ድለ

2023.09.23 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ስደተይናታት ዝተወልዱ፥ ስልጣናዊ ትምህርቲ ሓልዮትን ምቕባልን 2023.09.23 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ስደተይናታት ዝተወልዱ፥ ስልጣናዊ ትምህርቲ ሓልዮትን ምቕባልን  (VATICAN MEDIA Divisione Foto) ርእሰ ዓንቀጽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ስደተይናታት ዝተወልዱ፥ ስልጣናዊ ትምህርቲ ሓልዮትን ምቕባልን

ወዲ ስደተይናታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ማርሲሊያ ኣብ ዘስምውዕ ሰፊሕ መደረ፡ እቲ ናይ ስደት ተርእዮ ሓድሽ ክስተት ከም ዘይኮነን፡ ከምኡ እውን ንመጀመርታ ግዜ ዘጋጠሞም ጳጳስ እውን ከምዘይኮኑ ኣዘኻኪሮም

ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ፥ ንጉዳይ ቅልውላው ጸኣት ስደተይናታት ብዝምልከት ካብ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ክሳብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ እዋን ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ማርሲሊያ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ማእከል ገይሮም ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘተኮረ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ወዲ ስደተይናታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ማርሲሊያ ኣብ ዘስምውዕ ሰፊሕ መደረ፡ እቲ ናይ ስደት ተርእዮ ሓድሽ ክስተት ከም ዘይኮነን፡ ከምኡ እውን ንመጀመርታ ግዜ ዘጋጠሞም ጳጳስ እውን ከምዘይኮኑ ኣዘኻኪሮም። ቤተ ክርስቲያን ናይዚ ኩነታት እዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ህጹጽነት ካብ ዝስማዕ እንተወሓደ ልዕል ሰብዓ ዓመታት ከም ዝኾኖ ተመላኽት።

ካልኣይ ወግእ ዓለም ካብ ዝዛዘም ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ኣብ 1952 ዓ.ም. ኣብ ኤውሮጳ መዓት ተመዛበልቲ ከም ዝነበረን፡ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ኣብቲ “እተሰደት ስድራ ቤት” ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም ዛዕባ እታ እተሰደት ቅድስቲ ናዝራዊት ስድራ ቤት ናብ ግብጺ ከም እተሰደት [. . .] ንኹሉ እዋንን ኣብ ኩሉ ቦታን ኣብነትን ሓላዊትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ስደተይናን ዝመዛበሉን መን ይኹን መን ትኹን ብዘየገድስ ቅርበትን ሓገዝን ሓልዮትን ቤተ ክርስቲያን ብምምልካት። ብፍርሒ ስደት ወይ ብስእነት ተገዲዶም ካብ ትወልዲ ዓዶም ካብ ዝፈተውዎም ወለዶም [. . . ] ዓደምን መሬቶምን ሓዲጎም ተሰዲዶም መዕረፊ ይደልዩ።

ውግእ ስደት ወይ ኩነታትካ ንምምሕያሽ ንስደት ትድረኽ ኢኻ። ሎሚ ድማ ምስ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝተኣሳሰሩ ጸገማት ምኽንያት ስደት እናገደደ ይኸይድ ኣሎ፥ ንስደት ዝድርኹ ምኽንያታት እናበዝሐ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብ 1967 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ “ምዕባለ ሕዝብታት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣቢሎም እቶም ብስእነት ዝሳቐዩ ክፍሊ ዓለም ንዝማዕበላ ሃገራትን ህዝብን ብመዓታዊ መገዲ ከም ዝፈታተኑ የዘኻኽሩ። ንዝማዕበላ ሃገራት ድማ ሰለስተ ግቡኣት የቐምጡ፥ ግዴታ ማሕበራዊ ፍታሕን ግዴታ ኵላዊ ግብረ ሰናይን ግዴታ ምትሕግጋዝን፥ ቀጺሎም ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ “ሓንጎፋይ ቢልካ ናይ ምቕባል ግዴታ” የመላኽቱ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እዚ ንምፍጻም ብዙሕ ክንሓስብም ክንጽዕርን ኣየድልን እዩ። ከም ሰብ ክንፍጽሞ ከም ዝግብኣን ቅርበትን ሓገዝን ግቡእነትን ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዝጠቐስዎም ክልተ ኣብነታት ብተወሳኺ ካልእ ብዙሕ ኣብነታት እውን የቕርቡ፡ ንኣብነት ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1996 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደትን ፍልሰትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ "ነዞም ሰባት ንምሕጋዝ እቲ ቀዳማይ መንገዲ፡ ምስ ኩነታቶም ንምልላይ ንኣኣቶም ምስማዕ፡ ከምኡ'ውን፡ ብናይ መንግስቲ ሕጊ መሰረት ሕጋዊ ደረጃኦም ብዘየገድስ፡ ኣድላዪ መነባብሮኦም ምቕራብ” ከም ዘድሊ የመላኽቱ። ወሲኾም ድማ፡ "ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብቲ ዝኣተውሉ ከባቢ ቆላሕታ ከይግብረሎን ዝድርኽ ሓድሽ ዓሌታዊ ወይ ካልእ ሃገራዊ ባህርያት ከይሁሉ ጥንቃቐ የድሊ" ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ የዘኻኽሩ።

ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ 16 ኣብ 2012 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ሎሚ ዝርአይ ዘሎ ብዙሕ ስደት፥ ውጽኢት ቁጠባዊ ዘይምርግጋእ፡ ሕጽረት መሰረታዊ ኣድላይን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ውግእን ማሕበራዊ ናዕብን ምዃን ንርኢ ኣሎና” ድሕሪኡ ስደት ኣብ እምነትን ተስፋን ዝተመልአ  ህላወኻ ንምድሓን ዝምረጽ ንግደት ይኸውን፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ንውሳነ ስደት ተሓተትቲ ዘይኮኑስ ግዳያት እያቶም፥ ስደት ንኽመርጹ ዝተገዱ።"

ፍራንቸስኮ ኣብተን ቀዳሞት ዓሰርተ ዓመታት ር.ሊ.ጳጳስናኦም ደጋጊሞም ዝብልዎ ደሓር እውን ኣብ ማርሲሊያ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝደገምዎ፥ ነቶም ከይተጸበኻዮም ዝመጹን ዝስደዱን ምቕባል ምሕላውን ምድንፋዕን ምውህሃድን ከም ዘድሊ የዘኻኽሩ። ናይ ሓባር ሓላፍነት መላእ ኤውሮጳን "ብወገን ኣህጉር ኤውሮጳ ርትዓዊ ኣቀባብላ ዘለዎ ዘላቒ ዝኾነ ብዙሕ ሕጋውን ስሩዕን ምእታው ዝፈቅድ ውሳኔ" ከምዘድሊ የዘኻኽሩ።

ብተደጋጋሚ ግን እቲ ቀንዲ መምዘኒ ኩሉ ግዜ ምሕላው ሰብኣዊ ክብርን ድሕንነት ምሕላው እምበር ናይ ገዛእ ርእስኻ ድሕንነት ጣዕሚ ክኸውን ከም ዘይብሉ ቅዱስነቶም የተሓሳስቡ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ለበዳ ዝተመሃርናዮ “በይንና ዘይኮነስ ብሓባር ጥራይ ኢና ክንድሕንን ክንብርን እንኽእል” ዝብል ስልጣናዊ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም ቶርኒየሊ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

27 September 2023, 16:26