ድለ

ካርዲናል ግረች፥ ብዘይ ጸሎት ሲኖዶስ ኣይክህሉን እዩ ካርዲናል ግረች፥ ብዘይ ጸሎት ሲኖዶስ ኣይክህሉን እዩ 

ካርዲናል ግረች፥ ብዘይ ጸሎት ሲኖዶስ ኣይክህሉን እዩ

ንመበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት - ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ልዕሊ ኩሉ መንፈሳዊ ፍጻሜ ምዃኑ፡ ናይ ጸሎትን ነቲ ሓቀይና ቀንዲ ተዋሳኢ ናይቲ ፍጻመ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ምስማዕን”

ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ሲኖዶስ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓፈሻ ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ናብ መላእ ሃገራት ዝርከቡ ጳጳሳትን ፓትሪያርካትን ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝጅምር ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ኣብ ግምት ብምእታው “ኩሎም ምእመናን ፍቓድ ኣምላኽ ብዘይ ናብ ናትና ድላይ ናይ ምጥዋይ ስግኣት ሩርሁ ልቢ ክህልወና መታን ክጽልዩ ዝላበው” መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ “ካብ ናብ ገዛእ ርእስና ዕጹፋት ምዃን፡ ናብ ግልጽነት ኣምላኽ ኣብ ቤተ ክርስቲያኑ እንታይ ይዓዪ ከምዘሎ ናብ ምልላይ ንኸነብል ዝድርኸና ፈውሲ፥ ድሮ ስለ እቲ ኣብ ኣፈት ዘሎ - ሲኖዶስ፡ ጸሎት እዩ” ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ሲኖዶስ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓፈሻ ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሲኖዶስ መሰረት ገይሮም፡ ናብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፥ “ብዘይ ጸሎት ሲኖዶስ ኣይክህሉን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓቢይ በረኸት

ካርዲናል ገረች ናብ ኩሎም ጳጳሳትን ፓትሪያርካትን ዓለም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንመበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት -  ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ልዕሊ ኩሉ መንፈሳዊ ፍጻሜ ምዃኑ፡ ናይ ጸሎትን ነቲ ሓቀይና ቀንዲ ተዋሳኢ ናይቲ ፍጻመ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ምስማዕን” ዝብል ምዃኑ ከዘኻኽረኩም እፈቱ፡  ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ነፍሲ ወከፍ ኣህጉር፡ ክጽልዩን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበታዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍጻመ ቡራኬ ሰርሆት ክፍጸም - ሲኖዶስ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን” ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መልክዓት ጸሎት

ኣብቲ መልእኽቲ ካርዲናል ግርች ጸሎት ክሕዞ ዝኽእል ዝተፈላለየ ምልክዕ ይዝክሩ። ብቐዳምነት ካብ ቃል ኣምላኽ ጀሚሩ “እቲ ምስማዕ” ኣሎ፡ “ኣምልኾ” ኣሎ፡ እዚ ድማ ንኣጠማምታ ልቢ “ካብ ጓሂ ስንብታ” ናብ “ብኣምላኽ ምግራም”፥ እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያኑ ካብ ጓሂ ናብ ኣግራሞት ብኣምላኽ ይመርሓ፡ ሽዑ እቲ “ኣማላድነት” ዝብል ጸሎት ኣሎ፡ እዚ ድማ “ንጐይታ ብሓይሊ መንፈሱ ልንብና ከብርህ ምሕታት እምበር - ፍቓድ ኣምላኽ ናብ ፍቓድና ምጥዋይ ዘይሓቑፍ ማለት ምዃኑ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ገሊጾም፡ ኣብ መወዳእታ “ናይ ህይወት” እዚ ድማ “ጸሎት ምስጋና” እዩ፡ እቲ “ፍወሳ” ድማ ካብ ነብስኻ ጸጋ ኣምላኽ ከም እትቕደም፥ ካብ ምልላይ እዩ። ቅድሚ ምሕሳብ ምምሃርና ከም እተሓሰብና፡ ምፍቓር ቅድሚ ምምሃርን ከም እተፈቕርና” ዝብል ምዃኑ ድማ የብርሁ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እቶም ተበግሶታት

ካርዲናል ግረች እቲ ንጸሎት ዘቕረብዎ ጻውዒት፥ “ኣካል ናይቲ ፍሉጥ መንፈሳዊ ባህሪ ናይቲ ሲኖዶስ ምዃኑ ንምዝኽካር ዝዓለመ ተኸታታሊ ተበግሶታት ምዃኑ” ዘኪሮም፥ እዚ ድማ ኣብ 2021 ዓ.ም. ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምትሕብባር www.prayforthesynod.va ብዝብል ኣድራሻ መርበብ ሓበሬታ ከም እተሰረሐን ዓለም ለኸ መርበባዊ ርክብ ንጸሎት ናይ ር.ሊ.ጳጳሳትን ናይ መላእ ደናግል ማሕበራት ዓበይቲ ኣሕሉቕ ዝሓቑፍ ጉባኤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ቀዳመይቲ ሰኑይ ንሲኖዶስ ፍልዩ ናይ ጽሎት ግዜ ዘቕርብን ብድሕሪኡ ዝቕጽል  ዕለት 30 መስከረም ጸሎት ዋዜማ ምእንቲ ሲኖዶስ www.together2023.net ብናይ ሮማ ኣቆጻጽራ ሰዓት 16.30 ድሕሪ ቐትሪ ጀሚሩ ብክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ዝመሓላለፍን ከምኡ እውን ዕለት 4 ቅድሚ ምጅማር ሲኖዶስ ካብ ዕለት 1 – 3 ጥቅምቲ ወይ ድሕሪኡ ንኣባላት ጉባኤ ዝኸውን መንፈሳዊ ሱባኤ ክካየድ ዝብል መደባት ዘጠቓልል ምዃኑ ከም ዝሓበሩ ኣፍሊጡ።

16 September 2023, 16:56