ድለ

ካርዲናል ጹፒ ኣብ ቻይና ምስ ሊ ሁይ፥ ምትሕብባር ኣብ መገድታት ሰላምን ውሕስነት መግብን ዘትዮም ካርዲናል ጹፒ ኣብ ቻይና ምስ ሊ ሁይ፥ ምትሕብባር ኣብ መገድታት ሰላምን ውሕስነት መግብን ዘትዮም  (ANSA)

ካርዲናል ጹፒ ኣብ ቻይና ምስ ሊ ሁይ፥ ምትሕብባር ኣብ መገድታት ሰላምን ውሕስነት መግብን ዘትዮም

ካርዲናል ጹፒ እቲ ክሳብ ዕለት 15 መስከረም ዝቕጽል ኣብ ቻይና - በጂንግ ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት ዕለት 13 መስከረም ከም ዝጀመሩ

ኣብ ዩክረይን ዝጀመረን ኣብ ሩሲያን ኣመሪካን ዝቐጸለ ተልእኾ ሰላም ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናል ጺፒ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና ብናይ ጉዳያት ኤውሮጳን እስያን ሓላፊ ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሊ ሁይ ኣቀባብላ ከም እተገበረሎምን፥ ቅድስቲ መንበር ዘተ ንምትብባዕ ዝግበር ጻዕሪ ምውህሃድ ከም ዘድልን ውሕስነት መግቢ ኣብ ጸገም ንዝርከባ ሃገራት ክረጋገጽን ዘለዋ ተስፋ ከም ዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ማቴዮ ማርያ ጹፒ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብሰላም ክፍታሕ ከም ዘለዎን ነዚ ናይ ቅድስቲ መንበርን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን መትከል መሰረት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ሰላም ልኡኽ እንክብሉ ዝሰመይዎም ልኡኾም ከምቲ ኣብ መንጎ ሰነን ሓምለን ኣብ ኪየቭን ሞስኮን ዋሽንግተንን ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ ቤጂንግ ከም ዝርከቡን ሊቀ ጳጳሳት ቦሎኛ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ካርዲናል ጹፒ እቲ ክሳብ ዕለት 15 መስከረም ዝቕጽል ኣብ ቻይና - በጂንግ ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት ዕለት 13 መስከረም ከም ዝጀመሩ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥ ብጹዕነቶም “ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰብኣዊ ተበግሶታት ንምቕጻልን ናብ ፍትሓዊ ሰላም ከብጽሕ ዘኽእል መገድታት ንምድላይ ዝኣመተ ተልእኾ” ንምፍጻም ኣብ ቻይና ከም ዝርከቡን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህዝባዊት ረፓብሊክ ቻይና ብፍሉይ ወኪል ጉዳያት ኤውሮጳን እስያን ሊ ሁይ ኣቀባብላ ከም እተገበረሎምን፥ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፥ እቲ ክሌኣዊ ዘተ ክፉትን ምሕዝነታዊ ሃዋህው ዝዓሰሎ ኮይኑ፥ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ሳዕቤናቱን ማእከል ዝገበረን ዘተ ንምትብባዕን ናብ ሰላም ዝመርሕ መገድታት ንምንዳይን ጻዕርታት ምጥርናፍ ከም ዘድሊ ዘጉልሕ ምዃኑን ጸገም ውሕስነት መግቢ እውን ተፈቲሑ ቀረብ እኽልን ውሕስነት መግብን እውን ክህሉን ብፍላይ ናብተን ኣዚየን ኣብ ሓደጋ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ከም ዝመኸሩ ይሕብር።

15 September 2023, 15:49