ድለ

ሕጹይ ካርዲናል ብሪስሊን፥ መርገጺ ካርዲናል ኣገልግሎት እዩ! ሕጹይ ካርዲናል ብሪስሊን፥ መርገጺ ካርዲናል ኣገልግሎት እዩ! 

ሕጹይ ካርዲናል ብሪስሊን፥ መርገጺ ካርዲናል ኣገልግሎት እዩ!

እቶም 21 ማዕርገ ካርዲናል ዝቕበሉ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ክኾኑ እንከለዉ፥ እዚ እውን ንኹሉ ህዝቢ ዓለም ምሕረት ዝመልኦ ፍቕሪ እግዚኣብሔር እትእውጅ ቤተ ክርስቲያን ኩላውነታ ዝገልጽ እዩ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ቅድም

ሓደ ካብቶ ዕለት 30 መስከረም ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናል ዝስመዩ  21 ጳጳሳት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ከፕ ታውን ሊቀ ጳጳሳት ስተፈን ብሪስሊን፥ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ካርዲናል ሽመት ወይ ክብሪ ዘይኮነስ ኣገልግሎት እዩ” ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝወሃብ ዝኾነ ይኹን ሓላፍት መርገጺ ኣገልግሎት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናል ንኽኾኑ ንዝሓረይዎም ዕለት 30 መስከረም ቅዱስነቶም ኣብ ዝመርሕዎ ጉባኤ ካርዲናላት - ካርዲናል እንክብሉ ካብ ዘምይዎም 21 ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳት ሓደ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ከፕ ታውን ሊቀ ጳጳሳት ስተፈን ብሪስሊን፥ ቅዱስ ኣቦና ካርዲናል ንኽከውን ምስ ሓረዩኒ እቲ ሓበሬታ እውን ምስ በጽሓኒ ‘ሰንበድኩ” ቢሎም - ሓጋዚ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ምዃን ሓላፍነተይ ድማ ክጽዕር እየ” እንክብሉ ነቲ ዝተሰምዖም ስንባደ መልሲ ከም ዝሃቡሉን፥ እዞም ኣብ ወልኮም ዕለት 25 መስከረም 1956 ዓ.ም. ዝተወልዱ ፕሪቶሪያ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሓንስ ቪያነይ መንበረ ጥበብ ብፍልስፍና ተመሪቖምን ኣብ ሎንደን ተቕዋም ቲዮሎጊያ፥ ናይ ቲዮሎጊያ ትምህርቶም ኣጠናቒቖም፡ ኣብ 1983 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ክሮንስታድ ሰበኻ ጳጳስ እንክብሉ በነዲክቶስ መበል 16 ምስ ሰመይዎም ዕለት 28 ጥሪ 2007 ዓ.ም. ቅብኣተ ጵጵስና ተፈጺሙሎም። ዕለት 18 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም. ናይ ከፕ ታውን ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ከም እተሾሙን ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኮይኖም እውን ከም ዘገልገሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ብዛዕባ ምግልጋል እዩ!

ሕጹይ ካርዲናል ብሪስሊን ኣብቲ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ተራ ካርዲናል ብዛዕባ ምግልጋል ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፥ “ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝተኻእለኒ መጠን ብተኣማንነት ከምኡ እውን ብተወፋይነት ክገልግልን ኣብዚ ጉዕዞ ኣገልግሎት እዚ እውን ብዙሕ ከም ዝመሃር ርግጸይና እየ - እቲ ዝፍጽሞ ዘለኹ ኣገልግሎት ብዝበለጸ ኣገባብን ህይወትን ተወፋይነትን ንኽፍጽሞ ኣብ ክብሪ ህይወትን ኣድላይነት ምክልኻል ህይወትን ዘተኮረ ክኸውን እዩ ቢሎም፡ ህይወት ካብ ማህጸን ክሳብ ባህርያዊ ሞት ኣብ ኩሉ መድርኻቱ ክኽበር” ኣለዎ፡ ኣገልግሎቶም ናይ ህይወትን ንህይወትን ምዃኑ ይግለጹ።

ድኽነትን ምግባረ ብልሽውናን ንኽብሪ ወዲን ጓል ሰብን ይጸልው

“ብዙሕ ግዜ ክብሪ ህይወት ከም ዘይኽበርን እዚ ጉዳይ እዚ ድማ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊጾም፥ “ንኣብነት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ እቲ ንምእማኑ ዘጸግም ድኽነትን ሰባት ክነብሩሉ ዝግደዱሊ ጽልእን ሕሱም መነባብሮን” ጠቒሶም፥ “ቤተ ክርስቲያን እዚ ጉዳይ እዚ ንሕልና ሰባት ብምቕራብ ነዚ ድኽነት እዚ ንምውጋድ ትዓዪ - ስምዒት ስነ ምግባር ናብቲ ዝተበላሸወ ከባቢታት ምምጻእ እዩ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ዓቢ ብልሽውና የጋጥመና ኣሎ፡ ኣብ ፖለቲካ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኤኮኖሚ እውን። ኣብ ውሽጢ ኣቢያተ ክርስትያን እውን ከይተረፈ። ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ድማ ሕጽረት ስነ ምግባርን ባዶነት መንፍሳውነትን እዩ። ብሓቂ ድማ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ቦታ እዚ ክትሰብኮን ክትሓንጾን ከተበራብሮን ኣለዋ፥ ጠነቂ ኩሉ ድኽሕነትን ምግባረ ብልሽውናን መታን ክእለ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ጉባኤ ካርዲናላት ዕለት 30 መስከረም

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 መስከረም ነቶም ካርዲናል ንኽኾኑ ዝሓረይዎም ኣብ ሃገረ ቫቲካን “ጉባኤ ካርዲናላት ከብዕሉ” እዮም። እቶም 21 ማዕርገ ካርዲናል ዝቕበሉ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ክኾኑ እንከለዉ፥ እዚ እውን ንኹሉ ህዝቢ ዓለም ምሕረት ዝመልኦ ፍቕሪ እግዚኣብሔር እትእውጅ ቤተ ክርስቲያን ኩላውነታ ዝገልጽ እዩ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ቅድም ክብል ንማዕርገ ካርዲናል 21 ጳጳሳትን ሊቀ ጳጳሳትን ከም ዝሓረዩ ኣብ ዘበሰርሉ እዋን ኣመላኺቶም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

29 September 2023, 16:01