ድለ

2023.09.028 Cardinal Stephen Chow Sau-yan  2023.09.028 Cardinal Stephen Chow Sau-yan  

ሓድሽ ካርዲናል ቻው ሳው-ያን፦ ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ቅጽል ሽም አለዎም - “መስደመም ጳጳስ"

እቶም እተመርጹ 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ከም ዚሽየሙ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ሓደ ኻብቶም ሓደስቲ ብጹዓን ካርዲናላት ሊቀጳጳሳት ናይ ሆንግ ኮንግ ዝዀነ ስቲቨን ቻው ሳው-ያን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ “ዝስደምሙ ጳጳስ” ቢሎም ዝጸውዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም እተመርጹ ሓደስቲ 21 ካርዲናላት ብ30 መስከረም  ቅድሚ ምሻም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ተረኺቦም መግለጺታቶም አቕሪቦም። እዞም ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝመጹ ካርዲናላት በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ውሳኔ ሽመቶም ከም እተገረሙ ገለጹ ። ናይ ቅድስቲ መንበር በትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምስቶም ሓድሽ እተመርጹ ብጹዕ ካርዲናል ስቲቨን ቻው ሳው-ያን ጳጳስ ናይ ሆንግ ኮንግ ተራኺቦም እንከዘራረብዎም።

"ቅዱስ አቦና ፍራንቸስኮ ቅጽል ስም አለዎም “ዘስደምሙ ጳጳሳት” ክበሃሉ አለዎም" ብምባል ብዛዕባ ምርጫኦም ብኸመይ ከም እተቐበሎ ድማ ገለጹ ።

"አነ ምንም አፍልጦ አይነበረንን። ነዚ ዜና እዚ ኻብቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ፈተውተይ ምስ ሰማዕክዎ ። ምስ ስድራ ቤተይ አብ ድራር ነብርኩ ። ኣነ ኸኣ ነቶም መልእኽቲ ዝልኣኹለይ ሰባት ተጋጊዮም ናባይ ሰይዲዶሞ ከይኮኑ ሓተክዎም፣ ንሳቶም ከኣ 'ኣይፋልን' ነቲ ቅዱስነቶም አብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘመሓላለፍዎ ቃል ክስምዖ ነጊሮምኒ። ብሓቂ ድማ ተገረምኩ፣" ክብሉ ብጹዕ አቡነ ቻው ሳው-ያን መስከሩ።

እተፈላለዩ ወከልቲ ምህላው ኣገዳሲ ኢዩ

ካርዲናል ስቲቨን ቻው ሳው-ያን ንኣገዳስነት ናይቶም ካርዲናላት ዝመጹሉ እተፈላለየ ቦታታት እንተላይ ናቶም አብ መንጐ ጉባኤ ካርዲናላት ካብ ሆንግ ኮንግ ምሕባሮም ብጣዕሚ አገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም።

"እቲ ኣገዳሲ ነገር እተፈላለየ ዓይነት ድምጺ ምህላው እዩ። ከምቲ ኻብ ሞንጎልያ ዝተመርጹ ካርዲናል (ጆርጅዮ ማረንጎ) ኢጣልያዊ እኳ እንተኾኑ ኣብ ክንዲ ቤተ-ክርስትያን ሞንጎልያ ድምጺ ክህልዎም ኢዩ። ስለዚ ቤተ-ክርስትያን ብእተፈላለየ ድምጺ እናሃብተነት ትኸይድ ዘላ ኮይኑ ይስምዓኒ" በሉ።

ሆንግ ኮንግ ድልድል ኢያ

እቶም ሓድሽ ካርዲናል ናይታ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ተራ ከም ሓደ ድልድል ናይ ቤተ-ክርስትያን ምዃኑ ይገልጹ።

"እዚ ኣገዳሲ ግደ ዘለዋ ይመስለኒ። ኣብ ታሪኽ እውን ከይተረፈ ከተማ ሆንግ ኮንግ ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን ዛላ ድልድል ኮይና አገልጊላ ኢያ። ኣብ ቤተክርትያን ከአ እታ ኣብ መንጎ  ኣብ ቻይና እትርከብ ቤተ-ክርስትያንን ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያንን ዘላ መራኸቢት ድልድል ቤተ-ክርስትያን እውን ኢያ። በዚ ኸምዚ ድማ እናተቐራረባ ክመጻ ኢና እንደሊ" ክብሉ ብጹእ አቡነ ቻው ሳው-ያን መስከሩ።

ቀጺሎም እዞም ሓዲስ ካርዲናል ካብ ቻይና ኽልተ ኣቡናት ናብ ሲኖዶስ ክሳተፉ ብምምጽኦም እተሰምዖ ዓቢይ ሓጐስ ኣካፈሉ፣ እዚ ድማ ነታ ኣብ ቻይና ዘላ ቤተ-ክርስትያንን ምስታ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዘለዋ ርክብ ጽቡቕ ምልክት ከም ዝኸውን ኢዩ ዘርኢ።

እቲ ብ30 መስከረም ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ንምፍጣር ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት ከካይዱ ኢዮም። እዚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት እዚ ብ30 መስከረም 2023 ኣብ ሃገረ ቫቲካን አብ ባዚልካ ቅዱስ ጰጥሮስ ኪግበር እዩ።

"ነዞም ሓደስቲ ካርዲናላት ኣብ ሰበኻ ሮሜ ክፍልን ቦታን ምሃቦም ከአ ነቲ ኣብ መንጎ መንበረ ጴጥሮስን ኣብ ዝተፈላለየ ክባቢታት ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያንን ዘሎ ዘይብተኽ ማእሰር ዘንጸባርቕ ኢዩ" ብምባል ቅዱስ አቦና ገሊጾም ውሲኾም ድማ - "እቶም ሓደስቲ ካርዲናላት ዝመጹሉ ቦታታት ንአድማሳውነት ናይ ቤተክርስቲያን ኢዩ ዝገልጽ፣ እዚ ኸአ

እታ ኣምላኽ ንዅሎም ደቂ ሰባት ሰባት አምላኽ ምሕረት ከም ዝገበረሎ እትእውጅ ቤተ-ክርስትያን ኣድማሳዊት ምዃና ዝገልጽ ኢዩ።"

30 September 2023, 09:18