ድለ

ጋላገር፥ ንዝክረ ነገር 2030 ዓ.ም. ኣርሒቑ ዝጥምት ስጉምትታት የድሊ ጋላገር፥ ንዝክረ ነገር 2030 ዓ.ም. ኣርሒቑ ዝጥምት ስጉምትታት የድሊ 

ጋላገር፥ ንዝክረ ነገር 2030 ዓ.ም. ኣርሒቑ ዝጥምት ስጉምትታት የድሊ

ዝክረ ነገር 2030 ዓ.ም. “ኣገዳሲ ምልክት ተስፋ ኮይኑ ክቕጽል ነገራት ከም ዝፍጸሙ ዝገብርን ህይወት ዝቕይርን መታን ክኸውን ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ፥ “ሓቀይና ተወፋይነትና ንብዝሓ ጎድናውነት” ከም መግለጺ ዝተሓደሰ ስምዒት ዓውሎማዊ ሓባራዊ ሓላፍነት ኣበርክቶ መላእ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኣገዳሲ እዩ”

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጽኢ ርክባት ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ኒው ዮክር ብሓልዮት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ሓፈሻዊ ጉባኤ ዛዕባ ዘላቒ ምዕባለ ንኽመክር ኣብ ዘሰናደዎ ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ናይ ዘመንና ዓበይቲ ብድሆታት ንምፍታሕ ብፍላይ ኲናትን ግጭትን፡ ድኽነት ጥምየትን ዓመጽን ማሕበራዊ ምግላልን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ምብላሻው ከባብን ንምውጋድ  ጭቡጥ ስጉምትታት ክውሰድ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

እቲ ኣብ ዛዕባ “ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ” ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ዋዕላ፥ “ንሕልናና ዘህድእ” ዘይጭበጡ ኣዋጃት ከም ዝቐረብሉ መድረኽ” ክኸውን የብሉን፡ እንታይ ደኣ “ዓለም ኣብ ዘላቕን ተጻዋርን መገዲ ንምስጓም ጻዕርታት ንምሕያልን ምዓባለ ንምቅልጣፍን” ክውዕል ኣለዎ” ዝብል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገርት ዋዕላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዝዘከሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር፥ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ሓሳብ፥ “ኣብ ዘመንና ዘለዉ ዓበይቲ ብድሆታት ብፍላይ ድማ ኲናትን ግጭትን፡ ድኽህነት ጥምየትን፥ ዓመጽ ማሕበራዊ ምግላል ለውጢ ከባቢ ኣየርን ምብልሻው ከባብን፡ ከምኡ እውን እቲ ሰፊሕ ተጠቂምካ ምጓሕ ዝብል ኣብካንን ከም ውዳቕ ዝሓስብን  . . . ሰባት ከም ቀዳማይ ክብርታት ክሕብሐቡን ክኽበሩን ዘይብል፡ ብፍላይ ድኻታት ወይ ስንኩላን ኣረጋውያንን ገና ዘይተወልዱን ከም ዘይጠቕሙን ገይሩ ዝሓስብ ባህሊ ንምፍታሕ ጭቡጥ ስጉምትታት ምውሳድ ከም ዘድሊ ዘተሓሳብ ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስለዚ ዘላቕነት ጽዓትን “ርሑቕ ዝጥምት ስጉምትታት” ወሳኒ ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ብሓቂ ክርአ እንከሎ እቲ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ክብጻሕ ኣለዎ ተባሂሉ ዝተሓንጸጸ ዝክረ ነገር ዘንበሮ “ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ዘስዕቦ ብዙሕ እደ ጥበባዊ ብድሆታት ንምስጋር ዝያዳ ጸጋታት ምውዳብ ኣድማዒ መሳርሒታት ምሕንጻጽን ጥራይ ዝምልከት ሕቶ ኣይኮነን። የግዳስ ብቐዳምነት ስብእና ሰብኣውነት ዘማእከለ ናብ ሓባርዊ ረብሓ ዘቕንዐን ኣብ ስነ ምግባራዊ መትከላት ፍትሒ ምትሕግጋዝን ሓባራዊ ሓላፍነትን ዝተመርኮሰ ሓድሽ ኣርኣያ ምዕባለ ምውፋይን ምምሃዝን የድሊ. . . ምኽንያቱ ዝክረ ነገር 2030 ዓ.ም. “ኣገዳሲ ምልክት ተስፋ ኮይኑ ክቕጽል ነገራት ከም ዝፍጸሙ ዝገብርን ህይወት ዝቕይርን መታን ክኸውን ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ፥  “ሓቀይና ተወፋይነትና ንብዝሓ ጎድናውነት” ከም መግለጺ ዝተሓደሰ ስምዒት ዓውሎማዊ ሓባራዊ ሓላፍነት ኣበርክቶ መላእ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 September 2023, 16:11