ድለ

2021.07.26 ONU, Ginevra 2021.07.26 ONU, Ginevra  (BENEDETTA BARBANTI)

ጀኔቫ፦ ቅድስቲ መንበር አብ ዋዕላ ው. ሕ. ሃ.፡ ሰብኣዊ መሰላት አብ ክብሪ ወድሰብ ክምስረት አለዎ

ኣብ ጀኒቫ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓድሽ ቀዋሚ ተዓዛቢ ብጹዕ ሊቀ - ጳጳሳት ኤቶር ባለስቴሮ፣ ብዛዕባ ሰብአዊ መሰላት አብ እተገብረ መበል 54 ሓፈሻዊ ዋዕላ አብ ዘቕረብዎ መደረ፡ መብዛሕትአን መንግስታት ወላኳ እንተ ደገፋኦ ምንጻል ጥንሲ ሰብኣዊ መሰል ክኸውን ከም ዘይክእል አመልኪቶም።

ኣባ ተወልደ መበራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

መሰረት ሰብኣዊ መሰላት ወድሰብ "በቲ ሓባራዊን ክኸሓድ ዘይከአል ክብረት ወድሰብ" ክድልድል ኣለዎ፣ ከመይሲ ንሰብኣዊ መሰላት ንምድንፋዕ "ግዳይ ስስዐ ዝመልኦ ውልቃውነትን ምክፍፋልን ኣብ ክንዲ ምዃን ምንጪ ሓድነት ምዃን" ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ከምቲ ር. ሊ. ጳ. በነዲክት መበል 16 ብ18 ሚያዝያ 2008 ኣብ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነንዎ "መሰረት" ኣድማሳዊ ኣዋጅ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት እንደገና ንምትርጓምን መሰረታዊ ሰብአዊ ሓድነት ንምድልዳልን ጸቕጢ ስለ ዘይተገብረሉ እዩ። ሊቀ-ጳጳሳት ኤቶር ባለስቴሮ ኣብቲ ዕለት 13 መስከረም ኣብ እተገብረ መበል 54 ዋዕላ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ው. ሕ. ሃ. አብ ዘቕረብዎ መደረ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኢዩ ዝነበረ ።

መበል 75 ዓመት ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት

ኣብ ዓመተ 2023 ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን እዚ ቤተ ምኽሪ ሰብአዊ መሰላትን መበል 75 ዝኽሪ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዜብዓሉ ድሕሪ ምዝካሮም፣ ብጹዕ ሊቀ-ጳጳሳት "ሰብኣዊ መሰላት ብዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ንውልቀ-ሰባት እተዋህቡ ፍሉያት መሰላትን ሓለፋታት ጥራይ ኣይኰኑን" ክብሉ አስመሩሉ። ኣብ ክንድኡስ "ነቲ ንዕቤትን ስልጣነን ደቅሰባት ኣድላዪ ዝዀነ፣ ርትዓውን ብግዜ ዘይውሰንን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት" ኢዮም ዘመልክቱ ክብሉ መግለጺኦም አቕረቡ።

 እዞም "ሓደስቲ መሰላት" ሕጋውነቶም ብብዙሓውነት ዝውሰን አይኮነን

እዚ ማለት ድማ "ሓደ ሕብረተሰብ ወይ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብቲ ኣዋጅ ተጠቓሊሉ ዘሎ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ መሰላት ኣፍልጦ ምሃብ እኳ እንተ ኣበየ እዚ ንሓቅነት እቲ መሰል ኣይንክዮን ኢዩ፤ ንዝዀነ ይኹን ሰብ እውን ካብ ምኽባሩ ናጻ ኣይገብሮን ኢዩ" ማለት ኢዩ። እንተዀነ ግን እዞም "ሓድስቲ መሰላት" ተባሂሎም ዝጽውዑ ዘለዉ "መብዛሕትኦም ውልቀ-ሰባት ወይ መንግስታት ስለ ዘረጋግጹሎም ጥራይ" ሕጋዊ መሰል ይህልዎም ማለት ከምዘይኮነ እውን ገለጹ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ጐሊሑ ዝርአ ኣብነት ናይዚ ግጉይ እዚ ርድኢትና ብዛዕባ መሰላት ዘሎ አተሓሳስባ ኢዩ፣ ብጹዕንቶም ከም ዝገለጽዎ "በቲ ኣብ ማሕጸን አዴታቶም ዓመታዊ ብገምጋም 73 ሚልዮን ዝዀኑ ንጹሓት ህጻናት ዝቕተሉሉ ዘለዉ ምኽንያት 'መሰል ንምንጻል ጥንሲ ' ብዝብል ክሲ ዝቐርብ ዘሎ ኢዩ።" ክብሉ አትሪሮም ተዛረቡ።

መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ድኹማት ተገሊሎም ይርከቡ

ነቲ ታሪኻዊ ኣዋጅ እተቀበልናሉ ዕለት ብምዝካር "ድሕሪ 75 ዓመት ሎሚ ውን እንተ ኾነ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክሳዕ ሕጂ ብውግእ ግጭት ጥሜት ብቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትን ከምኡውን ብኣድልዎን ይሳቐዩ ምህላዎም" ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ምዃኑ ገለጹ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ "ብዘየማትእ መገዲ ገዛእ ርእሱ ዝወፈየሉ መንፈስ ሓድነትን ሕውነት" ስለ ዝጐደለ ጓሂኦም ገለጹ፣ ሎሚ እውን መብዛሕትኡ ግዜ "ብመሰረት ገሊኡ ባህላዊ ስርዓታት ከም ድኹም ድኻ ወይ ዋጋ ዘይብሉ ገይርካ ዝርአ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዕሽሽ ይበሃል ይድቈስ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ከም ዘስግእ ገይርካ ኢዩ ዝርአ" ዘሎ ብምባል አትሪሮም ተዛረቡ። በዚ ምኽንያት እዚ ሎሚ እነኽብሮ ዘሎና ዝኽሪ "ነቲ መሰረት ዕቝባ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ መሰረታዊ ስርዓታትን አቕዋማትን ንምስትንታን ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና አሎ፣" በሉ።

ንዅሉ መሰላት ድኻታት ምድጋፍ

ብጹዕ ሊቀ-ጳጳሳት ባለስቴሮ ነቲ ኣድልዎን ሕድገትን ምግላልን ናይቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ሰባት ንምቅላስ "ንድኻታትን እተገለሉ ሰባትን  ናይ ተኽእሎታት ምርጫታቶም ምቕባል ኣድማሳዊ መሰሎም ምድጋፍ ከምኡውን ዕቤት ንኽገብሩን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ኣበርክቶ ንኽገብሩን ምፍቃድ ኣድላዪ ኢዩ" ብምባል መግለጺኦም ቀጸሉ። ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ባዕሎም ንገዛእ ርእስናን  "ንኻልኦት አብ ዘሎና ኣኽብሮት ክንነብርን ክንምህርን ፣ ንዘሎና ፍልልያት ክንቅበል እተኽእለና ፍቕሪ ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሓሳባቱን ኣረኣእያታቱን ተግባራቱን ሓጢኣቱን ከይተረፈ ክንቅበሎ ዘኽእለና አቅዋም የድሊ" ክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ካብታ “ኩላትና አሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ብምጥቃስ መደረኦም ዛዘመ።

14 September 2023, 15:57