ድለ

ሲኖዶስን መራኸቢ ብዙሓንን ዘማእከለ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓውደ ሕንጸት ኣብ ሉምሳ ሲኖዶስን መራኸቢ ብዙሓንን ዘማእከለ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓውደ ሕንጸት ኣብ ሉምሳ  (Vatican Media)

ሲኖዶስን መራኸቢ ብዙሓንን ዘማእከለ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓውደ ሕንጸት ኣብ ሉምሳ

ሲኖዶስ ንሓበሬታ ኣብ ሕቶ የእትው፥ ሓበሬታ ንሲኖዶስ ኣብ ሕቶ የእትው

ዕለት 19 ጥቅምቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናጻ ቅድስተ ማርያም ዘፍልሰታ - ሉምሳ መንበረ ጥበብ፥ ግሪናኮርድ እተሰምየ ዘይመኽሰባውን ዘይመንግስታውን ክርስቲያናዊ ኣስተንፍሶ ዘለዎ ማሕበረሰብ ክርስትያንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ኣብ ምክንኻን ምህዳር ዘተባቦዕ ማሕበር ምስ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ሲኖዶስን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓንን ብምትሕብባር ኣብ ክልተ ክፋል ዝካየድ ንጋዘጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ዝዓደመ መደብ ህንጸት ከቕርብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ካብ ዕለት 4 – 29 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ንሓንቲ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ውህደትን ሱታፌን ተልእኾን ኣብ ዝዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ዝካየድን ነዚ መሰረት ብምግባር እውን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ናይ መዛዘሚ ዛዕባ ሲኖዳውነት ናይ ዝመክረ ሲኖዶስ ክካየድ ምዃኑ ቅድም ክብል ተሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፥ እቲ ካብ ዕለት 4 – 29 ጥቅትሚ 2023 ዓ.ም. ዝካየድ መበል 16 ሓፈሻዊ ስሩዕ ሲኖዶስ ዝጅመረሉ እዋን ኣብ ዝቐረበሉ ግዜ፥ ግሪናኮርድ እተሰምየ ዘይመንግስታውን ዘይመኽሰባውን ክርስቲያናዊ ኣስተንፍሶ ዘለዎ ዛዕባ ምሕዳር ዝግደስ ማሕበር ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሲኖዶስን ናይ ቅድስቲ መንበር ላይለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ብምትሕብባር፥ ሲኖዶስ ንሓበሬታ ኣብ ሕቶ የእትው፥ ሓበሬታ ንሲኖዶስ ኣብ ሕቶ የእትው” ዘርእስቱ ጋዜጠንይታት ንምውዳብ ዘኽእል መደብ ህንጸት ኣብ መንበረ ጥበብ ሉምሳ ካብ ሰዓት 09.30 – 18.00 ክቐርብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ እውን ሲኖዳውነት ንህይወት ቤተ ክርስቲያንን ተልእኾኣን ብቑዕ ዝኾነ ኣገባብ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ውሽጣዊ ምሕደራ ወይ ብዛዕባ እተወሰነ ኣኼባታትን ዝምልከት ሕቶ ዘይኮነስ ሲኖዳውነት፥ ናይ ቤተ ክርስያን ኣገባብ ኣነባብራን ዕዮን ምዃኑ ዝትንትን እዩ።

ክልተ ክፋል

ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1965 ዓ.ም. ናይ ሲኖዶስ  ጳጳሳት ከም ዘቖሙን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሲኖዶስ ኣብ ትሕቲ መርሕነት መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ እተፈላለየ ጉዳያት ሓበሬታታትን ርእይቶታትን ንጳጳስ ሮሜ ዘቕርብ “ምኽሪ ናይ ምሃብ ግደ” ከም ዘለዎ ይገልጹ፡ እዚ እውን ንሕዝበ እግዚኣብሔር እቲ ሓበሬታን ርእይቶን ብእተፈላለየን ብሉጽ መገድታት ኣቢሉ ዘቕርብ እዩ። ስለዚ እቲ ሓበሬታን ርእይቶን ናይቶም ዝምልከቶም ኣካላት ዓውዲ ኮይኑ መታን ከይተርፍ ናብ ሓበሬታዊ ቋንቋ ክትርጎም ኣለዎ። ስለዚህ እቲ ኣብ ሉምሳ ዝወሃብ መደብ ሕንጸት ኣብዚ ዘተኮረ ከም ዝኸውን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

19 September 2023, 15:35