኣብቲ ሲንዶስ ዝሳተፉ ዘይካቶሊካውያን ልኡካን ኣሕዋት እውን ክሓብሩ እዮም” ከም ዝበላ ኣፍሊጡ።

ድሮ ተረኺቡ ዘሎ ሓድነት ምጽንባል

መንእሰያት ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ‘ብሓባር’ እተሰምየ ምትእኽኻብ ዘስምዕ ጸሎት ዋዜማ እውን ኣገዳሲ ተራ ክህልዎም እዩ፥ እዚ ተበግሶ እዚ ነቲ ሓው ኣሎይሰ ዝነበሮ ሕልሚ ዘንብብ እዩ፥ ባዕሎም ናይ ታይዘ ማሕበርሰብ ኣበ ምኔት ሓው ኣሎይሰ ከምዝበለዎ፥ ኣብ እዋን ሲኖዶስ . . . ነቲ ድሮ ብኽርስቶስ እተረኽበ ሓድነት ምኽባርን ነዚ ርኡይ ምግባርን” ዝካየድ ጽምብል እዩ። እቲ ምትእኽኻብ ንልዕሊ 40 ዝተፈላለያ ሃገራት ዝውክሉ ኣስታት 3 ሺሕ መንእሰያት ኣብ ሮማ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዓውደ መጽናዕትን ናይ ምስርክነት ውዳሴን ኣምልኾን መደብ ከካይዱ” ምዃኖም ኣብቲ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ መደረ ዘስምዑ ወኪል ማሕበረሰብ ታይዘ ሓው ሜትዩ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓው ሜትዩ ታይዜኣዊ መነኮስ፥ “እቲ ብሓባር ዝካየድ ዘሎ ምትእኽኻብ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ክውንነት ንምግላጽ ዝዓለመ ምዃኑን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ብምስታፍ ዝካየድ እዩ። እቶም መንእሰያት ነጋዶ ንጸሎት ዋዜማ ካብ ሮማ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክነግዱን ኣብ መወዳእታ እውን ኣብ መዓልቲ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ሲኖዶስ ማእከል ዝገበረ ካልእ ብዙሕ ናይ ጸሎት ንቕሎታት ከም ዘሎ ኣጉሊሖም፥ እቲ ኣብ መወዳታ ሰሙን ዝካየድ ሰፊሕ ምድላዋት - ክልቲኡ ብሓባር ምትእኽኻብ ህዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ጸሎት ዋዜማ ድሮ ኣብነት መስርሕ ሲንዶስ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ሓበሬታ ነቲ ሲኖዶስ ምርኻብ

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ፥ ብዛዕባ ሲኖዶስ ዝምልከት መደብ ሓበሬታ ንሲኖዶስ እንርድኣሉ ኣገባብ መስርሕ ንምስትውዓልን ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣገዳስነት ሲኖዶስ ዘስርጽ እዩ” ቢሎም፥ “ተኣማንነትን ጉዳያት ስቱርነትን ምዕቃብ” ከምኡ እውን “ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ኣስተንፎ ዝግበር ዘተ ንኽካየደሉ እተወሰነ ቦታ ምዕቓብ ነዚ ህሞት እዚ ኣብ ሕብረት ተመርኲስካ ንምስማዕን ንምስትውዓልን ንምጽላይን ናይ ሓቂ ኣጋጣሚ ንምግባር ካብ ዘሎ ባህጊ ዝነቐለ እዩ፡ እቲ በቲ ናይ መራኸቢ ጉዳያት ሽማግለ ዝወሰዶ መቓርቦ፥ ኣባላት ሲኖዶስ ከም ሓደ ኣካል ንሓድሕዶም ንኺፋለጡን ንኽሰምዑን ዘኽእል እዩ፡” ምስ በሉ፥ ብተወሳኺ “እቲ ጉባኤ ንዕዮ እቲ ኣካል ኣሕጽር ኣቢሉ ዝገልጾ ናይ ስነ ጽሑፍ ሰነድ ከም ዘዳሉ እንተኾነ ግን እቲ ሲኖዶስ በቲ ንዓመታ ዝግበር ካልኣይ ጉባኤ ስለ ዝቕጽል እዚ ሰነድ እዚ ናይ መወዳእታ ኣይክኸውንን እዩ፡” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ኣብታ እተኻፈፈለት ዓለም ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ብዛዕባ እዚ ጻዕሪ እዚ እንሕብረሉ መገዲ ክኸውን እዩ ትጽቢትና፥ ንጋዜጠይናታት ከኣ ኣባና ተኣመኑ” እንክብሉ ኣተባቢዕዕም፥ “ንዓኻትኩም ንምሕጋዝ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

09 September 2023, 15:14